S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

መምህር ኣስረስ ተሰማን ማኅበር መንእሰይ ፍኖተ-ብርሃንን

ኣብ መጀመርታ-ሓሙሳታት ማኅበር መንእሰይ ፍኖተ-ብርሃን፥ ኣብ ቀጽሪ ርእሰ-ኣድባራት ደብረ-ጽዮን ቅድስቲ-ማርያም ክምሥረት ከሎ፥ ካብቶም በቲ እዋን’ቲ ብፍቕሪ ኦርቶዶክሳዊ እምነት ዝተቓጸሉ መንእሰያት ሓደ፥ መምህር ኣስረስ ተሰማ ምንባሩ ታሪኽ’ቲ ማኅበር ይነግረሉ እዩ።

ስለ-ዝኾነ’ውን ኣብ ታሪኻዊ-ጉዕዞ እቲ ማኅበር፥ ተሳትፎ መምህር ኣስረስ ደሚቑ ዝተራእየ ካብ ምዃኑ ዝተላዕለ፥ ኣብ ሥነ-ጽሑፍን ሙዚቃን ብዝነበሮ ፍሉይ ተውህቦ፥ ንዕቤት እቲ ማኅበር ምሉእ-ዘመን ሕይወቱ ወሪዱን ደይቡን’ዩ ኢልካ፥ ብዓቢይ-ሞሳ ክንገር ግቡእ’ዩ።

መምህር-ኣስረስ ንዘረባ ዘይህወኽ ኣዚዩ ረዚን ስለ-ዝነበረ፥ ደቂ ፍኖተ-ብርሃን ተባሂሎም ብፍሉይ ካብ ዝጥመቱ፥ ወረጃ ክበሃል ዝግብኦ ለባም-ሰብ ከም-ዝነበረ፥ እቲ ብትዕግስቲ ዝልለ ጽፉፍ ባህርያቱ ክምስክረሉ ይኽእል እዩ። ኣብ 60-ታት ናይ መናፍቓን ምንቅስቓሳት ብብዝሒ ናብ ሃገርና ደፊኡ ኣብ ዝመጸሉ ግዜ፥ እቲ እንኮ ንደምበ-ተዋሕዶ ወኪሉ ዝንቀሳቐስ ዝነበረ፥ ማኅበር መንእሰይ ፍኖተ-ብርሃን ከም ምዃኑ መጠን፥ ምስቲ ሽዕኡ በቲ ማኅበር ዝግበር ዝነበረ ጽዑቕ ስብከተ-ወንጌል፥ ብተዋስኦታትን መዛሙርን’ውን ክስነ ይድለ ስለ-ዝነበረ፥ ኣብዚ ዓውዲ’ዚ ኣበርክቶ መምህር-ኣስረስ ብዙሕን ሰፊሕን ከም-ዝነበረ፥ ታሪኽ’ቲ ማኅበር ከቶ ክርስዖ ዝኽእል ኣይኮነን።

ብመሠረቱ ክርአ ከሎ መምህር-ኣስረስ ኣከያይድኡ ኣዚዩ እሩም ካብ ምዃኑ ዝተላዕለ፥ መንእሰይ ከይመሰለ’ዩ ነቲ ናይ ጉብዝና ዕድመ ሓሊፉዎ ክበሃል ይከኣል። ምስ ዝኾነ ናይ ንእስነት-ጠባይ ከይተፋለጠ ከኣ፥ ክርስቲያናዊ-ሕይወት ሒዙ ጉዕዞ ሕይወቱ ፈጺሙዎ። ኣብዚ ቀረባ-ዓመታት ንኣሜሪካ መጺኡ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፥ ኣብ ዋሺንግቶን ክረኽቦ ክኢለ ነይረ። እቲ ዝተራኽብናሉ ቦታ ድማ ኣብ ቤተ-ክርስቲያን’ዩ ነይሩ። ከመይሲ መምህር-ኣስረስ ካብታ ዘዕበየቶ ቅድስቲ ቤት ሪሒቑ ክርከብ ዝሕሰብ’ውን ኣይኮነን። እቲ ማዕበል ዘየናውጾን ግዜ ዘይቅይሮን ጽኑዕ ወዲ ቤተ-ክርስቲያን፥ የማነ ጸጋም ከየላገሰ ንእግዚኣብሔር እሙን ኮይኑ ምድራዊ-ዑደቱ ክፍጽሞ ምኽኣሉ ከኣ ክንደይ’ኳ ዕድለኛ እዩ።

