S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

መንፈሳዊ በረኸት ምእንቲ ክትዓጽድ

ነቲ ኣብኡ እተጻሕፈ ምእንቲ ተጠንቅቂቕካ ክትገብሮስ፡ መዓልትን ለይትን ኣስተንትኖ እምበር፡ እዚ መጽሓፍ ሕጊ እዚ ካብ ኣፍካ ኣይትፍለ። ሽዑ መገድኻ ተቕንዕ እሞ፡ ሽዑ ድማ ክሰልጠካ እዩ።” (እያ 18) ኵልና ኣብ ኵሉ ናብራና ደሓን፡ ጽቡቕ፡ ምስላጥን ምቕናዕን ንደሊ ኢና። ግናኸ ናብዚ ነገርዚ ዘብጽሓና ኣይንገብርን ኢና። ከምቲ ሓደ ተመሃራይ ክሓልፍ ዝደሊ እሞ ዘየጽንዕ ኢና እንኸውን። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምቲ ንእያሱ፡ ነዚ ቃል እዚ ኣስተንትኖ፡ ሽዑ መገድኻ ትከይድ እሞ ክቐንዓካን ክሰልጠካን እዩ፡ ዝበሎ፡ እቲ ቐንዲ ነገር ኣብምስትንታን ቃል ኣምላኽ እዩ ዘሎ። ብዕርይቲ መገዲ ክንመላለስ፡ሰላም ዘለዎ ህይወት ክንነብር፡ ንኣምላኽ ዝፈርህ ልቢ ክህልወና፡ ብቕድስና ክንነብር፡ ካብ እግዚኣብሄር በረኸት ክንቅበል፡ ንቓል እግዚኣብሄር ለይትን መዓልትን ነስተንትኖ። ሽዑ ቆጽልና ዘይረግፍ፡ ፍረናውን በብጊዚኡ ዝቕንጠብ፡ ናይ በረኸት ሰባት ክንከውን ኢና። (መዝ 11-3 ማቴ 44 መዝ 11997-104)

ኣስተንትን

1. ቃል ኣምላኽ ከየንበብካን ከየስተንተንካን ትውዕለሉ ጊዜ ኣሎዶ፧

2. መንፈሳዊ በረኸት ምእንቲ ክትዓጽድ ከመይ ዝበለ ጸዓት እዩ ዘሎካ፧

3. ቃል ኣምላኽ ብምስትንታን፡ እትረኽቦ በረኸት ተስተውዕሎዶ፧

ኣምላኽ፡ ነቲ ምንጪ ኵሉ በረኸትናን ደሓንናን ዝዀነ ቃሉ፡ ሓለፋ ኵሉ ክንጠምዮን ክንደልዮን ምስትውዓል ክህበና ናብ እግዚኣብሔር ንጸሊ።

ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላከ ኣበዊነ።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div