S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ክርስቶስ ብስጋ ክውለድ ንምንታይ ኣድለየ᎒

በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ዱ ኣምላክ 
ብልሳን ግዕዛዊት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን "ዘመነ ልደት" ክንብል ከሎና ቃል ብቓሉ ነቲ  ብዛዕባ ልደት ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ዝምልከት ዘበለ ዝቐርብ ምስክርነት ቅዱስ ጽሑፋት መሰረት ብምግባር፡ ልደት ጐይታ ንምንታይ᎒ ዝብል ጽንሰ ሓሳብ

 እነስተንትነሉ ቅንያት ኢዩ። እዚ ቅንያት'ዚ ነቶም ካብ ኣምላኽ ብመንፈስን ብማይን ዝተወለድና፡ ተኻፈልቲ ግሩም ምስጢር ምግላጽ ኣማኑኤል ኣምላኽና ምዃንና ብእምነት እነስተማቕረሉ ቅንያት ኢዩ። እዚ ድማ ጐይታና የሱስ ብስጋ ከም ዝመጽአን ምሳና ከምዘሎን "እቲ ቓል ስጋ ዀነ ጸጋን ሓቂን መሊእዎ ኸኣ ኣባና ሓደረ" (ዮሃ 1፡ 14) ተባሂሉ ከም እተጻሕፈ፣ ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ ፍጥረት ፍርዲ ንምሃብ ድማ ብግርማ ዳግም ከምዝመጽእ ብእምነት ብተስፋ ክንባበዮ ክንክእል ወትሩ ዘናቓቕሕና ቅንያት ኢዩ።

ጐይታ የሱስ ክርስቶስ  ምስቲ  ብሰልስትነት ዝግለጽ ዘልኣላማዊ ኣምላኽ (ኣብ ወልድ መንፈስ ቅዱስ) ካብ መጀመርያ ኣትሒዙ  ዝነበረ ናይ ባህሪ ወዱ ከምዝኾነ ፣ በዚ ድማ እግዚኣብሔር ኣብ ንእግዚኣብሔር ወልድ ብህላዌኡ ከምዘይቅድሞን ብስልጣን እውን ከምዘይዓብዮን ንኣምን። ነዚ ምስክር ዝኾነና፣ ወንጌላዊ ዮሃንስ "ቃል ብመጀመርታ ነበረ፡ እቲ ቓል ድማ ኣብ ኣምላኽ ነበረ፡ እቲ ቓልውን ኣምላኽ ነበረ። እዚ ብመጀመርታ ኣብ ኣምላኽ ነበረ" (ዮሃ 1፡1-2) ዝብል ዝጸሓፈልና ኢዩ። ቃል ዝተባህለ የሱስ ክርስቶስ ምዃኑ ብሩህ እዩ። ጐይታ የሱስ እውን ባዕሉ "ኣነ ኣብርሃም ከይተወልደ ከም ዘሎኹ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ" ክብል ንፈሪሳውያን  ከም ዝገለጸሎም ንመሃር( ዮሃ 8፡58)።

ክርስቶስ ብስጋ ክውለድ ድኣ ንምንታይ ኣድለየ፧ ንዝብል በዞም ዝስዕቡ ይግለጽ፡-

1. ተስፋ ቓሉ ክፍጸም ፡-   ነቲ ብሰሪ ዘይምእዛዝ ዝኣተወ  ሓጢኣትን ዘስዓቦ ፍልልይን ሓንሳእን ንሓዋሩን  ከርሕቕ፣ ማለት ነቲ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰብን ዝተተኽለ ጽልኢ ኣልዩ፣ ዘልዓለማዊ ዕርቂ ክተክል ዝወጠኖ ሰናይ ውጥን ክፍጽም  እግዚኣብሔር ወልድ ብስጋ ክግለጽ ኣድላዪ ስለዝኾነ።

2. ብቑዕ መስዋዕቲ ድሕነት ክቐርብ - ዕዳ ሓጢያትና ከርሕቕ ዝኽእል ፍጹም (perfect) ዝኾነ፡  መስዋእቲ ምእንቲ ክኽፈል  እንኮ ወዲ ኣምላኽ ክውለድ ግቡእ ስለዝኾነ። ብዘመን ብሉይ፡ ነቢይ ሙሴ ዝራብዕ ሓሪዱ ደሙ በጻብዕቱ  ኣቕርንቲ መሰውኢ ምስ ለኸየ ኵሉ እቲ ደም ኣብ እግሪ መሰውኢ ይክዕዎ ከምዝነበረ እዚ ድማ መስዋእቲ ሓጢያት ይኾኖም ከምዝነበረ ንመሃር (ዘጸ 29፡ 11-14)። እዚ ብተደጋጋሚ ዝፍጸም ዝነበረ መስዋዕቲ ዝራብዕ ግና ንሓጢያቶም ብፍጹም ከርሕቕ ኣይከኣለን። "ደም ኣብዑርን ድቤላታትን ሓጢኣት ኬርሕቕ ኣይከኣሎን እዩ" ….. "ክርስቶስ ግና ነቶም ዚቕደሱ ብሓንቲ መስዋእቲ  ንሓዋሩ ፈጸሞም" (እብ 10፡ 11) ተባሂሉ ከም እተጻሕፈ፡  የሱስ ክርስቶስ ብቑዕ መስዋእቲ ኮይኑ ክቐርብ ተዋህበ።

