S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

 “ኵሉ ከም እትኽእልን፡ ነቲ ዝመደብካዮ ከኣ ዝኽልክለካ ከም ዜልቦን፡ እፈልጥ ኣሎኹ” (እዮ 42፡2)

እግዚኣብሄር ኣምላኽና ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ ኣብኡ ዘለዉ ኵላቶም ፍጥረታት ከኣ ዝመልኽ፡ ዝደልዮ ንምግባር ዝዓግቶ ሓይሊ ፈጺሙ ዘይብሉን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ከም እዮብ ገይሩ ንኣምላኽ ዝፈርህን ካብ ክፉእ ዝርሕቕን ፍጹምን ቅኑዕን ሰብ ኣብ ምድሪ ከም ዘየለ እዩ ዝነግረና። እንተ ኾነ፡ እግዚኣብሄር ንእዮብ ብሃብትን ክብረትን ብድኽነትን ሕስረትን ከሕልፎ ከሎ ንርኢ። እግዚኣብሄር ከሕልፈና ብዝመደቦ መገዲ ክንሓልፍ ናይ ግድን እዩ። ሰይጣን ጽቡቕና ዘይደሊ እኳ እንተ ኾነ፡ ካብ እግዚኣብሄር ክህበና ዝመደቦ በረኸት ፈጺሙ ክኽልክለና ኣይክእልን እዩ። ኣብ ህይወትና እግዚኣብሄር ዘይፈቐዶ ሓንቲ ነገር እኳ ኣየጋጥመናን እዩ። እግዚኣብሄር ዝፈቐደልና ነገር ንምርካብ ዋላዉን ብኣተሓሳስባ ደቂ ሰባት ልዕሊ ንቡር ይኹን፡ ዝዓግተና ሓይሊ የለን። (ኤር 18፡6፣ ኤር 29፡11፣ 1ጴጥ 5፡10-11)

ኣስተንትን

1. እዚ ትሓልፎ ዘሎኻ ኵሉ እግዚኣብሄር ኣቐዲሙ ዝመደቦዶ ኮይኑ ይስምዓካ፧

2. ነዚ ናተይ ጉዳይ እግዚኣብሄር ኣይክእሎን እዩ ወይ ረሲዕዎ እዩ ትብሎ ነገር ኣሎዶ፧ ወይ ተስፋ ዘቝርጸካ ነገር ኣሎዶ።

ኣምላኽ ንዅሉ ዘጋጥመና ኵነታት ስለ ዝቆጻጸሮ ነመስግን። ከምኡ ምዃኑ ከነስተውዕል ከኣ ኣምላኽ ክረድኣና ናብ እግዚኣብሔር ንጸሊ።

ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላከ ኣበዊነ።

መህ 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div