S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

መበል 17 መንፈሳዊ ጉባኤ ቤተ ክርስትያን ተዋሕዶ ብሰላም ተዛዚሙ

እምበኣርሲ እታ ወዲ ሰብ ዚመጸላ መዓልትን ሰዓትን ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ ንቕሑ (ማቴ 2513) ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ጥቕሲ ንመበል 17 ዓመት ካብ ሓምለ 30 - ነሓሰ 02/ 2015 (ሓምለ ፳፻፯ ግእዝ) ኣብ ቅድስት ማርያም ኦክላንድ (ሳን ሊያንድሮ) ካሊፎርንያ

ክካየድ ዝቀነየ ጉባኤ ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ፥ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ ብሰላም ተዛዚሙ፡፡ እግዚኣብሔር ረዲኡና ጉባኤና ካብቲ ዝተጸበናዮ ንላዕሊ ናይ በረኸት፣ ናይ ምጽንናዕ፣ ናይ ፍቕሪ ጉባኤ እዩ ነይሩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ብጸሎት ዝጀመረ መደባት ናይ ንጉሆ፣ ድሕሪ ቀትርን ምሸታዊ መደባት ተሰሪዑ እዩ ክካየድ ቀንዩ።

ሓሙስ ንጉሆ ብፁእ ኣቡነ መቃርዮስ ነቲ ጉባኤ ብጸሎት ከፊቶሞ። እግዚኣብሔር ጉባኤና ክባርኽ ጸሎቶምን ሰናይ ባህጊ-ልቦምን ገሊጾም። ንምእመናን ድማ ማዕዳን ምትብባዕን ዝመልኦ መልእኽቲ ሂቦም። ንሶም፣ ቤተ ክርስትያን ካብ ፈተና ከምዘይትዓርፍ፣ ኣብ እዋን ፈተና ምእመናን መንፈሳዊ ዕጥቂ ዓጢቖም ኣብ እምነቶም ደው ክብሉ፣ ውሉደ-ክህነት ድማ ኣሰር ሃዋርያት ብምስዓብ ንህዝቢ ብትብዓት ክመርሑ ማዕዳ ሂቦም።

ኣቐዲሙ ሃገረ ስብከት ብዘውጽኦ መደብ መሰረት፣ እቶም ዝምህሩ በብዝተመደበሎም ግዜ መደባቶም ኣቕሪቦም። ከም ኩሉ እዋን: ናይ ሎሚ ዓመት መደባት ጉባኤውን ኣብ ስብከት፣ ትምህርቲ፣ ሰሚናርን ጸሎትን ዘድሃበ ጉባኤ እዩ ኔሩ። ከምኡውን ህዝቢ ብኽፉት ልቢ ዝተሳተፎ ናይ ሕቶን መልስን ግዜ ኔሩ፡ ምስቲ ዝነበረ እዋን፡ ኣቡነ መቃርዮስ ንሕቶታት ህዝቢ ዘዕግብ መልሲ ሂቦምሉ። ብግዜ መልክዕ ክረአ ኮሎ ድማ አብ ሰለስተ ተኸፊሉ (ናይ ንጉሆ መደብ፡ ድሕሪ ቀትሪ፡ ናይ ምሸት መደባት) ተኻይዱ። መደባት ናይ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ድማ ስለ ሃገርናን ህዝብናን ብዝግበር ጸሎት ይዛዘም ኔሩ። ሰንበት 2 ነሓሰ 2015 ዝነበረና ጉባኤ ብቅዳሴ ተዛዚሙ። ሃገረ ስብከት ዝመደቦ ናይ መደባት ውጥን ንመንፈሳዊ በረኸት ምእንቲ ክኸውን ብጸሎት፣ ብምኽሪ፣ ብኻልእ ሓገዝ ዝደገፍኩምና ኣብ ቀረባን ርሑቕን ዘለኹም ኣቦታት፣ ምእመናን፣ ኣሕዋት፣ ኣሓት፡ ኣምላኽ በረኸት የብዝሓልኩም። ብዙሓት ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ኣብዚ ጉባኤ ኪሳተፉ ዘይከኣሉ ምእንቲ ኪረብሕሉ ተባሂሉ ምሉእ ትሕዝቶታት ገለ ካብቲ ኣብዚ ኮንፈረንስ ዝቐረቡ ትምህርትታት ኣብ መርበብ ሓበሬታ ሃገረ ስብከት ሰፊሩ ይርከብ። እቲ ሰፊሕ መደብ ብመገዲ ትቪ ተዋህዶ (http://tewahdo.tv) ብቐጥታ ኪመሓላለፍ ተመዲቡ እኳ እንተነበረ ብቴክኒካል ጸገመ ኪፍጸም ብዘይምኽኣሉ ይቕረታ ንሓትት።

