S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ሕጂውን እቲ ፍታሕ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንስ ናብ መንበሮም ምስ ዝምለሱ'ዩ

ቅዱስ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ኣብ ታሪኽ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፥ ንመጀመርታ ጊዜ ሽዱሽተ ጳጳሳት ዝቐብኡን ኣብ ዘመነ ዕብሬቶም ሜሮን ዘውጽኡን ብቅድስና ዝፍለጡ ርህሩህ ኣቦ እዮም። ካብቶም ብኢዶም ዝተባረኹን፥ እስትንፋሶም ኡፍ ዝበሉሎምን ሓደ ከኣ ኣባ ሉቃስ እዮም። ይኹን እምበር ከምቲ “ህየንተ ሠናይ ፈደይዎ እኪተ” ማለት “ኣብ ክንዲቲ ኩሉ ሠናይ ክፉእ ፈደይዎ” ዝብል ጽሑፍ ዘሎ፥ ኣባ ሉቃስ ኣብ ርእሲ ኣቡነ እንጦንዮስ ዝፈጸምዎ ዝፍጽምዎ ግፍዕን ክሕደትን ንሰማዒኡ ዘሰምብድ እዩ።

ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ፡ ካብ ሕጻንነቶም ጀሚሮም ንገዳም ተወፍዮም፥ ንሰብዓ ዓመታት ካብ ቀጽሪ ቤተ ክርስቲያንን  ጨና ዕጣንን ቅዱስ ቁርባንን ተፈልዮም ዘይፈልጡ፥ ብሕጋዊ መገድን ብወግዓዊ ምርጫን ሕዝቢ ኤርትራ ኣቦ ኩኑና ውሉድ ክንኮነኩም፥ ኢሉ ብጸሎትን ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስን ይግብኦም ኢሉ ኣብ ናይ ኣቦነት ቦታ ፓትርያርክ ኣቐሚጥዎም እዩ። እንተ ኾነ ገለን ብገርሂ፥ ገለን ብጉርሒ፥ ነዞም ምንም ገበን ዘይብሎም ንጹህ ኣቦ ኣሕሊፉ ንማእሰርቲ ስለ ዝሃቦም፥  ልዕሊ ትሽዓተ (9) ዓመታት ኣብ ጸልማት ገዛ ተሓይሮም ይርከቡ። ወዲ ተስዓ (90) ዓመት መንፈሳዊ ኣቦ፥ ኣብ ማሕዩር ኮይኖም ደም እናብዑ ዝደገምዎ ዳዊትን፥ ዘፍሰስዎ ንብዓትን፥ ቀላይ ኮይኑ የጥሕለና ከይህሉ ልቡ ድቃስ ዝኸልኦ ለባምውን ብዙኅ እዩ።

ኣብዚ እዋን እዚ፥ ኣባ ሉቃስ ዝመርሕዎ ምምሕዳር ቤተ ክርስቲያን፥ መልሓሶም ቀይሮም ኣለዉ። ንቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ መናፍቕ ኮይኖም ረኺብናዮም፥ ሃገር ክሒዶም፥ ኣንጻር ሲኖዶስ ኮይኖም ንዕዮና ዓንቂፎም፥ መናፍቕ ስለ ዝኾኑ መጽሓፍ ቅዱስ ምንዳዱ ተቓዊሞም፥ እናበሉ ንዓመታት ከጸልምዎምን፥ ከሲሶም ኣብ ጸልማት ዝዳጎንዎምን ረሲዖም፥ ኣብዚ እዋን ሓዲሽ ቃና ኣምጺኦም ኣለዉ። ንሱ ከኣ “ንዓናውን ኣቦና እዮም። ግን ናብ ሥልጣንኩም ተመለሱ ክንዓርቀኩም እንተ በልናዮም ኣብዮምና፥ ንገብሮ ጠፊኡና ብምባል ንሓቂ ክዓባብጡን በቶም ናይ ወረ ማዕከናቶም ናብ ምእመናን ጻዕዳ-ሓሶት ብብዝሒ ይዝርግሑን ኣለዉ። ኣባ ሉቃስ ኣብ ሓደ ጊዜ፥ ብኽያት ምስ ንብዓቱን፥ ሰሓቕ ምስ ከብዲ ምቑሳሉን፥ ከርእዩ ዝኽእሉ፥ “ ንቃል ክርስቶስ ርኹስ እዩ” ኢሎም ዝኸሓዱን፥ ውግዘት ፓትርያርክ ዝረገጹን ውልቀ ሰብ እዮም። ኣባ ሉቃስ  ካብቶም ብዘይ ሕግን ሥርዓትን ዝተሾሙ ሕጂ ኣብ ዓራት-ማእሲ ዝርከቡ ኣቡን ዲዮስቆሮስውን ዝተማህሩ ኣይመስሉን። ዝረገጹ ረጊጾም፥ ዝእሰር ኣእሲሮም፥ ዝከሓድ ክሒዶም ናብታ ብኣምላኽን ብመንፈስ ቅዱስን ዘይኮነስ፥ ብጊዜን ሰብ ጊዜን ክትወሃቦም ብሃረርታ ዝጽበይዋ ናይ ፓትርያርክ መዓርግ ንምብጻሕ ብኩሉ ይቃለሱ ኣለዉ።  እቶም ነዚ ግጉይ መገዲ ከም መሳርሒ ዝጥቀሙሎም ዘለዉ ኣባ ባስልዮስ’ውን ኣብዚ ገበን እዚ ምቁምጥዖም ንብዙሕ ኣማኒ ተዋሕዶ ኣደንጽዩ ዘሎ ፍጻሜ እዩ። መንፈሳዊ መሪሕነት ቤተ ክርስቲያን ግና ከም ኣሮን ብኣምላኽ ንዝተጸውዐ እሙን ጓሳ ደኣ’ምበር፥ ጸልማት ተጎልቢቡ ብመስኮት ንዝሓኩር ዘይሕጋዊ ዓሰባ ዝወሃብ ማዕርግ ኣይኮነን፡

