S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ትምህርቲ መውስቦ ንሰብ ቃል-ኪዳን ተዋሂቡ

ቀዳም 14 መጋቢት 2015 (March 14, 2015) ብክፍሊ ትምህርትን  ስብከትን መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣመሪካ ዝተዳለወ ንሰብ ቃል-ኪዳን ዝምልከት ኣዝዩ ዕዉት ዝኾነ ናይ ሓደ መዓልቲ ትምህርታዊ  መደብ ኣብ ደብረ ሰላም መድሃኔ ዓለም ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ተኻይዱ። እቲ ንንውሕ ዝበለ እዋን ምድላዋት ዝተገብረሉ

መደብ ልዕሊ 60 ዝኾኑ ስድራቤታት ተሳቲፎሞ። እቲ  መደብ ብፍላይ ንሰብ ሓዳር ዝዓለመ እኳ እንተነበረ ገለ ገና ዘይተመርዓውውን ተሳቲፎሞ ኔሮም። ንተሳተፍቲ ከጸግሙ ይኽእሉ እዮም ዝተባህሉ ምኽንያታት ከም መግቢ, ቆልዑ ምሓዝ ብኣጋ ተለልዮም ምድላዋት ተጌርሎም። በዚ መሰረት ቆልዑ ክሕዙ ኣብ ገዛ ከይተርፉ ብማለት ወለንተኛታት ኣለይቲ ቆልዑ ኣገልገልቲ ተወፍየን ኣገልግሎት ክህባ ውዒለን። መግቢ ንምድላውን ካልእን ክብሉ ገለ ኣባላት ካብ ትምህርቲ ከይበኹሩ ድማ ብተሳተፍቲ ዝሽፈን ናይ ቁርሲ ሻሂን ቡንን ምሳሕን ተዳልዩ ተሳተፍቲ ውራይ ትምህርቶም ጥራይ ከምዝገብሩ ተጌሩ። ብሰንኪ ራሕቂ ወይ ስራሕ ጸገም ክካፈሉዎ ንዘይከኣሉ መታን ክከታተሉ ተባሂሉ ድማ ከምቲ ኩሉ ጊዜ ሰንበት ኩሉ ኣገልግሎት ብቐጥታ ዝመሓላለፍ እቲ ኩሉ ዝተዋህበ ትምህርቲ በመርበብ ሓበሬታ ናይ ቤተክርስቲያንና (debreselam.org) ብቐጥታ ምሉዕ መዓልቲ ክመሓላለፍ ውዒሉ። ኣብ ቀጻሊ እውን ነቲ ዝተዋህበ ትምህርቲ ብጽሑፍን ብቪድዮን ናብ ህዝቢ ከምዝዝርጋሕ ክግበር እዩ።

እቲ መደብ ብመልኣከ ሰላም ቀሲስ ወልደትንሳኤ ብርሃነ ብጸሎት ድሕሪ ምኽፋቱቃል-ኪዳን ማለት እንታይ እዩ? ብኸመይ ይምስረት ብኸመይክ ይጸንዕብዝብል ሰፊሕ መንፈሳዊ ትምህርቲ ብቀሲስ ተስፎም ገዛኢ ተዋሂቡ። ቃል-ኪዳን ሰብኣይን ሰበይትን ብኹሉ መዳያዊ ሂወቶም እናተደጋገፉ ብመንፈስ ዝዓብይሉ እሞ ናብ ድሕነት ዝበጽሕሉ ሂወት ድኣምበር ሓደ ንሓደ ዝቆጻጸረሉን ዝገዝኣሉን መድረኽ ከምዘይኮነ ተገሊጹ።ቃልኪዳን መስራቲኡ እግዚኣብሔር እዩ ስለዚ እግዚኣብሔር ኣብ ሂወት ሰብ ቃል-ኪዳን ክነግሥ ከሎ መሰረቱ ዱልዱል ስለዝኸውን ጸኒዑ ብሰላም ከምዝነብር ተገሊጹ።

ስዒቡትርጉም ምስጢረ ተክሊልብዝብል ኣርእስቲ ብመልኣከ ሰላም ቀሲስ ወልደትንሳኤ ብርሃነ ቀሪቡ።  ዕምቖትን ትርጉምን እቲ ሓንሳብ ምስ ተገበረ ዘይድገም ምስጢረ ተክሊል ብሰፊሑ ተገሊጹ። ከምቲ ሓድነት ሥላሤ ጸኒዑ ዝነብር ከምኡ ኸኣ ቃል-ኪዳን ጸኒዑ ከምዝነብር ኣብነት ብምሃብ ሰፊሕ ትምህርቲ ተዋሂቡ።

