S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

እዚውን ክሓልፍ እዩ

እዚ ሓላፊ ዘይሓልፍ ምስ ለበሰ”(1ቈረ 1554)

ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ፡ ሓደ ወተሃደር ኣብ ዘይምቹእ ቦታ ኣብ ትሕቲ ኣግራብ ይነብር ነበረ። ኣብ ልዕሊ እቲ መደቀሲኡ ድማ እዚውን ክሓልፍዩ ዝብል ጥቕሲ ተንጠልጢሉ ነበረ። ድሕሪ ሒደት ዓመታት ናብ ኣዝዩ ዝሓሸ ቦታ ብደረጃ ሓላፍነት ተሰጋገረ እሞ፡ ኣብ ብሉጽ መንበሪ ተቐመጠ። ኣብኡ ድማ ነታ እዚውን ክሓልፍ እዩ እትብል ጥቕሲ ኣንጠልጠላ። ኣብዚውን ኣይጸንሐን ድሕሪ ቍሩብ ዓመታት ብመነባብሮን ብደረጃ ማዕርግን ወሲኹ ኣብ ኣዝዩ ዝማዕረገ ስፍራ ተቐመጠ። ኣብዚውን ነታ እዚውን ክሓልፍ እዩ እትብል ጥቕሲ ኣንጠልጠላ። ገለ ካብቶም ተራ ወተሃደር ከሎ ዝፈልጥዎ ሰባት ምስ ረኸብዎ ከኣ፡እዚ ዘሎኻዮስ ኣይሕለፍካ ድኣበልዎ። ኣይጸንሐን ድሕሪ ገለ ዓመታት ሞተ እሞ፡ ኣብ መቓብሩ እታ ጥቕሲ እዚውን ክሓልፍ እዩ እትብል ጸሓፉሉ። እቶም፡ እዚ ዘለኻዮስ ኣይሕለፍካ ደኣ፡ ዝበልዎ ሰባት ድማ እዚ ምስ ረኣዩ ዘይሓልፍን ዘይጽምሉን ኣኽሊል ክብሪ ይጽበ ከም ዝነበረ ኣስተውዓሉ። ምኽንያቱ እዚ ሓሊፉውን ብኽብሪ ከም ዝትንስእ ይኣምን ከም ዝነበረ ስለ ዝፈልጡ። (2ቆሮ 416-18 2ቈረ 51-5 1ዮሃ 217)

ኣስተንትን

1. ንዓለም ብምንታይ ንስዕራ፧

2. ኣብዚ ምድሪ ጸኒዑ ዝነብር ነገር ዘሎዶ ይመስለካ፧

3. ነቲ ዘይሓልፍን ዘይጽምሉን ክብሪ ተማዕዱዎዶ ኣሎኻ፧

ኵሉ ኣብዚ ምድሪ እዚ ዘሎ ሓላፊ ምዃኑ ተረዲእና፡ ምጥማትና ናብቲ ዘይሓልፍ ክንገብር ክንክእል ናብ እግዚኣብሔር ንጸሊ።

ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላከ ኣበዊነ።

መህ 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div