ክቡር ኣማኒ ፥ ሃገረ ስብከትና፥ ነቲ ኣብ ርእሲ ቤተ ክርስቲያንና ን10 ዓመታት ዝኣክል ክፍጸም ዝጸንሐን ገና ዝቕጽል ዘሎን ከቢድ ዕንወት፥ ኣደራዕ ማእሰርትን ግፍዒ-ስደትን ካብ ጊሓቱ ጀሚሩ፥ ኣውጊዝዎን ኮኒንዎን እዩ። ሕጂውን እቲ እንኮ መፍትሒኡ ኣብ ሓዋርያዊ ሕግን ሓቅን ዝተመሥረተ መገዲ ዝተጋገየ ክምለስ፥ ዝበደለ ክኽሕስ ደኣ ይግባእ እምበር፥ ሓቂ ዘይሓዘ ዕርቂ ኣይንሰላም ኣይንጽድቂ ምኻኑ ኩሉ ኣማኒ ተዋሕዶ ከስተውዕሎ ይግባእ።

ስለዚ ጉባኤ ሃገረ ስብከትና ኣብ ርእሲ ቅዱስ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስን፥ ኣብ ርእሲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንናን እሙናት ኣገልገልታን ዝወርድ ዘሎ ዕንወት፥ ግፍዒን ግህሰትን ከብቅዕ፥ ቤተ ክርስቲያን ኣብነት ናይ ሰላምን ፍቕርን ሓድነትን ምእንቲ ክትከውን ዘለዎ ውሳኔኡ ደጊሙ ከምዚ ዚስዕብ የቕርብ።

1. ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ኣነ ብዘይፈጸምክዎ ገበን ኣብ ጉድጓድ ትድርብዩኒ ኣሎኹም፥ ኣነ ንጹህ ሰብ እየ፥ ታሪኽ ተመሊሱ ክፈርደኩም እዩ፥ እናበሉ ኣባ ሉቃስ፥ ኣባ ማርቆስን ዮፍታሄን ኮይኖም፥ ብዝመሃዝዎን ዝመሥረትዎ ናይ ጸለመን ሓሶትን ክሲ፥ ብዘይፍርድን ሕቶን ንትሸዓተ (9) ዓመታት ኣብ ጉድጓድ ዝተደርበይዎ መሪር ናይ ማሕዩር እዋን ንምርሳዕ እዩ እዚ ኩሉ ሃታሃታ ዝበሃል ዘሎ። ሃገረ ስብከትና ብመትከል ዝኣምነሉ ግን፥ ጉዳዮም ብዝግባእ ተጻርዩ፥ ገበን እንተ ኣልይዎም፥ ብገበኖም፥ ቀኖናዊ መቕጻዕቲ ክወሃቦም፥ እንተዘይብሎም ድማ፥ እቶም ከሰስቲ፥ ኣእሰርቲ፥ ፈረድቲ ኮይኖም፥ ኣቦና ዘሳቐዩ ጳጳሳት ቀኖናዊ መቕጻዕቲ ተዋሂብዎም ካብ ኣቦኦም ይቕረታን ስርየትን ረኺቦም፥ ሕጊ ቤተ ክርስቲያን ብዝፈቕዶ ዳኛ ፓትርያርክ ተሰይምሎም ብሕጋዊ መገዲ ክዕረቑ።

