S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ምእታው ክርስትና ናብ ሃገርና ኤርትራ

እምነት ክርስትናን ሃገርናን ንመጀመርታ ግዜ ዝተፋለጡ፡ ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ፊሊጶስ ነቲ ስሉብ ኢትዮጵያዊ ካብ ኢየሩሳሌም በጺሑ ክምለስ ከሎ ረኺቡ ከም ከም ዘጠመቆ ይዛረብ። እዚ ዝተፈጸመሉ ግዜ ድማ ብ34 ዓ.ም እዩ። እዚ ሰብኣይ እዚ ብኢድ ፊሊጶስ ተጠሚቑ ናብ ሃገሩ ምስ

ተመልሰ፡ ሃይማኖት ክርስትና ከም ዝመሃረ ሓያሎ መጻሕፍቲ ይምስክሩ። ንኣብነት ኣውሳብዮስ ዝተባለ ጸሓፊ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን፡ እቲ ኣብ ምዕራፍ 8 ተጻሒፉ ዘሎ ስሉብ ኢትዮጵያዊ ናይ ዓዱ ሓዋርያ ከም ዝዀነ ይዛረብ። እቲ ዳሕራይ ኣባ ሰላማን ካልኦትን ኣብ ሃገርና ዘስፍሕዎ እምነት: መሰረቱ እዚ ሰብኣይ እዚ ከም ዝነበረ ይፍለጥ።

ሃገርና ብሳላ እምነታ ደሴት ክርስትና ተባሂላ ትጽዋዕ ከም ዝነበረት ምዕራባውያን ጸሓፍቲ ኣብ ሓያሎ ጽሑፋቶም ኣስፊሮማ ትርከብ። ንኣብነት ብዘመነ ንጉሥ ኣኹሱም ዝነበረ ስጥቻህ ዝተባህለ ስመ መንግሥቱ ጽንፈ ኣርዕድ ድሕሪ ምላድ ክርስቶስ 40 ዓ.ም ሓሙሽተ ካብቶም 12 ሓዋርያት ናብ ምድሪ ሓበሻ መጺኦም ወንጌል ከምዝሰበኹ ኣብ መጽሓፍ ፈረንሳዊ በሞሬዮ ኣብ ናይ ፈለማ መጽሓፉ ገጽ 368 ይርከብ።

ብዛዕባ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ሃገርና ኣቀዲሞም ዝጸሓፉ

1.      ኣውሳብዮስ Origenis Opera Omnia. Ed Lommatzsch, 1834, iv -27

2.     ሩፊኖስ፡ History Eccl. 19 (P.L.xxi 478-80)

3.     ቴዎዶር History Eccl. 122 (P. G. ixxxii 969-72)

4.     ሶቅራጥስ History Eccl. 19 (P.G. ixvii 125-30)

5.     ሶዞሜርስ History Eccl. i. 24 (ib. 995-1000)

6.     Rufinus Eccl. Hist x.9 and Sorates i.19

7.     ዮሃንስ ኣ. Cot. Script. I 262

ቀዳማይ ካቶሊክ ኢሳይኩሎፐዲያ ቅዱስ ማቴዎስ ኣብ ኤርትራ ወንጌል ከም ዝሰበኸን ከም ዝመሃረን ኣብቲ ብዛዕባ ኣማውታ ሓዋርያት ዝጸሓፎ ብሰፊሑ ተመዝጊቡ ኣሎ። ካልኣይ ናይ ቁስጥንጥንያ ቤተ ክርስቲያናት ታሪኽ ጸሓፊ ብ345 ዓ.ም. ብዘመኑ ፍሉጥ ዝነበረ ሶክራጥስ ዝብሃል ቅዱስ ማቴዎስ ኣብ ሃገርና ወንጌል ክርስቶስ ከም ዝሰበኸን ከም ዝመሃረን ኣብ ምዕራፍ 317 ይዛረብ። ሳልሳይ ሩፊኖስ ማቴዎስ ኣብ ሃገርና መጺኢ ከም ዝመሃረ ይዛረብ። ራብዓይ ኩልቦ ዝተባህለ ፈረንሳዊ ኣብቲ ሓዋርያት ዝነብሩሉ ዝነበረ እዋን ኣብ ሃገርና እምነትን ጥምቀትን ከም ዝኣተወ ኣብ መጽሓፉ ኣብ ገጽ 140 ተመልከት። ሓሙሻይ ቅዱስ ዮሃንስ ኣፈወርቂ ናይ መጀመርያ ሓዋርያ ናብ ሃገርና ዝተላእከ ቅዱስ ቶማስ ከም ዝነበረ ይዛረብ። ሻዱሻይ እቲ ባንሳላባ ዝተባህለ ኣብ እስክንድሪያ ዝነበረ ጸሓፊ ቅድሚ ፍሬ ምናጢስ ካብ ሓዋርያት ናብ ሃገርና መጺኦም ከም ዘእመኑን ዘጠመቑን ከምኡ’ውን 10 ካልኦት በብተራ ካብ ግብጺ እናመጹ ኣብ ትሕቲ እቶም ደቀባት ኰይኖም ከም ዝመሃሩ ኣብቲ ኣብ ብ1777 ዓ. ም ጸሓፎ ይዛረብ። ነዚ ተውሳኪ ኣብ መጸሓፍቶም ዘስፈሩ ጸሓፍቲ ሃገና

