S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ጸሎት ፍትሓት ስለቶም ኣብ ባሕሪ ዝሃለቑ 350 ኤርትራውያንን ኣብ ሊብያ ብኣረሜናውያን ዝተሰውኡ ሰማዕታት ኤርትራን ኢትዮጵያን

እታ ሃገር ንሕዝባ ባዕዲ ኮነት ነበርታ ከኣ ሓዲጎማ ከዱ።" 1 መቃብያን 1: 38

ዝበሎ ቅዱስ ጽሑፍና፥ ሕዝብና ይጠፍእ ኣሎ ጥራይ ዘይኮነስ ይጸንት ኣሎ። ብብዝሒ ሓዘንን ሞትን ደንዚዙ። ወለዲ ዓዊሮም፥ ህጻናትና ዘኽቲሞም፥ ጉራዙትና ማእሚነን፥ መንእሰይ ኣያ ስኢኑ፥ ሃገር ጸኒታ፥ ሕዝብና ኣደዳ ሓዘንን ቁዝማን ድጉዓን ኮይኑ ይነብር ኣሎ። ፍታሕ ዝርከብ ድማ ካብ እግዚኣብሔር ጥራይ እዩ። ስለዚ: ኩለን እተን ኣብ ትሕቲ ቀኖናዊ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ዝምእከላ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ኣብያተ ክርስቲያናት፥ ጸሎተ ፍትሓት ክገብራ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም ኣለዉ። ኩሉ ሕዝቢ ኣብ ኣብያተ ክርስቲያናት ተረኺቡ፥ ናብ ኣምላኽ ጸሎቱ ከቕርብን ጸሎተ ፍትሓት ክሳተፍን ብመንፈሳዊ ኣኽብሮት ንዕድም።

መደብ ስርዓተ ጸሎት

ቀዳም ሚያዝያ 25, 2015 (17 ሚያዝያ 2007 ዓ.ም ግእዝ)

ጳጳሳት ኣብያተ ክርስቲያናት ኦሬንታል (ኤርትራ፥  ኢትዮጵያ፥ ግብጺ፥ ኣርመን፥ ሶርያን ህንድን) ኣብ ዝተረኽቡሉ ምስ ኩሎም ሰማዕታት ናይ ሕብረት ጸሎት ክግበር እዩ፣

ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ንመላእ ሕዝቢ ኤርትራ፥ ናይ መጸናንዒ ቃልን ቡራኬን ካብዚ ቦታ ከመሓላልፉ እዮም። ኣብ www.tewahdo.org ክትከታተሉ ብትሕትና ንሕብር፣

ሰንበት ሚያዝያ 26, 2015 (18 ሚያዝያ 2007 ዓ.ም ግእዝ)

ኣብዚ ዕለት'ዚ ኣብ ኩለን ኣብያተ ክርስቲያናት ኤርትራ ዝግበር ጸሎት በዚ ዚስዕብ ኣገባብ ይፍጸም፣

ጸሎተ ፍትሓት: ጸሎተ ፍትሓት ንኩሎም ዘማእከለ “ በእንተ እለ ኖሙ እግዚኣ ሕያዋን

ኣብ ቅዳሴ ዝንበቡ ቅዱስ ጽሑፋት

2 ቈሮ 6: 4-10፣

1 ጴጥ 1: 1-12፣  

ግብ 3: 17-21፣

ምስባክ:

እስመ በእንቲኣሁ ይቀትሉነ ኩሎ ኣሚረ ወኮነ ከመ ኣባግዕ፥ ዘይጠብሑ ንቃሕ እግዚኦ ለምንት ትነውም። መዝ. ፵፫፥ ፳፪-፳፫።

ምእንታኻ ምሉእ መዓልቲ ንቕተል ኣሎና፣ ከም ኣባጊዕ ማሕረዲውን ተቘጸርና። ጐይታየ፣ ተበራበር እባ፣ ንምንታይከ ትድቅስ፧ ኤረ ንቓሕ፣ ንሓዋሩ ኣይትደርብየና። (ዳዊት 44: 22-23)።

ቅዱስ ወንጌል: ዮሓንስ 16:13

ቅዳሴ: ብምኽንያት ወርሓ ትንሣኤ ቅዱስ ዲዮስቆሮስ ዝደረሶ (እምቅድመ ዓለም)

 

እግዚኣብሔር ንሕዝብና ምጽንናዕ ይልኣኽ ሓዘንና ይናዝዝ፣

 

መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት፡ ሰሜን ኣሜርካ፡ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን።

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div