ከምዝፍለጥ ኣስረስ ተሰማ ብሞያ መምህር’ዩ ነይሩ። ኣብዚ ሞያ’ዚ ተጸሚዱ ከኣ፥ ብቓል ጥራይ ዘይኮነ ብግብሪ’ውን ብኣርኣያ ዝጥቀስ መምህር ኮይኑ’ዩ ጉዕዞ-ሕይወቱ ፈጺሙዎ። መምህር-ኣስረስ ተሪርን ጽኑዕን ናይ ዕላማ ሰብ ከም-ዝነበረ፥ እቶም ብቐረባ ዝፈልጡዎ ኩሎም ይምስክሩሉ እዮም። ብዝተረፈ እታ ብ”ማትኣ” ትፍለጥ ዝነበረት፥ ማኅበር ትያትር ኣሥመራ ክትቀውም ከላ፥ ማኅበር መንእሰይ ፍኖተ-ብርሃን’ውን ኢዳ ሓዊሳ’ያ ዘብል ምኽንያት ምንባሩ ክጥቀስ ግቡእ’ዩ። ከመይሲ ካብቶም መሥረቲ ዝበሃሉ መምህር-ኣለማዮ ካሕሳይን, መምህር-ኣስረስ ተሰማን, ኣርኣያ በላይን, ገብረ-ሕይወት ቀለታን ደቂ ፍኖተ-ብርሃን’ዮም ነይሮም። ብዝተፈልየ መምህር-ኣስረስ ብዝነበሮ ፍሉይ ናይ ሥነ-ጽሑፍን ሙዚቃን ተውህቦ፥ ዝገበሮ ኣብርክቶ ብውሑዳት-ቃላት ኣጠቓሊልካ ክግለጽ ዝከኣል ኣይኮነን። ስለዚ’ውን ብደረጃ ሃገር ኮነ ብደረጃ ቤተ-ክርስቲያን ውዕለት መምህር-ኣስረስ ክዕቀን ከሎ፥ ተሰኒዱ ክቕመጥ ዝግብኦ ክቡር ታሪኽ ደኣምበር፥ ትንክፍ ኣቢልካ ክግደፍ ዝግብኦ ኣይኮነን።

ይኹን እምበር ሰብ ዝኾነ እንተኾነ፥ ካብ ሞትን መቓብርን ክተርፍ ዝኽእል የልቦን፥ መምህር-ኣስረስ’ውን እንሆ ንመንገዲ-ሰማይ ኣቢሉ ኣቕኒዑ ከም-ዝኸደ፥ እቲ መርድእ ተሰሚዑ እዩ። ኣብቲ ዝኸዶ ግን ከይጋየሽ ዝስከፍ ኣይኮነን። ከመይሲ መብዛሕትኦም እቶም ናይ ዕድመ-ንእስነት ኣኅዋቱን ኣዕሩኽቱን፥ ደቂ ፍኖተ-ብርሃን ቀዲሞሞ ሓሊፎም ስለ-ዘለዉ፥ ኣብኡ ከይዱ ዝጋየሸሉ ምኽንያት የብሉን። እታ ቅድም ክትቐርበሉ ትኽእል ሕቶ ድማ “ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስቲያንና ከመይ ኣላ-? ትብል ሕቶ ከም-እትኸውን፥ ከም ርዱእ ዝውሰድ እዩ። መስኪናይ ኣስረስ እንታይ’ዩሞ ክብሎም-? ብባህርያቱ ንሰብ ከቐይም ዝደሊ ስለ-ዘይኮነ፥ ከም ድሌቱስ እቲ ካብ መርድእ ተፈልዩ ክርአ ዘይክእል ዜና ክነግሮም’ውን ኣይምመረጸን። እቲ ቃንዛ ቤተ-ክርስቲያን ግና ከመይ ኢሉ’ዩሞ ክሕብኣሉ ዝኽእል-?

እወ ንዕቤትን ትንሣኤን እዛ ቤተ-ክርስቲያን’ዚኣ ክብሉ፥ ዓቕሞም ዝፈቕዶ ዘበለ ኩሉ ክገብሩ ዝነበሩ ስለ-ዝኾኑ፥ ቅድሚ’ዚ ሕቶ’ዚ ዝሰርዑዎ ካልእ ሕቶ ክህልዎም ይኽእል’ዩ ክበሃል ኣይከኣልን። ይኹን እምበር እቲ ኣብ ባይታ ዝርአ ዘሎ ሓቂ ክሓብኦ ስለ-ዘይክእል፥ እታ ቤተ-ክርስቲያን ኣብ ታሪኻ ርእያቶ ዘይትፈልጥ፥ ግህሰተ-ሕጊ ይፍጸማ ኣሎ። ሕሰምን መከራን ከኣ ትቕበል ኣላ፥ ኢሉ ክነግሮም ከኣ ክግደድ እዩ። እቲ ዝዛረቦም ዘሎ ሰብ እቲ ረዚን ዝኾነ፥ ኣስረስ ስለ-ዝኾነ ደኣምበር፥ ካልእ እንተ-ዝኸውንሲ ክኣምኑዎ’ውን ኣይምኸኣሉን። እታ ሃገር ነፃ ኮይና ባንዴራ ተንበልብል ኣላ ኣብ ዝበሃለሉ ዘሎ ግዜ-?! እቲ ኣበሃህላ ዘይርድኦም ኮይኑ እንተ-ተረኽበ ዘገርም ኣይኮነን።