2.ቅዱስ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ “ሕጊ እንተ ረገጽካዮ፥ ተመሊሱ እዩ ዝረግጸካ” ዝበልዎ ረዚን ቃል ረጊጾም፥ ብዘይ ፍቓድን ቡራኬን ፓትርያርክ ናብ ሰሜን ኣሜሪካ ዝመጹ ኣባ ሲኖዳ፥ ኣብ ርእሲ እቶም ዝቐብእዎም ኣቦኦም፥ ስም ከጥፍኡ ዝጸንሑ ሕጊ ንዝረገጻ ከም ፈንጂ ተገልቢጣ ትፍንጅር ስለ ዝኾነት፥ ሰዓቱ ኣኺሉ፥ ንሶም ድማ ብዘይሕጊ ክብደሉ ንርእን ንሰምዕን ኣሎና። እቲ ኣብ ርእሲኦም ዝተፈጸመ ግፍዒ ዘየሕጉሰና እኳ እንተ ኾነ፥ ብሓንቲ ኢድ በሓንቲ መዓልቲ ብዝተሾሙ ኤጲስ ቆጶስ ንሓደ ከምኦም ኤጲስ ቆጶስ ደው ኣቢለካ ኣሎኹ፥ ክብሉ ዘይሕጋውን ዘይፍቀድን እኳ እንተ ኾነ፥ ኣብ ዓዲ ሕጊ-ኣልቦ፥ ከምዚ ዓይነት ግፍዒ ክፍጸም ምርኣይና ግን ኣየገርመናን እዩ። ስለዚ ነቲ ኣብ ርእሲ ኣባ ሲኖዳ ዝተፈጸመ ግህሰት ብቐጥታ እኳ ዘይምልከተና እንተኾነ፥ ንምእመናንናውን ዘደናግር ብምዃኑ፥ ነቲ ዝፍጸም ዘሎ ገበን ኣብ ልዕሊ ገበን ንኹንኖን ነውግዞን።

3.ኣባ ሉቃስ ዝመርሕዎ፥ ምትእኽኻብ በጋሚዶታት፥ ብስም ኣጻራይት ሃይማኖት ዝብል ጉልባብ፥ ኣብ ርእሲ ንጹሃት ካህናት፥ ዲያቆናት፥ መዘምራንን ምእመናንን ዝፍጸም ዘሎ ከቢድ ግህሰትን መሰል ኣመንትን፥ ተሓድሶ፥ መናፍቕ፥ ጥርጡር ወዘተ ዝብል ኣስማት እናኣጥመቕካ፥ ቅኑዓት ደቂ ቤተ ክርስቲያን ኣደዳ ስደትን ማእሰርትን ንክኾኑ ዝገብርዎ ዘለዉ ገበን፥ ናይ ሰይጣን ውዲት ስለ ዝኾነ ኣትሪርና ንቃወሞ።

4.ማእለያ ዘይብሉ መንእሰይ ሃገር ሓዲጉ ኣብ ፈቐዳ ባሕርን ምድረ በዳን፥ ድራር ዓሣታትን ኣዕዋፍ ሰማይን ኮይኑ፥ ምህላዉ እናተፈልጠ፥ ቤተ ክርስቲያን ዓገብ ክትብል፥ ነቶም ዝተረድኡ ወለዲ ከተጸናንዕን ግቡእ ጸሎተ ፍትሓት ክትገብርን፥ ናይ ጾምን ጸሎትን ኣዋጅ ክትእውጅ ዘይምኽኣላ ጓሂና ንገልጽ።

ኣብ መደምደምታ ከምቲ “ኣመጻጽኣ ሰይጣን ዘይፈልጥ፥ ኣይመንኩስ” ዝበሃል ኣብዚ ከቢድ ናይ ፈተናን ጸበባን እዋን እቶም ብስም ክርስቶስ ክርስቲያን ዝተሰመና ንኣምላኽ እንፈርሕ ኩልና ኣመንቲ ንሓቂ ሓቂ ኢልና ክንምስክር፥ ንሓሶት ከኣ ሓሶት’ዩ ኢልና ክንነግር፥ ክርስቲያናዊ ግቡእናን ግዴታናን ብምኻኑ ስለ ህላዌ ቤተ ክርስቲያንና ብጽንዓት ደው ኢልና ነቲ ዝእለም ዘሎ ረቂቕ ፍሕሶ ሰይጣንን ውዲት ፖለቲካውያንን ሓቢርና ዓገብ ክንብል ሓላፍነታዊ መግለጺና ነመሓላልፍ።

 

ልዑል እግዚኣብሔር ንቤተ ክርስቲያንናን ውጹዕ ህዝብናን ሰላምን ምሕረትን የውርደልና።

መበል 17 ዓመታዊ ጉባኤ መንበረ ጵጵስና ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ

ቅድስት ማርያም በይኤርያ ካሊፎርኒያ

ነሓሰ 1, 2015 ዓ ፈ  ( ሓምለ 25, 2007 ዓ ም ግእዝ)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div