S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ክርስትና ዕረፍቲ እምበር ጾር ኣይኮነን

ድሕሪ ሕጂ እቶም ዘለዉ ነቲ ምእንትኦም ዝሞተን ዝተንስአን እምበር ንርእሶም ምእንቲ ኸይነብሩ፡ ንሱ ኣብ ክንዲ ኵላቶም ሞተ” (2ቈረ 515)

እግዚኣብሄር ብምሕረቱ ኣብ ቀራንዮ ምሳና ዝኣተዎ ኪዳን፡ ነቲ ዘፍቅሮ ሓደ ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ክንዳና ክመውት፡ ንሕና ድማ ኣብ ክንድኡ ብጽድቂ ክንነብር እዩ።ብዋጋ ተዓዲግኩም ኢኹም እሞ፡ ስጋኹም ቤት መቕደስ ናይቲ ኣባኹም ዘሎ፡ ካብ ኣምላኽ እተቐበልኩምዎ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ፡ ናይ ርእስኹም’ውን ከም ዘይኰንኩም’ዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም። ስለዚ ብስጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብርዎተባሂሉ ከም እተጻሕፈ እግዚኣብሄር ዋጋ ከፊሉ ዓዲጉና እዩ እሞ፡ ከም ድላዩ ገይሩ ክጥቀመልና ይኽእል እዩ (1ቈረ 619-20)

እዚ ክንብል ከሎና ግን እግዚኣብሄር ስጋዊ ድሌትናን ዓቕምናን ኣጸቢቝ ስለ ዝርዳእ ይሓልየልናን ይሓስበልናን ይፍጽመልናን እዩ። ስለዚ ክርስትና ዕረፍቲ እምበር ጾር ኣይኮነን። ንሓንቲ ክትጥቀመላን ጽቡቕ ከትግልገለላን ኢልካ ዋጋ ከፊልካ ዘጥረኻያ መኪና፡ ዘድልያ ነዳድን መቀያየሪ ኣቍሑትን ትቕርበላ፡ ንኸይትበላሾ ትጥንቀቐላ፡ ምስ ትበላሾ ትጽግና፡ በቲ ዓቕማ ክትሓልፎን ክትከዶን እትኽእል መገዲ ጥራይ ከኣ ትመርሓ። እግዚኣብሄር ድማ ልዕሊ እዚ እተባህለ፡ መዓልታዊ ብመንፈሱ እናመርሐ፡ በቲ ዝሃበና ጸጋ መጠን ዘድልየና እናሃበ ክመርሓናን ክጥቀመልናን እዩ ዝደሊ። ስለዚ፡ እግዚኣብሄር ከም ፍቓዱ ብዓቐብን ቍልቍልን እናመርሐ ናብቲ መፈጸምታ ዘለኣለማዊ ቦታ ከም ዘብጽሓና ኣሚንና ኣብ ኵሉ ጕዕዞ ህይወትና ብእምነት ንመላለስ። (ሮሜ 147-8 1ቈረ 619-20 1ጴጥ 41-2)

ኣስተንትን

1. እስከ ሓንሳብ ሕሰብ፡ ንመን ኢልካ ትነብር ኣሎኻ፧

2. ክርስቶስ ኣብ ቦታኻ እንተ ዝኣቱ ነቲ ሕጂ ዘጋጥመካ ዘሎ ኵነታት እንታይ ግብረ መልሲ ምሃበሉ ይመስለካ፧

3. ኣእምሮኻ ብሓሳባትን ድሌትን ናይ ገዛእ ርእስኻ’ዶ ወይስ ብናይ ኣምላኽ ሓሳባት መሊኡ ኣሎ፧

ጐይታ ኣብ ክንዳና ስለ ዝሞተ ምምስጋን፡ ዝተረፈ ዘመን ህይወትና ከኣ ንዕኡ ንምንባርን ፍቓዱ ንምግልጋልን ክጥቀመሉ ኣምላኽ ክረድኣና ናብ እግዚኣብሔር ንጸሊ።

ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላከ ኣበዊነ።

መህ 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div