S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ነቲ ሕሱር ካብቲ ክቡር ፈሊና ክንፈልጦ

ኣዒንቲ ልብኹም በሪሁ፡ ተስፋ ጽውዓኹም እንታይ ምዃኑ ክትፈልጡ... እጽሊ ኣለኹ” (ኤፌ 118)

ነፍሲ ወከፍ ኣማኒ ተስፋ ኣለዎ። ነቲ እግዚኣብሄር ዝሃበና ተስፋ ጽውዓና ክንፈልጥ ከኣ ይግብኣና እዩ። ነዚ ክንፈልጥ ግን ኣዒንቲ ልቦናና ክኽፈት ኣለዎ። ኣዒንቲ ልቦናና ንክኽፈት ከኣ መንፈስ እግዚኣብሄር ክድግፈና ኣለዎ። ኣዒንቲ ልቦናና እንተ ተኸፊቱ እግዚኣብሄር ዝርእዮ ንርኢ፡ ሓሳብ እግዚኣብሄር ድማ ንፈልጥ። ኣብ ቃል ኣምላኽ፡ እግዚኣብሄር ንኤርምያስ እንታይ ትርኢ ኣሎኻ ክብል ከም ዝሓተቶ ነንብብ። ኤርምያስ ድማ ጨንፈር ኦም ለውዚ እርኢ ኣሎኹ በለ። ኤርምያስ ነቲ ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ዝርእያኦ ዝነበራ ክርኢ ስለ ዝኸኣለ፡ እግዚኣብሄር ንኤርሚያስ ጽቡቕ ርኤኻ በሎ (ኤር 111-12) ኣዒንቱ እተኸፍተ ሰብ፡ ብምልኣት እኳ እንተ ዘይበልና፡ ነቲ ኣምላኽ ዝርእዮ ክርኢ፡ ነቲ ኣምላኽ ዝሓስቦ ክሓስብ ይኽእል። ኣዒንቲ ልቦናኻ እንተ ደኣ በሪሁ እግዚኣብሄር ዝፈትዎ ትፈቱ፡ እግዚኣብሄር ዝፍንፍኖ ትፍንፍን፡ ኣባኻ ዘሎ መዐቀኒ ናይ ሓጢኣት ምስ ናይ እግዚኣብሄር ይመዓራረ ማለት እዩ። ብእኡ መጠን ከኣ ተስፋ ጽውዓኻ ኣለሊኻ ንቕድሚት ጥራይ ትስጉም። (ዘሁ 2415-16 እብ 611 2ነገ 614-17)

ኣስተንትን

1. ኣብዚ ጊዜ እዚ እንታይ ትርኢ ኣሎኻ፧

2. ኪኖ እቲ እትርእዮ ዘሎኻ ክፉእ ነገር፡ ሰናይ ሓሳብ እግዚኣብሄር ከም ዘሎ ትርኢ'ዶ፧

3. ነቲ እግዚኣብሄር ዝርእዮ ምእንቲ ክንርኢ እንታይ የድልየና፧

ኣዒንቲ ልቦናና በሪሁ ተስፋ ጽውዓና እንታይ ምዃኑ ክንፈልጥን ነቲ ሕሱር ካብቲ ክቡር ፈሊና ክንፈልጦ ክረድኣና ናብ እግዚኣብሔር ንጸሊ።

ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላከ ኣበዊነ።

መህ 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div