እቶም ትንሣኤ ቤተ-ክርስቲያን ክርእዩ ዕድሚኦም ምሉእ ክቃለሱ ዝነበሩ፥ ከም ተኽለ በየነ, ኣለማዮ ካሕሳይ, የማነ ወልደ-ገብርኤል, ገብረ-እግዚኣብሔር ተካ, ኣብርሃም ወልደ-ገብርኤል,  ኣርኣያ በላይ, ከፈላ ኮኸቡ ወዘተ. . . ዝኣመሰሉ ነቲ ብመምህር ኣስረስ ዝንገሮም ሓቂ፥ ኣሚኖም ክቕበሉዎ ከም-ዝኸብዶም ምርድኡ ይከኣል’ዩ። እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ከምኡ ስለ-ዝኾነ ግን፥ መምህር ኣስረስ ዘየሎ ክነግሮም ኣይክእልን እዩ። ከምቲ “-ንማይ ዝበልካዮ ንበረድ ኣይኹን-“ ተባሂሉ ዝተመሰለ ግና፥ ምህልላ ሕዝብና ኣብ ክንዲ ምሕረት፥ መዓት ዘውርድ ኮይኑ’ዩ ተረኺቡ ዘሎ። ነዚ ኩሉ’ዚ ከኣ መምህር ኣስረስ ክነግሮም ክግደድ እዩ። እቲ ዘሎ ሓቂ ንሱ ስለ-ዝኾነ ድማ፥ መምህር-ኣስረስ ክውስኸሉን ክንክየሉን ኣይክእልን እዩ።

ይኹን እምበር ሞት ክበሃል ከሎ፥ ተሓጕስካ እትቅበሎ ሞት ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። እቲ ብሕይወት ምንባር ትርጉም ዘይብሉ ኮይኑ ክርከብ ከሎ ግን፥ ሞት’ውን ዝምረጸሉ እዋናት ኣሎ’ዩ። መንገዲ መምህር-ኣስረስ’ውን ነዚ’ዩ ዝመስል። ከመይሲ እቶም ለባማት ልዕልና-ሕጊ ይገሃስ ኣሎ ኣብ ዝበሃለሉ እዋን፥ ክነብሩ ኣይመርጹን እዮም። ሕጊ እንተ-ዝህሉ ድማ እዚ ኩሉ ዕንወት ኣብ ልዕሊ ቤተ-ክርስቲያን ክፍጸም ኣይምተረኽበን። እዚ ከምዚ ዝበለ ዓይነት ምንባር ከኣ፥ ከም መምህር-ኣስረስ ዝኣመሰሉ ዝመርጹዎ ምርጫ ስለ-ዘይኮነ፥ ስለዚ’ዩ ንሱ’ውን ምስቶም ኩሎም “-ኢታርእየነ ሙስናሃ ለኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስቲያን-“ ኢሎም ዝሓለፉ ደቂ-ተዋሕዶ ክሕወስ ምርጭኡ ብምግባር፥ መገዲ-ሰማይ ኣቕኒዑ ዝኸደ።

ብዝኾነ ነቲ ኣዚዩ ረዚንን ለባምን ዝኾነ መምህር-ኣስረስ፥ እቲ ሕያው-ኣምላኽ ምስቶም “ንዑ ሃቤየ ብሩካኑ ለኣቡየ” ብምባል ኣብ መንግሥቱ ዝቕበሎም፥ ንዕኡ’ውን ኣብ ጽርሓ-ኣርያም ክቕበሎ እናተመነኹ፥ ንበዓልቲ-ቤቱን ደቁን ድማ እግዚኣብሔር ምጽንናዕ ክህቦም ጸሎተይ እዩ። ሓንቲ ብመልክዕ-ሓደራ ክብሎ  ዝደሊ ግና፥ ነቶም ኩሎም ቀዲሞሙና ሓሊፎም ዘለዉ ደቂ-ማኅበርና። እታ ካብ ዕድመ-ቁልዕነት ጀሚርኩም ብዙሕ ዝደኸምኩሙላን ዝጻመኹሙላን፥ ቅድስቲ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስቲያንና፥ ንሕይወታ ኣብ ዝፈታተን ከቢድ-ሓደጋ ትርከብ ስለዘላ፥ ኣብቲ መንበረ-ጸባኦት ቀሪብኩም፥ “-ኦ ጎይታ! ነዚ መባእ’ዚ እንታይ’ና ክንገብሮ-?! ናበይከ ክንወስዶ ኢና-?! ቤት-መቕደስካ ብኣሕዛብ ተረጊጹን ረኺሱን-!! ካህናትካ ድማ ተዋሪዶም ይበኽዩ ኣለዉ-!!” ብምባል፥ ኣብ ክንዳና ኮይኖም ኣውያትና ንከስምዑ፥ ክትነግሮም ሓደራ ትበሃል ኣሎኻ። ብዝተረፈ ኣብቲ ላዕለዋይ-ሰማይ ክሳብ ንራኸብ ደሓን ኩን። ምስቶም ኅሩያቱ ድማ ይቀበልካ። (1ይ.መቃብያን 3/50-51)

ካህን ተክለማርያም ምርካጽዮን, ኣባል ማኅበር-መንእሰይ ፍኖተ-ብርሃን

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div