1.      ብፍላት ጆሜርታ ገብረ ኢየሱስ ኣባይ ኣብቲ መሥረት ዓሌት ሕዝቢ መረብ ምላሽ ዝተባህለ መጽሓፉ ኣብ ምዕራፍ ሓደ ገጽ 3-4 ኣስፊሩዎ ኣሎ።

2.     ኣባ ጎርጎርዮስ የኢትዮጳያ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ታሪኽ

ትምህርትን መስዋእትን ቅዱስ ማቴዎስ ኣብ ሃገርና

ብሰኣላይ ኻራቫጆዮ ዝተሳእለ

ዝተሳእለሉ ጊዜ 1599-1600 ዓ.ም.

መስኣሊ ዝተጠቅመሉ ቀለም ዘይቲ

ዕብየት ስእሊ 323x ሴንት ሜተር

ዝርከበሉ ቦታ ሳን ሉጂ ፍራንስያ ሮም San Luigi dei Francesi

ቅዱስ ማቴዎስ በቲ  1599–1600 ህቡብ ዝነበረ ኢጣልያዊ ሰኣላይ ማይክል ኣንጆሎ ማሪሲ ዲ ካራቫጆ   (Michelangelo Merisi da Caravaggio) ዝሰኣሎ ኣብ ቤተክርስቲያን ካንታራሊ ሮማ ዝርከብ ደቂ ፈረንሳይ ዘምልኹሉ ካብ 1600 ኣትሒዙ ብመሰረት ትውፊት ክሳብ ሕጂ ቅዱስ ማቴዎስ እናተሰውኤ ከሎ ዘርኢ ስእሊ ተሰቒሉ ይርከብ። ኣብዚ ስእሊ እዚ ድማ ቅዱስ ማቴዎስ ብንጉሥ ኢትዮጵያ ከም ዝተሰውኤ ይዛረብ። እቲ ንጉሥ ብፍትወት ጓል ሓዊ ነዲዱ ነበረ እሞ ቅዱስ ማቴዎስ ተግባሩ ሓጢኣት ከም ዝዀነ ኣስተውዒሉ ስለ ዝገንሖ፡ እቲ ንጉሥ ካብ ሕርቓኑ ዝተላዕለ ወተሃደራት ሊኡኹ ከም ዘቕተሎ የመልክት። እታ ጓል ድንግል ከም ዝነበረት ድንግል ማለት ድማ መርዓት ክርስቶስ ከም ዝኸነት የመልክት።

ንዝያዳ ሓበሬታ ነዚ ዝስዕብ መወከሲ ተመልከት

ፍረሚናጦስ ‘ኣቦ ሰላም’

