S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኣብ ከተማ ባፍሎ ኒውዮርክ ሓድሽ ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ ተኸፊቱ

ብዕለት 7 የካቲት 2015 ዓ.ም.ፈ ( 30 ጥሪ 2007 ዓ.ም ግእዝ) ኣብ ከተማ ባፍሎ ኒውዮርክ ሓድሽ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ  ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ድንግል ማርያም ብወግዒ ተኸፊቱ። እዚ ሓድሽ ቤተ ክርስቲያን እዚ ብቅድስና ሕጋዊ  3ይ ፓትርያርክ ሃገረ ኤርትራ ኣቡነ እንጦንዮስ ዝመሓደርን ብቡራኬ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ

ዝምራሕን ኮይኑ ምዱብ መንፈሳዊ ኣገልግሎቱ ድማ ብኣቦና ቀሺ ካሕሰ ገብረሕይወት ዝግልገል ብሓዋርያዊ ሕግን ቀኖናዊ ሥርዓትን ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ዝምእከል መጓሰ ማሕበረ ምእመናን እዩ። ኣብ ምጥርናፍን ምውህሃድን ምእመናን ቅድስት ማርያም ባፍሎ ካህን መሪጌታ ዳዊት ልዑል ኣበርክቶን ተወፋይነትን ከም ዝገበሩን ምስጋንኦም ወሰን ከም ዘይብሉን ምምሕዳር ሰበኻ ጉባኤ ቅድስት ማርያም ይምስክሩ።

ኣብ መኽፈቲ እቲ ክቡር መዓልቲ ሓጎስን ፍስሓን ካብ ዝተፈላለዩ ከተማታ ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ ብዝመጹ ኣቦታት ውሉደ-ክህነት ነቲ ብቡራኬ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ተባሪኹ ዝተዋህቦም ጽላት (ታቦት) ብዕልልታን ዝማሬን ኣብ ቦትኡ ምስ ኣእተዉዎ ዓርቢ ምሸት ብድሮ “ለዛቲ ቤት ሓነፃ መንፈስ ቅዱስ ወሣረራ” ብዝብል ጣዕመ ዝማሬ ዋዜማ ተኻይዱ። ንጽባሒቱ ቀዳም ከኣ ሰዓት ሓሙሽተ ንግሆ “ስቡሕ ወውዱስ” ኢሎም ብምጅማር ክሳብ ሰዓት 8፥00 ንጉሆ ማኅሌት ቀጺሉ ኣርፊዱ።  ብድሕሪ እዚ: ጸሎተ-ቅዳሴ ካብ ሰዓት 8፡00 ንጉሆ ክሳብ ሰዓት 10፡30 ቅድሚ ቀትሪ ብመሪሕነት ኣቦና ጥዑመ-ልሳን ቀሺ እስክንድር ተኻይዱ። ዋና ጸሓፊ ጉባኤ ካህናት ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ቀሲስ ሓለፎም ዓምደማርያም ብዛዕባ እቲ በዓልን ዕላማ ሃገረ ስብከት ኣብ ምዕባይ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን፥ ስፍሕ ዝበለ ትምህርቲ ድሕሪ ምሃብ፥ ካብ ምእመናን ንዝቀረበሎም ሕቶታ መብርሂ ብምሃብ፥ ሸውሃት ምእመናን ኣዕጊቦም፣

ብመሪጌታ ተስፋልደት ድማ ነቲ በዓል ዝምልከት ቅኔ-መወድስ ተገብረ። ኣብቲ  ዝተገብረ ቦኽሪ ቅዳሴ ቅድስት ድንግል ማርያም ቤተ ክርስቲያን ባፍሎ ናይ መጀመርታ ጸጋ-ጥመቀት ሕጻን ጓልና ወለተ-ማርያም ምግጣሙ ንኹሎም ምእመናን ዓቢይ ሓጎስ ኣሕደረሎም። ኣብቲ ወግዓዊ መኽፈቲ ኣቦታት ቀሺ እስክንድር፥ ቀሺ ተስፋልደት፥ ቀሺ ዳዊት፥ ቀሺ ሓለፎም፥ ዲያቆን ቶስ፥ ካብ ኣቦታት ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ፥ ወከልቲ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያ ግብጽን ወከልቲ ሮማን ካቶሊክን ከምኡውን ካብ ርሑቕን ቀረባን ዝመጹ ምእመናንን ተረኺቦም ኔሮም።

