መንግስቲ ኣሜርካ ብሰሉስ 20 ጥሪ 2015 ዓ.ም. ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ: መንግስቲ ኤርትራ ንፓትርያርክ እንጦንዮስ ብዘይውዓል ሕደር ክፈትሖም ጸዊዑ ኣሎ። መንግስቲ ኤርትራ፥ ንኣቡነ እንጦንዮስ ብዓመጽ ካብ ስልጣኖም ኣውሪዱ ናይ ገዛ ሕዩር ካብ ዝገብሮም
ድሮ 8 ዓመታት ብዘይ ፍርዲ ከምዝገበሩ ድሕሪ ምጥቃስ ነቲ ዓመጽ ብጽኑዕ ከምዝኹንኖ ኣብቲ መግለጺ ሰፊሩ ይርከብ። ፓትርያርክ እንጦንዮስ ብሕማም ሽኮርያ ከምዝሳቐዩን ኩነታት ጥዕንኦም እናበኣሰ ይኸይድ ስለዘሎ ከምሻቐሎን እቲ መግለጺ ብተወሳኺ ይሕብር።
እቲ መግለጺ፥ ሃይማኖታዊ ናጽነት መሰረታዊ ህያብ ደቂ-ሰባት እዃ እንተኾነ፥ ህዝቢ ኤርትራ ነዞም መሰላት እዚኣቶምን ካብ ዝስእኖም ግና ልዕሊ 20 ዓመታት ኮይኑ ኣሎ ይብል ። ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ መግለጺ ንምንባብ ኣብዚ ተወከስ።
መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ ተደጋጋሚ ተመሳሳሊ መጸዋዕታ ናብ መንግስቲ ኤርትራ ከቕርብ እኳ እንተጸንሐ: ክሳብ ሕጂ ክሰምዕ ዝኽእል ኣካል ግና ኣይተረኽበን።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