“በዚ ጊዜ እዚ ስቕ እንተ በልክስ፡ ንኣይሁድ፡ ሓገዝን ሓራን ካብ ካልእ ቦታ ኺመጽእ እዩ፡ ንስኽን ቤት ኣቦኽን ግና ክትጠፍኡ ኢኹም” (ኣስ 4፡14)
ኣብ ዘመን ንጉስ ኣሓሽዌሮስ፡ ሓደ ሃማን ዝበሃል በዓል ስልጣን፡ ንህዝቢ ኣምላኽ ከጽንት ዝፍትን መምርሒ ኣውጺኡ (ኣስ 3፡8-9)። እዚ ዕላማ እግዚእብሄር ዘይፈልጥ ድኹም ሰብ፡ እቲ በዓል ዕላማ እግዚኣብሄር ነቶም ድኹማት እዮም ዝበሎም ዓሌት ኣስቴርን ማርዶካይን ከም ዝጣበቐሎም ዘስተውዕል ኣእምሮ ኣይነበሮን። ጨሪሱ ንምጥፋኦም ድማ ተላዕለ። ግናኸ እቲ ንህዝቡ ዝጣበቕ ኣምላኽ፡ ብቕጽበት ዓይኒ ንህዝቡ ምድሓን ኰነሎም። ምኽሪ ሃማን ድማ ከንቱ ኰይኑ ተረፈ፡ እኳ ደኣ እቲ ጥፍኣትን ምጽናትን ናብኡን ናብ ቤቱን ተገልበጠ። እምበኣር ኣብ ዘመንና’ውን ኣምላኽ ንህዝቡ ዝጣበቕን ዘናግፍን ምዃኑ ፈሊጥና ከምቲ ኣስቴር፡ ማርዶካይን ህዝቡን ሓገዝ ካብ ኣምላኽ እተጸበዩ፡ ንሕና’ውን ንእግዚኣብሄር ክንጽበዮ ይግባእ። (2ዜና 20፡15፣ 2ዜና 32፡7-8፣ ኣስ 7፡1-10)
ኣስተንትን
1. ከምቲ እግዚኣብሄር ንሓለዋኻ ዘይታኸስ ድያብሎስ እውን ንጥፍኣትና ከይተታኸሰ ከም ዝሓድር ተስተውዕል’ዶ፧
2. ምድሓን ህዝብኻ ብኸመይ ትጸባበ፧
3. ንምድሓን ህዝብኻ ብጸሎት ትነቅሕ’ዶ፧
ጐይታ ኵሉ ጊዜ ንምኽሪ ጸላእትና ከነፍርስ ወርትግ እቲ ዘንቅሕ መንፈሱ ከዕዝዘልና ናብ እግዚኣብሔር ንጸሊ።
ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላከ ኣበዊነ።
መ.ህ.
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