S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ነቲ ዝተኸፍለልካ ክቡር ዋጋ ዝበቅዕ ህይወት ትነብር ኣሎኻዶ

“. . .ብዙሕ ንዝሃብዎ ብዙሕ ይደልይዎ፡ ብዙሕ ንዜማዕቈብዎ ከኣ ኣብዚሖም ይደልይዎ እዮም” (ሉቃ 12፡48)

ሓደ ናይ ኣምላኽ ሰብ ብዝዕባ ክልተ ጉይኦም ዝወድኡ ኣመንቲ ምስክርነቱ ብኸምዚ ዝስዕብ ገሊጽዎ። እቲ ቀዳማይ ኣማኒ ኣብዛ ምድሪ ክመላለስ ከሎ ናይ ፍቕሪ ሰብ፡ ብቕንኣት ዘገልግል፡ ብቐጻሊ ዝምስክር፡ ዝምህር፡ ንሕሙማት ዝበጽሕ፡ ንብዙሓት ነፍሳት ድማ ናብ ጐይታ ዘምጽእ ሰብ እዩ ኔሩ። እቲ ካልኣይ ሰብ ግና ግዳም ሓደር፡ ሰባት ዘየድህብሉ፡ ሓደ ሰብ ጥራይ ናብ ጐይታ ዘምጽአ ሰብ እዩ ኔሩ። ጐይታ ከኣ ካብ እዚኣቶምሲ ኣየናይ ዝበለጸ ክብሪ ይግብኦ ኢሉ ምስ ሓተቶ፡ እቲ ራእይ ዝረኣየ ድማ እቲ ቀዳማይ እምበር ኢሉ መለሰሉ። ጐይታ ግና እቲ ካልኣይ በለ። ምኽንያቱ ናይ እቲ ቀዳማይ ሰብ ካብ ኣመንቲ ስድራ ቤት ዝኾነ፡ ኵሉ ጊዜ ድማ ቃል ኣምላኽ ዝምግብዎ፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ግቡእ ትምህርቲ እናወሰደ ዝዓበየ እዩ። 100% ናይ ፍቕረይ ገሊጸሉ፡ ንሱ ግና 75% ጥራይ እዩ መሊሱለይ። እቲ ካልእይ ሰብ ግና ንሱ ክውለድ ከሎ፡ ናይ ምስማዕ ጸገም ዘለዎ (ጸማም) ኮይኑ እዩ ተወሊዱ። ኣብ መገዲ ተደርብዩ ተረኺቡ፡ ኣብ መዕበያ ዘኽታማት ዓብዩ፡ ካብኡ ተሰጕጉ ድማ ኣብ ጽርግያታት ይሓድር ኔሩ። ጐይታ ድማ፡ ኣነ ከኣ 3% ናይ ፍቕረይ ጥራይ እየ ገሊጸሉ። እዚ ሰብ እዚ ክሰምዕ ስለዘይክእል፡ ነቲ ዘንበቦ ወንጌል ብምቕባል፡ ንኣይ ህይወቱ ሂቡኒ። ንሱ ግና ኩሉ ዝሃብክዎ፡ ብምልኡ መሊስለይ። ከምቲ ንሱ ዝፈለጠሉ መገዲ ተጠቒሙ ድማ ናይ ምስክርነት ወረቓቕቲ ኣብ ጐደናታት ብምዝርጋሕ፡ ሓደ ሰብ ናብ ጐይታ ኣምጺኡ። ስለዚ እዚ እዩ እቲ ዝበለጸ ክብሪ ዝወሰደ ክብል መለሰሉ። እግዚኣብሄር ከምቲ ሰብ ዝርእዮ ኣይርእይን እዩ።

(ኣስ 4፡14፣ ማቴ 25፡14-30፣ 1ቈረ 9፡16-18)

ኣስተንትን

1. ካብ ጐይታ ብሕድሪ ዝተቐበልካዮ እንታይ ኣሎ፧

2. መጠን ዝተኸፍለልካ ክቡር ዋጋ ንኡኡ ዝበቅዕ ህይወት ትነብር ኣሎኻዶ፧

3. ኣብ ዘመንካ ክንደይ ዝኣኽሉ ሰባት ናብ ጐይታ ኣምጺእካ ኣሎኻ፧

ዝተዋህበና ሕድሪ ንምፍጻሙ ክንክእል ኣምላኽ ክረድኣና ንጸሊ።

ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላከ ኣበዊነ።

መህ 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div