S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ብወኪል ቅዱስ ፓትርያርክን ዓቃቤ-መንበርን ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ጳጳስ ዲበ ኵሉ ዝምራሕ ላዕለዋይ መንፈሳዊ መሪሕነት ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፡ ቅዱስ ፖፕ ቴዎድሮስ ፪ይ መበል 118 ፓትርያርክ እስክንድርያ ብዝገበርዎ መንፈሳዊ ዕድመ መሠረት፡  ትማሊ ሠሉስ 18 ነሓሰ 2015 ኣ.ፈ ( ፲፪ ነሓሴ ፳፻፯ ዓ.ም ግእዝ) ኣብ ካይሮ ርእሰ-ከተማ  ሃገረ ግብጺ ኣትዮም ኣለዉ።

እቶም ካብ መንበረ-ጵጵስና ኣኅጉረ ስብከታት ሰሜን ኣሜሪካ፥ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን ዝተዋጽኡ  እሙናት ኣቦታት፡ ብብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ መሪሕነት፥ ንሕጋዊ 3ይ ፓትርያርክ ሃገረ ኤርትራ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ወኪሎም፥ ብዛዕባ ህልው ኵነታት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፥ ዘይሕጋዊ ማሕዩር 10 ዓመት ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ምስ ኩሎም እሱራትን መጻኢ መንፈሳዊ ምትሕግጋዝ ክልቲአን ኣኃት ኣብያተ ክርስቲያን ብዝርዝር ንምዝታይ እዩ እዚ ኣገዳሲ መገሻ ዝግበር ዘሎ። ቅድሚ ሕጂውን ኣብ ሕዳር 2012 ዓ.ም.. ብጳጳስ ዲበ-ኵሉ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ዝምራሕ ላዕለዋይ መንፈሳዊ መሪሕነት መንበረ-ጵጵስና ኣኅጉረ ስብከታት ሰሜን ኣሜሪካ፥ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን ኣብ ወግዓዊ ምርጫ መበል 118 ፓትርያርክ እስክንድርያ ከም ተዓዘብትን ወኪል ሕጋዊ 3ይ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስን ግቡእ መሳተፊ ወረቐትን ናይ ክብሪ መንበርን ከም ዝተዋህቦም ዝዝከር እዩ።

ከም ዝፍለጥ ብፖፕ ቴድሮስ ፪ይ ዝምራሕ ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ግብጺ ኣብ ዝሓልፈ ዓመት 2014 ኣ.ፈ ንብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ፥ ወግዓዊ ወኪል ናይ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስን ላዕለዋይ መንፈሳዊ መራሒ ኣብ ስደት ንዝነብሩ ኦርቶዶክሳውያን ኣመንትን ምዃኖም ብወግዓዊ ሰነድ ኣረጋጊጽዎን ኣጽዲቑዎን እዩ። ሓዋርያዊ መሪሕነት 3ይ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ኣብ ዕጹው ገዛ ብምእሳሮም ዘይጎድልን ብግዜ ይኹን ኵነታት ዘይቅየርን ምዃኑ ኣብ ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ግብጺን ኣብ መንፈሳዊ ጉባኤ ሕብረት ኦሬንታልን ብተደጋጋሚ ተገሊጹ እዩ።

መንበረ ማርቆስ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ግብጺ ብዘመን መሪሕነት ቅዱስ ፖፕ ሺኖዳ 3ይ ካብ ጽባሕ ነጻነት ኤርትራ ኣትሒዛ ንተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ እግሪ-ንምትካል ኣብ ጉባኤ ኦሬንታልን ማሕበር ኣብያተ ክርስቲያን ዓለምን ግቡእ ክብሪ ንኽትረክብ ልዑል መንፈሳዊ ደገፍን ምትሕብባርን ትገብር ከም ዝነበረት ናይ ትማሊ ተዘክሮ እዩ። ገለ ካብኡ ንምጥቓስ ዝኣክል ንሸውዓተ መነኮሳት ብማዕርግ ጵጵስና ቀቢኣ፡ ኣብ ኩለን ሃገረ ስብከታት ሓዋርያዊ መንበሮም ተኺላ፥ ንቀዳማይ ፓትርያርክ ኣቡነ ፊልጶስ ብወግዒ ሸይማ ሓዋርያዊ መንበር ኣቝማ፥ ንዓሰርተ ውሉደ-ክህነት ን3ተ ዓመታት ዝኣክል ኣሰልጢና፥ ኣብ ምንባር እምነ-መሠረት ኮሌጅ ሥነ-መለኮትን ኣብ ምድላው ቅዱስ ሜሮንን ........... ካልእውን ብዙሕ ብዋጋ ዘይትመን ውዕለትን ኣብርክቶን ጌራ እያ። ይኹን እምበር በቲ ኣብ ኤርትራ ካብ መፋርቕ 2005 ኣ.ፈ ዘጋጠመ ናይ ዕንወትን ሕጊ-ኣልቦነት ዘይመንፈሳዊ ምምሕዳር ኣቶ ዮፍታሄን ዘይሕጋዊ ክሲ ጳጳሳትን ኣብ ልዕሊ 3ይ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ምኽንያት ቀጥታዊ ዝምድና ክልቲአን ኣኃት ኣብያተ-ክርስቲያን ሓዋርያዊ ርክበን ተበቲኹ ብዙሕ ተጎዲኡ እዩ ጸኒሑ።

ላዕለዋይ መንፈሳዊ ልኡኽ መንበረ ጵጵስና ኣኅጉረ ስብከታት ሰሜን ኣሜሪካ፥ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን ሠናይ ፍቓድ እግዚኣብሔር ኮይኑ ቦኽሪ ርክቡ ምስ ቅዱስ ፖፕ ቴድሮስ ፪ይ ፓትርያርክ እስክንድርያ ኣብ መንበረ ማርቆስ ካቴድራል ተራኺቦምን ሓባራዊ ጸሎት ኣዕሪጎምን ኣለዉ። ንዝቕጽል ሰፊሕ ዝርዝር ዜና ኣብ መጻኢ ከነቕርቦ ኢና።

በዚ ኣጋጣሚ ንኹሎም ግዱሳት ኦርቶዶክሳውያን ኣመንትን ኣገልገልቲ ውሉደ-ክህነትን ስለታ ኣብ ከቢድ ዓዘቕትን ዕንወትን ዘላ ሓዋርያዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያንና፡ ስለ ውጹዕ ህዝብናን ኤርትራ ሃገርናን ኩሉ ሰብ ብጸሎት ናብ ኣምላኽ ወትሩ ክነቅሕ ነዘኻኽር።

ኣምላኻዊ ፍትሕን ራህዋን ምስ ምሉእ ጥዕና ንቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ኣቦና፥

መንፈሳዊ ዓወትን በረኸትን ንብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ምስ ልኡካን ኣኅጉረ ስብከታት።

ሕዝባዊ ርክባት ኣኅጉረ ስብከታት ሰሜን ኣመሪካ፣ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div