ሓዋርያት ናብ ሃገርና መጺኦም ምሂሮም ወይስ ካልኦት፡ እቲ ኰይኑ እቲ ሃገርና ሕጋውን ወግዓውን ብመዓርግ ሲኖዶሳዊ ኤጵስቆጶስነት ዝረኸበትሉን ኣብ መንበረ ማርቆስ መንበር ዝረኸበትሉን ኣብ ራብዓይ ክፍለ ዘመን እዩ ዝነበረ። ነዚ ህያብ እዚ ከመይ ጌራ ከም ዝበቅዔት ድማ ሩፊኖስ ከምዚ ኢሉ ይዛረብ፡ ሓደ ሜሮጵዮስ ዝተባህለ ነጋዳይ፡ ምስ ክልተ መንእሰያት ኣዝማዱ ኰይኑ ካብ ጢሮስ ናብ ህንዲ ገጹ ብጃልባ ገይሩ ተጓዕዘ። ካብዞም ክልተ መንእሰያት እቲ ዓቢይ ፍረሚናጦስ እቲ ንእሽቶ ድማ ኤዴስዮስ (ካልኣይ ስሙ ድማ ሲድራኮስ) ይበሃሉ ነበሩ። ክልቲኣቶም ድማ ክርስቲያናት ነበሩ። ኣብ ጉዕዞኦም ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ (ባጽዕ) ኣብ ድኾኖ ምስ በጽሑ ማይ ክሰትዩ ብኡ ኣቢሎም ድማ ዓዲ ክርእዩ ኢሎም ጃልባኦም ኣጸጊዖ ምስ ወረዱ፡ እቶም ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ሰባት ነታ ጃልባ ወሪሮም ንንብረቶም ወሲዶም፡ ንሜሮጵዮስን ነቶም ሰብ ጃልባ ኣብኡ ቀተልዎም። ከም ኣጋጣሚ እቶም ክልተ መንእሰያት ግና ካብ ሞት ተሪፎም፡ ኣብ ትሕቲ ሓንቲ ገረብ ተጸጊዖም እናጸለዮን መጽሓፍ እናኣንበቡን ኮፍ ኢሎም ከለዉ ተረኽቡ። እቶም ዝረኸብዎም ደቂ ድኾኖ ድማ ከይጐድኦም ብህይወቶም ንባሕሪ ነጋሲ ኤርትራ (ሽዑ ሓማሴን) ኣረከብዎም። ባሕሪ ነጋሲ ድማ ነቲ ሽዑ ኣብ ኣኹሱም ነጊሱ ዝነበረ ኤዛናን ሰበይቱ ኣሕየዋ (ሶፍያ) ብደረጃ ሙሩኻት ኣረከቦም። እዞም ክልተ መንእሰያት እዚኣቶም፡ እናወዓሉን እናሓደሩን ኣብ ቤተ መንግሥቲ ተፈታውነትን ተኣማንነትን ረኸቡ። ንጉሥ ኤዛና ኣቦ ኣብርሃን ኣጽብሃን፡ ንኤድዮስዮስ ጋሻ ዛግሬ ክገብሮ ከሎ፡ ንፍረሚናጦስ ድማ ብጅሮንድ ገይሩ ሾሞ። እቲ ንጉሥ ክመውት ምስ ቀረበ ደቁ ህጻናት ነበሩ እሞ ሥልጣነ መንግሥቱ ንሰበይቱ ብሓደራ ኣረከባ። ነቶም ክልተ ሶርያውያን መንእሰያት ድማ ነጻ ኣውጽኦም። እንተዀነ እታ ንግሥቲ ንሃገሮም ምኻድ ገዲፎም፡ ደቃ ስለ ዝዓብዩ ኣብ ምምሕዳራዊ ጉዳይ ክሕግዙዋ ሓተተቶም። ፍረሚናጦስ ኣብ እኹሱም ከሎ፡ ኣማኻሪ ቤተ መንግሥቲ ጥራይ ዘይኰነ፡ ነቲ ኣቐዲሙ በቲ ስሉብ ኢትዮጵያዊ ዝተሰብከ ከመይ ገይሩ ከም ዝሰፍሕ መገዲ ይደሊ ነበረ። ኣብዚ ግዜ እዚ እቶም ብክርስትና ዝኣመኑ ጥምቀት ጥራይ ድኣ ተጠሚቆም ነበሩ እምበር ስርዓተ ክህነት ይኹን ወይስ ቅዱስ ቁርባን ዝኣመሰሉ ካልኦት ሥርዓተ ክርስትና ኣይነበሮምን። እቶም ክልተ ደቂ ንጉሥ ኣካለ መጠን በጺሒም መንግሥቲ ኣቦኦም ክቕበሉ ከለዉ፡ ኤስዮስ ናብ ሃገሩ ጢሮስ ከይዱ ካህን ኰነ። ነዚ ታሪኽ እዚ ንሩፊኖስ ዝነገሮ ድማ ኣብ ጢሮስ ምስ ተራኸቡ ከም ዝዀነ ኣብ መእተዊ መጽሓፉ ሩፊኖስ መዝጊቡዎ ኣሎ።