ጎድኒ ጎድኒ እዚ ዓብዪ ጉባኤ ናይ ገዛእ ርእሱ መርኃ ዝሓዘ ጉባኤ ህጻናትን መንእሰያትን ኪካየድ ቀንዩ። ተሳትፎ መንእሰያትን መዘምራንን ዝንኣድ ነይሩ።

ብቀሲስ ዲበ ኩሉ ተማሂሮምን ተመልሚሎምን ዝተዳለዉ  ሹዱሽተ ንኣሽቱ መንእሰያት፣ ብፁእ ኣቡነ መቃርዮስ ማዕረገኣናጉኒስትስኣንበብቲ ተሸይሞም።

መራሕትን ኣማኸርትን ሃገረ ስብከት ኣብ ዝተፈላለየ እዋናዊ ጉዳያት ብዕምቆት ተዛትዩ፥ ናይ ሓጺርን ነዊሕን መደብ ስራሕውን ኣዳልዩ ኣሎ።  ንህሉው ኩነታት ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ ዝምልከት መግለጺውን ወጺኡ ኣሎ።

ንእሱራት ከም መተኣስርቶም ኴንኩም፡ መከራ ይጸግቡ ንዘለዉ ኸኣ ንስኻትኩምውን ኣብቲ ስጋ ኸም ዘሎኹም ኴንኩም ዘክርዎም። ዕብ 133 ከምዝበሎ ቅዱስ ጽሑፍ ካብ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ጀሚሩ ኣብ ብዙሓት ሊቃውንቲ ቤተክርስቲያንን ዜጋታት ሃገርናን ወሪዱ ዘሎ ማእሰርቲ፥ ስቓይን መከራን መወዳእታ ኪገብረሉ ነቲ ኩሉ ኣብ ኢዱ ዝሓዘ ኣምላኽ ብፍሉይ ጸሎትን ምህለላን ተገይሩ።

ብዝያዳ፣ ንምእመናን ቤተ ክርስትያን ቅድስት ማርያም ኦክላንድ፣ ንኣቦና ካህን ዲበ ኩሉ ገብረወልድ ምስ ድያቆናቶም፣ ሰበኻ ጉባኤ፣ መዘምራን፣ ኣጋይሽ ኣብ ምቕባልን ኣብ ዝተፈላለየ ካልእ ኣገልግሎት ዝዓየዩን ዘገልገሉን ኹሎም ምእመናን እግዚኣብሔር ዓስቦም ይሃቦም። ነተን ከይተሓለላ ኣብ ልክዕ ግዜኡ ጥዑም ምግብታት ዘዳለዋ ኣዴታት ቤተ ክርስትያን ቅድስት ማርያም: ኣምላኽ ኣዕዚዙ ይባርከን።

ከምቲ ሳሙኤል "እግዚኣብሔር ክሳብ ኣብዚ ረድኣና ኢሉ ድማ ኤብን-ዔዘር ሰመዮ" (1 ሳሙ 7.12) ዝበሎ ንሕናውን እግዚኣብሔር ክሳብ ኣብዚ ረዲኡ ጉባኤና ብሰላም ኣፈጺሙና እዩ' "ኤብን-ዔዘር" ንብል።

እግዚኣብሔር ንቤተክርስትያንናን ህዝብናን ሰላሙ ይሃብ!

ን3 ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ብጥዕናን ሰላምን ይሓልወልና!

ንብፁእ ኣቡነ መቃርዮስ ኣብዚ ናይ ፈተና እዋን ኣብ ኣገልግሎቶም ዓወትን ኣሳልጦን ይሃብ! ኣሜን።

ካብ ትሕዝቶታት ዓመታዊ ጉባኤ 2015

1. ተጠንቀቑ! ንቕሑ። ሓቛቑኹም ዕጡቕ ሓቛቑኹም ዕጡቕ መባርህትኹም መባርህትኹም መባርህትኹም ብሩህ ይኹን። 

2. ንቕሑ፡ ኣብ እምነት ጽንዑ፡ ሰብኡት ኩኑ፡ በርትዑ። ኲሉ ግብርኹም ብፍቕሪ ይገበር

3. እምብኣርሲ እታ ወዲ ሰብ ዚመጸላ መዓልትን ሰዓትን ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ፡ ንቕሑ

4. ኣብ ዝተፈላለየ ዘመን ንቤተክርስቲያን ዘጋጠማ ፈተናን ጽንዓት ኣመንቲ ወለድናን

5. ምዕቃብ ግእዛዊ ዜማ

6. ቃል ኪዳን

7. መዘከርታ ጸሎት መዘከርታ ጸሎት፥ ስለ እሱራት

8. Conference Photos

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div