መብዝሕትኦም ምእመናን ቅድስት ድንግል ማርያም ባፍሎ ብብዙሕ መከራን ፈተና-ስደትን ዝሓለፉ ብምዃኖም ነቲ ሓንጊሩን ሓብሒቡን ኣብ ንቡር ሕይወትን ሰላማዊ ናብራን ዘብጽሖም ልዑል እግዚኣብሔር ብጸሎት ዘመስግኑሉን፥ ግቡእ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ዝረኽቡሉን ናይ ባዕሎም ቤተ ክርስቲያን ንምትካል ንሓያሎ ግዜ ክጽዕሩን ክማኸሩን ብምጽንሖም፥ ንፉዕ ካህን ኣቦን ታቦተ-ጽላትን ረኺቦም ቦኽሪ ኣገልግሎቶም ብጸሎተ-ቅዳሴ ምጅማሩ ኣብ ገጽ ኩሎም ተሳተፍቲ  እቲ በዓል ዝነበሩ ኣቦታት፥ ኣዴታትን መንእሰያትን ዝርአ ዝነበረ ሓጎስን ተስፋን መዘና ኣይነበሮን። ብዛዕባ እዚ ኣመልኪቶም ሓደ ኣቦ ካብ ምእመናን ባፍሎ “ነዛ መዓልቲ እዚኣ ብተስፋን ጸሎትን ክንጽበያ ኢና ጸኒሕና፥ ነዚ ዘርኣየና ልዑል ኣምላኽ ድማ ምስጋና ይብጽሓዮ! ክብሉ ሓጎሶም ድሕሪ ምግላጾም፥ ንሕና ኣመንቲ ተዋሕዶን ሰዓብቲ እቶም ተኣሲሮም ዘለዉ ሕጋዊ ፓትርያርክና ኣቦና እንጦንዮስን ብምዃንና ዘሐጕሰና እምበር ዘሕፍረና ኣይኮነን” ክብሉ ተዛሪቦም። ብድሕሪ እዚ “እትዉ!” ተባሂሉ ቅዳሴ ምስ ተፈጸመ ህዝብን ውሉደ-ክህነትን ምስ ዕዱማት ኣጋይሽ ናብቲ ዝተዳለወሎም ግሩም ናይ ምሳሕ እንግዶት ኣምርሑ።

ከተማ ባፍሎ (Buffalo) ካብ ከተማ ኒውዮርክ ንሰሜናዊ ምዕራብ ኣስታት 375 ማይልስ ርሒቓ ትርከብ ከተማ እያ።

ኣብ ሃገርና ኤርትራ ኣጋጢሙ ብዘሎ ከቢድ ኵነታትን ቀቢጸ-ተስፋን ናብ ስደት ካብ ዝውሕዝ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ እቶም ዝበዝሑ ኦርቶዶክሳውያን ኣመንቲ ተዋሕዶ ምዃኖም ዘይካሓድ ሓቂ እዩ። ይኹን እምበር ኣብ ዘዝኸድዎ ሃገራት ስደት “ቤት እግዚኣብሔር” ኣቝሞም ብኦርቶዶክሳዊ እምነትን መንፈሳዊ ሕብረትን ነጻ ኮይኖም ክግልገሉን ከገልግሉን ብዙሕ ይጽዕሩን ይደኽሙን እኳ እንተኾኑ ብዓመጻዊ ምትእትታው ኤምባሲታትን ቆንስላትን መንግሥቲ ኤርትራ ብዙሕ ባእስን ዘየድሊ ክስን ምፍልላይን ከም ዘጋጥሞም ይፍለጥ። ገለ ኣብነት ንምጥቃስ ኣብ ፍራንክፈርት ጀርመን፥ ቴል-ኣቪቭ ሃገረ-እስራኤል፥ ኬንያ፥ ዩጋንዳ፥ ሚላኖ ዓዲ ጥልያንን ሆላንድን ምጥቃስ ኣኻሊ እዩ።

በዚ ኣጋጣሚ ንኹሎም ኦርቶዶክሳውያን ምእመናን ኣብ ዝተፈላለየ ኵርንዓት ዓለም ዘሎኹም ኣብ ስደት ቤተ ክርስቲያን ከተቑሙን ክትተኣኻኻቡን ከሎኹም “ኣመጻጽአ ሰይጣን ዘይፈልጥ ኣይመንኩስ”  ከም ዝበሃል ይዕበ ይንኣስ ንዘጋጥሙ ጸገማት ብትዕግሥትን ጸሎትን ብልዝብ፥ ጉዳያቶም ባዕሎም ክፈትሑን ካብ ደጋዊ ኢድ ኣእታውነት ክጥንቀቑን “ናይ እግዚኣብሔር ንእግዚኣብሔር፥ ናይ ብሔር ንብሔር” ብምባል ኣምላኽ ዝኸብረሉን ፍሶም ዝባረኹሉን  ሓዋርያዊ መገዲ ሓቅን ጽድቅን ሒዞም ክጓዓዙ ለበዋና ነመሓላልፍ።

ሠናይ ምጅማር ንምእመናን ቅድስት ድንግል ማርያም ቤተ ክርስቲያን ቡፋሎ፥ ንኹልኹም ተሳተፍቲ ድማ በረኸትን ኣዴና ቅድስት ማርያም ይሕደርኩም፥ እግዚኣብሔር ጻማኹም ይኽፈልኩም ንብል።

ልኡኽ ጋዜጣ ፍኖተ-ብርሃን ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div