S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ቅነ-ጉባኤ፥ መልእኽቲ ካብ ደቂቀ እንጦንዮስ

ህዝቢ ኣክቡ ቅዱስ ጉባኤ ከም ዘሎ ንገሩ! ኢዩኤል 2፡16
ናብ ኩሎም ኦርቶዶክሳውያን ምእመናን ህዝበ-ክርስቲያን ነበርቲ ሰሜን ኣሜሪካን ካናዳን ከምኡውን ኣብ ኤርትራን ኣብ ኩሉ ኵርንዓት ዓለም እትርከቡ ብክርስቶስ ጎይታ ኣኅዋትና።

ካብ እግዚኣብሔር ኣቦናን ካብ ጎይታናን ኢየሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ኣብ ዘዘሎኹሞ ንኣኻትኩም ይኹን።

እቲ ብናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን መንበረ ጵጵስና ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ዝዳሎ መንፈሳዊ ዓመታዊ ጉባኤ ምእመናንን ውሉደ-ክህነትን፥ ሎሚ ዘመንውን ንመበል 17 ዓመቱ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ድንግል ማርያም ኦክላንድ ካሊፎርኒያ ኣብዚ ቅንያት እዚ ክካየድ እዩ። እዚ ብጸሎተ-ቡራኬ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ዓቃቤ-መንበርን ወኪል ፓትርያርክን፡ ብወግዒ ጽባሕ ሓሙስ ዝጅምር ዓቢይ ጉባኤ ህዝበ-ክርስቲያን፥ ብኣቦታት ቆሞሳት፥ ካህናት፥ ዲያቆናት፥ መዘምራን ትምህርቲ ሰንበት፥ ከምኡውን  ካብ ርሑቕን ቀረባን ዝመጹ ኩሎም ምእመናንን ምሁራት ደቂ ቤተ ክርስቲያንን ዝሳተፍዎ ምዱብ ጉባኤና፥ ብዝተፈላለዩ መደባት መንፈሳዊ-ትምህርቲ፥ ስብከታት፥ ሰሚናራት፥ መዝሙራትን ጸሎተ-ምህልላን ዝሓዘ መርሓ-ግብር (ፕሮግራም) ወጺኡ ካብ ሓሙስ 30 ሓምለ ክሳብ 2 ነሓሰ 2015 ኣ.ፈ (፳፫ --፳፮ ሓምለ ፳፻፯ ዓ.ም) ብድሙቕ ኣገባብ ንምጽንባሉ ብምምሕዳር ሰበኻ ጉባኤ ቅድስት ማርያምን ኣወሃሃዲት ኮሚቴ ዓመታዊ ጉባኤን ሰፊሕ ምድላዋት ይካየድ ከም ዘሎ ብመንፈሳዊ ኣኽብሮት ክንሕብር ንፈቱ። 

በዚ መሠረት ነቢይ ኢዩኤል ህዝቢ ኣክቡ ቅዱስ ጉባኤ ከም ዘሎ ንገሩ! (ኢዩኤል 2፡16)፡ ከም ዝበለ፥ ኣብዚ ቅዱስ ጉባኤዚ ተኣኪብና እግዚኣብሔር ንነፍሲ ወከፍና ብዝገበረልና ሠናይ ነገር ከነመስግን፥ ከምኡውን ብዛዕባ እታ ተስፋኣ ወትሩ ካብ ኢድ እግዚኣብሔር ጥራይ ዝኾነት ሓዋርያዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያንና፥ እሙን መራሒና 3ይ ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስን ኣብ ከቢድ ጸበባን መከራ-ስደትን ዝርከቡ ምሉእ ህዝብናን መንእሰያት ደቅናን ብጸሎትን ምህለላን መስዋዕቲ-ቅዳሴ ጌርና ንኣምላኽ ክንልምን፥ ኣብዚ ዝካየድ ፍሉይ ዓመታዊ ጉባኤ ነፍሲ ወከፍ ኦርቶዶክሳዊ ኣማኒ ምስ ስድራ ቤትኩም ክትሳተፉ መንፈሳዊ ዕድመና ብስም ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ነመሓላልፍ። እቶም ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ብኣካል ክትሳተፉ ዘይትኽእሉ ድማ ኣብ ዘዘሎኹሞ ኴንኩም ብሕሊናን መንፈሳዊ ጸሎትን ክትሓብሩና እናኣዘኻኸርና፥ ብመንበረ -ጵጵስና ክፍሊ ርክበ-ሕዝብን ተዋሕዶ ዶት ኦርግን ብቐጥታ ዝፍኖ መደባትን ኣገልግሎትን መበል 17ተ ዓመታዊ ጉባኤ ብመስኮት ኢንተርነት ክትከታተሉ ከም ትኽእሉ ብኣኽብሮት ንሕብር።

ንዘድሊ ህጹጽ ሓበሬታ ንኃው ኤርምያስ ተስፋዮሓንስ ብቁጽሪ ቴለ 510-673-4982 ተወከሱ።

መድኃኔ-ዓለም ኣምላኽና ጉባኤናን ህዝብናን ይባርኽ።

ደቂቀ እንጦንዮስ መማህራንን ተመሃሮን ተዋሕዶ መንፈሳዊ ኮሌጅ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div