ብምቅጻል / ሳባ ብርሃነ እታ ካብ ቤተክርስቲያንና እንኮ ጓለንስተይቲ ናይ ምምኻር ስድራ (counseling ተማሃሪትኣገዳስነት ክርስትያናዊ መርዓዝብል ኣዝዩ መሳጢ ዝኾነ ትምህርቲ ኣቕሪባ። ናይ ገዛእ ርእሳ ናይ ነዊሕ ዓመታት ናይ ሓዳር ተሞኩሮ ብምሕዋስ ብሱሉን ንሰማዒ ዘርውን ትምህርቲ ኣቕሪባ። ብተዋሳኺ ኣገባብ ኣተዓባብያ  ቆል ዑትን ጽልዋ ናይ ወለዲ ሓድነት ኣብ ደቆምን ብዝምልከት እዉን ኣገዳሲ ትምህርቲ  ሂባ።

ኣብ ሰዓታት ናይ ድሕሪ ቀትሪ ድማ  “ናይ ባህርያት ፍልልያት ናይ ደቀንስትዮን ደቂተባዕትዮንብዝብል ብዲያቆን ዶክቶር ብርሃነ ስዩም ሰፊሕ ትምህርቲ ቀሪቡ። እዚ ኣብ ሕብረተሰብና ንመጀመርያ ግዜ ዝዋሃብ ዘሎ ዓይነት ትምህርቲ ባህርያት ደቂተባዕትዮን ደቀንስትዮን ብትኽክል ዝገልጽ ከምንባሩ መጠን ተሳተፍቲ ኣዝዮም ከም ዝረብሕሉን ዝተማህርሉን ገሊጾም። ባህርያት ሰብኣይን ሰበይትን ዘይምፍላጥ ሓድነት ሰብ ቃል-ኪዳን ከም ዝዝረግን ብዙሓት ስድራ ቤታት ኣብ ጸገም ከም ዝወድቁን ናይ ብዙሓት ቃል-ኪዳን ብከንቱ ከምዝፈርስን፤ ተሳተፍቲ ተገንዚቦም። ዲያቆን ዶክቶር ብርሃነ ዝተፈላለየ ኣብነታት እናልዓለ ንተሳተፍቲ ብዝምስጥን ዘዘናግዕን መንገዲ ኣቕሪብዎ።

ኣብ መወዳእታ ተሳተፍቲ ብጉጅለታት ብምክፍፋል ናይ ሓባር ልዝብ ወይ (workshop) ኣካይዶም። ቀንዲ ባህሪያት ደቂ ተባዕትዮን ደቀንስቲዮን ኣብ ሓዳር ጠንቂ ዝኾኑን ኣፈታትሐኦምን ብዝብል ድማ ተመያይጦም ጉሩም ዝኾነ ሓሳባት በብጉጅልኦም ኣቕሪቦም። ካብ ሕድሕዶም ብዙሕ ከም ዝተማህሩ ብምግላጽ ነዚ ናይ ጉጅለ ዘተ ኣዚዮም ከምዝፈተውዎ ገሊጾም።

ኣብ ናይ ሕቶን ርእይቶን እዋን ድማ ተሳተፍቲ ከምዚ ዓይነት ትምህርቲን ካልእ ተመሳሳሊ ፕሮግራማትን ቀጻሊ ብመደብ ክግበርን ኣብ ኣተዓባብያ ቆልዑ ዘተኮረ መደብ ክውሰኾን፡ ከምኡውን ኣብተን ካልኦት ቤተክርስቲያናትን ንኹሉ ሕብረተሰብና እውን ኣዝዩ ስለዝጠቅም እዚ ትምህርቲ እዚ ክውሃብ ተላብዮም። ብሓፈሻ ተሳተፍቲ ብኹሉ ዝተዋህበ ትምህርቲ ከምዝዓገቡ ብምግላጽ ንኣለይቲ መደብ ኣድናቖቶምን ምስጋናን ኣቕሪቦም።

 

ብሓቒ ዕውት ትመህርታዊ  መደብ  ብምቕራብ ብጸሎት ተዛዚሙ።

ንኹሎም እቶም ነዚ መደብ ክዕወት ዘገልገሉን ኩሎም ዝተሳተፉን ኣምላኽ ይባርኽኩም

 

ክብርን ምስጋንና ንእግዚኣብሔር ኣምላኽና ይኹን

ኣምላኽ ሰላሙ የብዝሓልና

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div