“ኵላትና ብብዙሕ ነገር ንስሕት ኢና እሞ፡ ሓደ ብቓል ዘይስሕት እንተሎ፡ ንሱ ንብዘሎ ስጋኡ ኪለጕም ዝከኣሎ፡ ብቑዕ ሰብኣይ እዩ” (ያቆ 3፡2)
ሓደ እዋን ፈሪሳውያን ንደቀ መዛሙርቲ ጐይታ ኢዶም ከይተሓጸቡ በሊዖም ኢሎም ንኢየሱስ ምስ ነገርዎ፡ እቲ ክሕጸብ ዘለዎ፡ ሰብ ክጥንቀቐሉ ዝግብኦ፡ እቲ ናብ ከብዲ ዝኣቱ ዘይኰነ፡ እቲ ካብ ውሽጢ ልቢ ዝወጽእ ቃል እዩ፡ በሎም። ብርግጽ ቃል ኣፉ ክገትእ ዝኽእል ሰብኣይ፡ ብቑዕ ሰብኣይ እዩ። ምኽንያቱ ሰብ ብባህርይኡ ንምዝራብ ቅልጡፍ እዩ። ምዝራብ ጥራይ ዘይኮነ፡ እንታይ፡ መኣስ፡ ኣበይን ንመንን ይዛረብ ኣይፈልጥን እዩ። እዚ ኵሉ ዝመጽእ ድማ እቲ ልቢ ክመልኦ ዝግባእ ትኹል ቃል ዘይምምላእ እዩ። እቲ ጥዑምን ምቁርን ቃል ኣምላኽ ኣብ ውሽጡ ዝመልአ ሰብ እንተ ተዛረበ እኳ፡ ንሰማዕቱ ንበረኸት እዩ ዝኸውን። ስለዚ ኵሉ ጊዜ፡ ነቲ ካብ ኣፍና ዝወጽእ ቃል ኣዚና ከነድህበሉ ይግባእ። ምኽንያቱ ጽባሕ ኣብ ዙፋን ፍርዲ ጸብጻብ ክንህበሉ ኢና። ከምኡውን በቲ ካብ ኣፍና ዝወጽእ ቃል ንዅሉ ሰብ ምኽንያት ንበረኸትን ንምጽንናዕን ክንከውን፡ ኵሉ ቃል ኣፍና ብጨው ብጸጋ ዝተቓመመ ይኹን።
(መዝ 37፡30-31፣ ምሳ 10፡19፣ ኤፌ 4፡29-31 ቈሎ 4፡6)
ኣስተንትን
1. ካብ ኣፍካ ዝወጽእ ቃል ንሰማዕትኻ ንበረኸት ዝኸውን ድዩ፧
2. ብቓል ኣፍካ ዝተጐድኡ'ዶ ዝተባረኹ ይበዝሑ፧
3. ስለ ቃል ኣፍካ ትጽሊ'ዶ፧
ጸሎት፡- ንሰማዕትና ንበረኸት ምእንቲ ክንከውን ኣምላኽ ንልሳንናን ልብናን ክቕድስ ናብ እግዚኣብሔር ንጸሊ።
ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላከ ኣበዊነ።
መህ
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