S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

መልሲ ንኣርድእት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኮለጃት ማይ ነፍሒ፣

ኣቐዲመ እዚ ጽሑፍ እዚ ናይ ግለይ ምዃኑ ክትግንዘቡለይ እላቦ፣
ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ተፈጢሩ ዘሎ ምክፍፋል ኣሕዚንኩም እዩ፣ እዚ ድማ ናይ ኩልና ሓሳብን ሓዘንን እዩ። እዚ ኩሉ ጸገም ዝተፈጥረ፥ ፖለቲከኛታት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብቐጥታ ክኣትዉን፥ ንቅዱስ ኣቦና ኣቡነ እንጦንዮስ፥ ብስም እቶም ኢደ እግሪ

ዘይብሎም ብዕድመ ኣረገውቲ ጳጳሳትን፥ ሓደን ክልተን ዝበሃሉ ኣብ ጽሑፍኩምውን ከም ዝጠቀስክምዎም ከም ብጹዕ ኣቡነ ሉቃስ ዝኣመሰሉ፥ ብጸርፍን ጸለመን ልዕሊ ኩሉ ከምቲ ዝጠቐስክሞ፥ ስምዒታዊ መገድን ተመሪሖም፥ ቀኖና ቤተ ክርስቲያን ድሕሪ ምስዓሮም ዝተፈጥረ ሽግር እዩ።

እቶም ንሓላፍነቶምን መንፈሳዊ ስልጣኖምን ኣብ ዝኾነ ዋጋ ዕዳጋ ከውድቑ ዘይፈቐዱ ቅዱስ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ፥ ሕጊ ቤተ ክርስቲያን ምስ ተጋህሰ፥ ሕጊ ረጊጽኩም ጳጳሳት ፓትርያርክ ከይትሾሙ “ብስልጣን ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ኣውጊዘ ኣሎኹ” ምስ በሉ፥ ዝተፈጥረ ምክፍፋል እዩ።  በቲ ሓደ ወገን ንስምን ስልጣንን ኣጋእዝተ ዓለም ሥላሴ ኣይንሰግርን ውግዘት ፓትርያርክ ኣይንረግጽን ዝበሉ፥ በቲ ካልኣይ ወገን ድማ ፖለቲካዊ ተጽዕኖ ከቢዱና፥ ምስ ሰብካ መዓትሲ ዳርጋ ጋዓት፥ ተዓሚትና ንስም ሥላሴ ንረግጽ ኢሎም ብፋሉል ዝኸዱን ዝተፈልዩን፥ ዝተፈጥረ ምፍልላይ እዩ።

ብግልጺ እቲ ምፍልላይ ውግዘት ሥላሴ ዝረገጹን ኣይንረግጽን ዝበሉን ዝተፈጥረ ከቢድ ሃይማኖታዊ ግህሰት ምዃኑ ብንጹር ክፍለጥ ይግባእ እዩ። እታ ጠንቂ ምፍልላይ እዚኣ እያ። ካልእ ጸገም እንተሎ ግን ብሕጋዊ ፓትርያርክ ዝምራሕ ቅዱስ ሲኖዶስ ረጊጹ ዝኸደ ሰብ ኣነ ኦርቶዶክሳዊ እየ ክብል ዝኽእል ዘሎ ኣይመስለንን። ሓቂ ክገሃድ ግን ናይ ግድን እቶም ሰብ ሓቂ ነቲ ዘይቅኑዕ ነገራት ጌጋ ክብሉ፥ ምፍልላይ ክህሉ ባህርያዊ እዩ።

1 ቆሮ።11:18-19፡ “ቅድሚ ኩሉ ከኣ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ምስ ተኣከብኩም ምፍልላይ ኣብ ማእከልኩም ከም ዘሎ እሰምዕ ኣሎኹ እሞ፥ ካብኡውን ከፊለ እኣምን እየ፣ እቶም ቅኑዓትኩም ምእንቲ ክግለጹ ኣብ ማእከልኩም ሻራ ኪኸውን ብግዲ የድሊ፣”  ዝበሎ ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስውን፥ ምስትውዓል ዘድልዮ ጠቕሲ ኮይኑ ይስምዓኒ።

ስለዚ እምበኣር እቶም ንውግዘት ኣቡነ እንጦንዮስ ረጊጾም ስም ሥላሴ ስዒሮም፥ ንሰብ ብገርሂ ዘጋግዩ ዘለዉ፥ ከም በዓል ኣቡነ ሉቃስ ዝኣመሰሉ፥ ምእመን ክርድኦ ይግባእ፣ ሓንሳብ ብስእሊ ስላሴ፥ ሓንሳብ ናይ ሮማ ካቶሊክ ትምህርቲ ጥንተ ኣብሶ (Immaculate Conception) ብዝብል ኦርቶዶክሳዊ ዘይኮነ ትምህርትታት፥ ንሰብ እናኣጋገዩ፥ ምእመን ከም ዝህውትት ንምግባር ዝዓለመ ሰይጣናዊ ጸለመ፥ ክጋለጽ ዘለዎ ግቡእ እዩ ዝብል ኣረዳድኣ ኣሎኒ። እዚ ኩሉ ሸንኮለል ድማ ነቲ ቀንዲ ውግዘት ሥላሴ ብኣቡነ እንጦንዮስ ዝተገብረ ንምዕፋንን ንምድንጋርን ፖለቲካዊ ሓይሊ ተኸዊሎም ዝገብርዎ ዘለዉ ምዃኑ ምእመን ክፈልጦ ኣለዎ።

ስለዚ እቲ ካልእ ብሰፊሑ ዘርዚርክሞ ዘለኹም ከም ዘለዎ ቅቡል ኮይኑ፥ እቲ መሰረታዊ ናይ ቤተ ክርስቲያንና ዓንቃፊ ኮይኑ ዘሎን ኣብ ህዝብና ከቢድ ናይ መርገም ኣደራዕ ኣውሪዱልና ዘሎን ግን ናይ እቶም ንጹህ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ መርገምን ውግዘትን ምዃኑ ብዝለዓለ ክጥመት ይግባእ።

ብዛዕባ እቲ ኣዝዩ ለባምን መዓድን ጽሑፍኩም ግን ብወገነይ ኣዝየ የመስግነኩም።

ኣምላኽ ነቶም ኣብ መገዲ ጸጋምን ጌጋን ዘለዉ ናብ የማንን ቅኑዕን ይምርሓዮም።

ቤተ ክርስቲያንና ይባርኽን ይሓሉን።

ዘንስር ዮሓንስ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div