“ኣብ እግዚኣብሄር ዚውከል ትጽቢቱ ኸኣ ኣብ እግዚኣብሄር ዝገብር ሰብ ብሩኽ እዩ” (ኤር 17፡7)
ምእማን፡ ምድጋፍን ምውካልን ማለት እዩ። ንሓደ ካባኻ ዝዓቢ ነገር፡ ከድሕነኒ እዩ፡ የዋጽኣኒ እዩ ኢልካ ኢኻ እትኣምኖ።
ብዛዕባ እቲ ኣሚንናዮ ዘለና ድማ ብዛዕባ ሓይሉ፡ ምልኩን ስልጣኑን ዘለዎ ኵሉ ነገር ሪኢና ወይ ሰሚዕና ኢና እንጽግዖ። ሰባት ኣብ ዝተፈላለዩ ይድገፉን ይውከሉን እዮም። ገለ ካብኡ ኣብ ኣምላኽ፡ ሰባት፡ መንግስቲ፡ ስልጣን፡ ገንዘብ... ወዘተ ካብዚኦም ግና ብዘይካ እግዚኣብሄር ካልኦት ከድሕኑ ኣይከእሉን እዮም። እግዚኣብሄር ኣብ ዘመናት ምሉእ፡ ኣብ ናይ ዋላ ሓደ ታሪኽ ጠሊሙ ኣይፈልጥን እዩ። ዝጐድሎ ሓይሊ፡ ክእለትን ስልጣንን'ዉን የብሉን። ካብዚ ንላዕሊ ዝጸንዕን ዝብርትዕን እንታይ ክንረክብ ንኽእል፧ ስለምንታይ ድኣ ኢና እሞ ንፈርሕ፧ ንጠራጠር፧ እግዚኣብሄር ኵሉ ሳዕ እሙን፡ ተስፋኡ ከም ዘይጠልም ተረዲእና ኵሉ ጊዜ ተስፋና፡ በቲ ዝሃበና ቃል ከነሕድሶ የድልየና። ምኽንያቱ እምነት ካብ ምስማዕ እምበር ካብ ምርኣይ ኣይኰነትን።
(2 ነገ 18፡21፣ መዝ 27፡1-5፣ መዝ 56፡3-4፣ ሉቃ 1፡45)
ኣስተንትን
1. ብዘይካ እግዚኣብሄር እንታይ ዝተደገፍካዮ ወይ ዝተወከልካዮ ነገር ኣሎ፧
2. እግዚኣብሄር ነቲ ዝሃበካ ተስፋ ከም ዝፍጽም ማዕረ ክንደይ ትኣምኖ፧
3. ኣብ ነገራት ተጸጊዕካ ዝኸሰርካዮ ጊዜያት ዘክር፧
ኣብ ኵሉ ናብራናን ህይወትናን ምውካልና ኣብ እግዚኣብሄር ክኸውን ንጸሊ።
ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላከ ኣበዊነ።
መህ
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