ፍረሚናጦስ ግና ብዛዕባ ጉዳይ ጵጵስና ክዘራረብ ብመንግሥቲ ኣኹሱም ተላኢኩ ናብ ግብጺ ከደ። ፍረሚናጦስ ኣብ እስክንድርያ ምስ በጽሔ፡ ሰበሥልጣን እስክንድርያ ንኣርዮስ ክምጉቱ ናብ ኒቅያ ከይዶም ኣብ ጉባኤ ስለ ዝነበሩ ኣይረኸቦምን። ፍረሚናጦስ ክሳብ ንሳቶም ዝምለሱ ዓመት ምሉእ ኣብ እስክንድርያ ኰይኑ ተጸበዮም። እስክንድሮስን ኣትናቴዎስን ኣብቲ ኣብ ኒቂያ ዝተገብረ ጉባኤ ንኣርዮስ ስዒሮም ምስ ተመልሱ፡ እቲ ናብኣቶም ዝወሰዶ ጉዳይ ምስ ኣቕረበሎም ጥራይ ከጽንዕዎ ሓደ ዓመት ወሰደሎም። ብ328 ዓ.ም. ፓትርያርክ እስክንድሮስ ዓረፈ እሞ ኣትናቴዎስ ኣብ መንበሩ ተተኽኤ። በዚ እዋን እዚ ፍረሚናጦስ ጉዳዩ ናብ ኣትናቴዎስ ኣቕረበ። እቲ መበል ዕስራ ፓትርያርክ እስክንድርያ ኰይኑ ኣብ መንበረ ማርቆስ እተሾመ ኣትናቴዎስ በዚ ጉዳይ እዚ ተሓጉሹ። ካብ ፍረሚናጦስ ንላዕሊ ባህሊ ህዝቢ ሓበሻ ቛንቛኦምን ባህሎምን ዝፈልጥ ስለ ዘየለ፡ ጳጳስ መሬት ሓበሻ ኢሉ ብኣንብሮተ ኢድ፡ ንሓደ ሓዋርያ ዝግባእ ስም ኣብ መላእ ሃገርና ሰላም ከምጽእ ምእንቲ “ኣቦ ሰላም” ኢሉ ሸይሙ ወንጌል ጥዑም ዜና ክሰብኽ ለኣኾ።

ኣባ ሰላማ ኣብ ኤርትራ

እዞም ካብ ቀዳማዊ ምኒሊክ ንደሓር ዘለዉ ኢትዮጵያውያን ነቲ ኹሉ ዝተፈጸመ ታሪኽ ምሳና ከይካፈልዎ ነፊጐምልናስ፡ ኩሉ ኣባና ኩሉ ብኣና ጥራይ እናበሉ ታሪኽ ክልውጡ ክፍትኑ ስለ ዝሓደሩ፡ ኣባ ሰላማ ንኣብርሃን ኣጽበሃን ኣብ ኣኹሱም ትርከብ ንእሽቶይ ሓጽቡ ኣብዚ ኣጥሞቆም ኢሎም ክዛረቦ ታሪኽ ክሰርቁ ስለ ዝደለዩ ድኣምበር እንታይ ከም ዝተፈጸመስ ኣብ መጻሕፍቶም ተጻሒፉ ዝርከብ ሓቂ ከምዝኸሶም ጥርጥር የብለይን

ኣባ ሰላማ ቀዳማይ ጳጳስ ኰይኖም ናብ ሃገር ኣግኣዚት ምስ ተመልሱ፥ ኣብ ምዕራብ ኤርትራ ፍሉይ ስሙ ኣስገደ በቕላ እና ተባህለ ዝጽዋዕ ዝነበረ ከባቢ ከረን፥ ብፍላይ ድማ ኣብዚ ሎሚ ማርያም ደብረ ሲና እና ተባህለ ዝጽዋዕ ዘሎ ገዳም ተቐመጡ።

