“እዚ ሓላፊ ዘይሓልፍ ምስ ለበሰ”(1ቈረ 15፡54)
ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ፡ ሓደ ወተሃደር ኣብ ዘይምቹእ ቦታ ኣብ ትሕቲ ኣግራብ ይነብር ነበረ። ኣብ ልዕሊ እቲ መደቀሲኡ ድማ እዚውን ክሓልፍዩ ዝብል ጥቕሲ ተንጠልጢሉ ነበረ። ድሕሪ ሒደት ዓመታት ናብ ኣዝዩ ዝሓሸ ቦታ ብደረጃ ሓላፍነት ተሰጋገረ እሞ፡ ኣብ ብሉጽ መንበሪ ተቐመጠ። ኣብኡ ድማ ነታ እዚውን ክሓልፍ እዩ እትብል ጥቕሲ ኣንጠልጠላ። ኣብዚውን ኣይጸንሐን ድሕሪ ቍሩብ ዓመታት ብመነባብሮን ብደረጃ ማዕርግን ወሲኹ ኣብ ኣዝዩ ዝማዕረገ ስፍራ ተቐመጠ። ኣብዚውን ነታ እዚውን ክሓልፍ እዩ እትብል ጥቕሲ ኣንጠልጠላ። ገለ ካብቶም ተራ ወተሃደር ከሎ ዝፈልጥዎ ሰባት ምስ ረኸብዎ ከኣ፡ “እዚ ዘሎኻዮስ ኣይሕለፍካ ድኣ” በልዎ። ኣይጸንሐን ድሕሪ ገለ ዓመታት ሞተ እሞ፡ ኣብ መቓብሩ እታ ጥቕሲ እዚውን ክሓልፍ እዩ እትብል ጸሓፉሉ። እቶም፡ እዚ ዘለኻዮስ ኣይሕለፍካ ደኣ፡ ዝበልዎ ሰባት ድማ እዚ ምስ ረኣዩ ዘይሓልፍን ዘይጽምሉን ኣኽሊል ክብሪ ይጽበ ከም ዝነበረ ኣስተውዓሉ። ምኽንያቱ እዚ ሓሊፉውን ብኽብሪ ከም ዝትንስእ ይኣምን ከም ዝነበረ ስለ ዝፈልጡ። (2ቆሮ 4፡16-18፣ 2ቈረ 5፡1-5፣ 1ዮሃ 2፡17)
ኣስተንትን
1. ንዓለም ብምንታይ ንስዕራ፧
2. ኣብዚ ምድሪ ጸኒዑ ዝነብር ነገር ዘሎዶ ይመስለካ፧
3. ነቲ ዘይሓልፍን ዘይጽምሉን ክብሪ ተማዕዱዎዶ ኣሎኻ፧
ኵሉ ኣብዚ ምድሪ እዚ ዘሎ ሓላፊ ምዃኑ ተረዲእና፡ ምጥማትና ናብቲ ዘይሓልፍ ክንገብር ክንክእል ናብ እግዚኣብሔር ንጸሊ።
ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላከ ኣበዊነ።
መህ
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