ኣባ ሰላማ ኣብዚ ቦታታት እዚ እናመሃሩ ከለዉ፥ እቶም ክልተ ኣሕዋት፥ ኣብ ኣኹሱም ኣብ ሓደ እዋን ክልቲኦም ብሓደ ነጊሶምሉ ዝነበሩ ነገስታት ሓበሻ፥ ወረ ምምላሶም ሰሚዖም፡ ክበጽሕዎም ኢሎም ናብ ኣውራጃ ከረን ወረዳ ሓባብ ወይ ኣስገደ በቕላ፥ ምዕራብ ኤርትራ ከም ዝመጹ፥ ታሪኽ ገድሊ ኣብርሃን ኣጽብሃን ከምዚ ይብል “ወተቀበልዎ ኣብርሃ ወኣጽብሃ ነገሥተ ኣክሱም በውስተ ሀገረ ሲሓት ዝትስመይ ጵርስፎራ ወይም ፎራ ለኣባ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን ወተጠምቁ ብውስቴታ” ኢሉ ብዛዕባ እቶም ሽዑ ክህነትን ኤጲስ ቆጵስ ዝተቐበሉን ካህናት ይዛረብ።

ኣባ ሰላማ ንኣብርሃን ኣጽብሃን ወንጌል ጥዑም ዜና ምስ ሰበኹሎም፡ ምስቲ ድሮ ንወንጌል ተላልዮሞ ምጽንሖም ንትምህርቲ ኣባ ሰላማ ክቕበሉ ግዜ ኣይወሰደሎምን። ብስም ክርስቶስ ድማ ኣመኑ እሞ፥ ንኣባ ሰላማ ከጠምቕዎም ብዝሓተትዎም መሰረት፥ ኣብቲ ሽዑ ጵሮስፎራ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝነበረ፥ ኣብ ኣስገደ በቕላ ዝርከብ ወሓዚ ማይ ኣጠመቕዎም። ኣብርሃን ኣጽብሃን ኢሎም ድማ ሰመይዎም። እቲ ናይ ኦሪት ሊቀ ካህናት ዝነበረ ኣንበረም’ውን ምስ ህዝቡ ኣብኡ ተጠመቐ እሞ ብኢድ ኣባ ሰላማ መዓርግ ኤጵስቆጶስነት ተቐበለ።  በዚ ከምዚ ወንጌል ኣብ ቤተ መንግሥቲ ኣተወ።

ኣብኡ ኰይኖም ድማ። ትምህርቲ ክርስትና ኣብ መሬት ሓበሻ ኣስፍሑ። ሥርዓተ ክህነትን ቁርባንን ኣሕየሉ። ናብ ኩሉ ቦታታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘገልግሉ ካህናትን ዲያቆናትን ሾሙ

ኣብዚ ከባቢ እዚ ተቐሚጦም ከለዉ ድማ፥ ንስብከተ ወንጌል ክጥዕሞም ምእንቲ ነቲ ኣናባቢ (vowels) ዘይነበሮ ፊደል ግእዝ ሳባውያን ካብ የማን ናብ ጸጋም ዝንበብ ዝነበረ ኣገባብ ኣናብባ፡ ኣናባቢ ገይሩም ካብ ጸጋም ናብ የማን ከም ዝንበብን ዝጸሓፍ ገይሩም ሰርዕዎ። በቲ ዝቐየስዎ ኣገባብ ገይሮም ድማ ንሓያሎ ጽሑፋት ምስ ወንጌል ጥዑም ዜና ዝተተሓሓዙ ቅዱሳት መጻሕቲን ካብ ሱርስትን እብርን ጽርእን ናብ ቛንቛ ግእዝ ተርጐምዎ።

ብድሕሪ እዚ ብ350 ዓ.ም. ክርስትና ናይ መላእ ምድሪ ሓበሻ ወግዓዊ ሃገራዊ ሃይማኖት ኰነ። ካብዚ ንደሓር ሃገርና ዓዲ ክርስትና ከም ዝዀነት ተፈልጠት።

ይቕጽል

ዶ/ር ሽሞንዲ ኃይለ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div