3. ሰማያዊ ሓዲሽ  ኪዳን ክወሃበና ፡-  ዝገበርናዮ ዓመጻ ምሒሩ፣ ሓጢኣትና ኣርሒቑ፣ ሕግታቱ ብመንፈሱ ኣብ ልባትና ክጽሕፍ ኪዳን ዝኣትወልና ሓዲሽ ኪዳን ኪህበና ተወልደ (እብ 8፡ 10-13)። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ብኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ካብ ልደተ ክርስቶስ ንዳሓር ዘመነ ምሕረት ተባሂሉ ከምዝስመ ንርዳእ።

4. ዘርኢ በረኸት ክንቅበል ፡-  "ክርስቶስ ምእንታና መርገም ኰይኑ ካብ መርገም ተሻየጠና" (ገላ 3፡14) ተባሂሉ ከምዝተጻሕፈ በቲ ካብ ኣምላኽ ዝተረኽበን ዝመጸን ወዲ ኣምላኽ እንኣምን ኵልና፡ ትሕቲ  ሕጊ ከምዘይኮና (ገላ 3፡26-27)  ብእምነት ብየሱስ ክርስቶስ ድማ ተኻፈልቲ በረኸት ዘርኢ ኣብርሃም  ንምዃን ከብቅዓና ተወልደ።

5. ኣምላኽ ኣብ ማእከልና ክጋሃድ- ኣምላኽ ናይ ርሑቕ  ዘይኮነስ ናይ ቀረባ ኣምላኽ ምዃኑ ከግህድ፣  "ስሙ ኸኣ ኣማኑኤል ኪብልዎ እዮም ትርጉሙ ኣምላኽ ምሳና እዩ" (ማቴ 1፡23) ከም ዝተባህለ፡ ኣምላኽ ኣብ ማእከልና ምዃኑ ክገልጸልና ተወልደ። ወንጌላዊ ዮውሃንስ እውን ከምዚ ኢሉ ገሊጽዎ ኣሎ "ሓደ እኳ ንኣምላኽ ዝረኣዮ የልቦን፡ እቲ ኣብ ሕቚፊ ኣቦኡ ዘሎ ሓደ ወዱ ንሱ ኣግሃዶ" (ዮሃ 1፡ 18)። 

ኣብዚ ከነስተውዕሎ ዝግባኣና ነገር ነቲ ቅድሚ ክልተ ሽሕ ዓመት ዝተፈጸመ  ዓቢ ታሪኽ ናይ ዝኽሪ በዓል ጥራይ ጌርና ከነሕልፎ ዘይኮነስ፣ ነቲ ብሰሪ ሓጢኣት ኣብ መንጎ ኣዳምን እግዚኣብሔርን  ዝተተኽለ ናይ ጽልኢ ግድጊዳ ኣፍሪሱ፣ ነቲ ኣብ መንጎ ሰማይን ምድርን ዝነበረ ርሕቀት ኣቀራሪቡ፣ ንዅሉ ፍጥረት ምስ እግዚኣብሔር ፈጣሪኡ ንኽዓርቕ  ኣቐዲሙ ብስጋ ካብ  ኣዚያ ብመንፈስ ድኻ ዝኾነት ብጽዕቲ ዕብራዊት ድንግል ማርያም ዝተወልደ የሱስ ክርስቶስ ብዑምቀት እነስተንትነሉ ጊዚያት ኢዩ።  ሓዋርያ ጳውሎስ ነቲ ኣዳም ብሰሪ ዘይምእዛዙ ዘጥፍኦ ክቡር ሰማያዊ ውልድነት ዳግም ክህቦ ኢሉ እግዚኣብሄር ኣቦ ዝገበሮ መደብ ኣመልኪቱ ክገልጽ ከሎ "ምልኣት ዘመን ምስ መጸ ግና ነቶም ትሕቲ ሕጊ ዘለዉ ተሻዪጡ ምእንቲ ኼውጽኦም ንሕናውን ውልድነት ምእንቲ ኽንረክብሲ ኣምላኽ ነዚ ኻብ ሰበይቲ እተወልደ ትሕቲ ሕጊውን ዝዀነ ወዱ ለኣኾ" ይብል (ገላ 4፡4)። ልደት ጐይታ ንምንታይ ንዝብል እምበኣር ንሕና ደቂ ኣዳም ምስ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ፍጹም ዕርቂ ክህልወና ኢዩ። ምስ እግዚኣብሄር ዝተዓርቀ ሰብ ድማ ምስ እግዚኣብሄር ሕብረት ኣለዎ። ምስ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሕብረት ዘለዎ ሰብ ድማ ኣብ ብርሃን ይነብር።

ኣብዚ ቅንያት'ዚ ነቲ ኣፍ ደገ ድሕነት ክኸፍተልና ካብ ሰማይ ዝወረደ ክንዝክር ከሎና፣ ካብ ኵሉ ዕያግ ሓጢኣት ነጺህና፣ ካባ ምሕረት ለቢስና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብእምነት፡ ውሽጣዊ ናፍቖትናን ባህግናን እንገልጸሉ ኢዩ። ኣፍ ደገ ምድሓን ብዓወት ንኽንሳገር ዘዐንቅፍ ዘበለ ንምእላይ መንፈሳዊ አዒንትና ኪርእያ ክኽእላ፣ ከምቲ ኣብ ጊዜ ልደት ጐይታና ኣብ ከባቢ ቤተልሔም ዝበርሀ ብርሃን ሎሚ ኣብ ልብና ከብርሆ ብምቝሉል መንፈሳዊ ህይወት ክንጽልን ክንምህለለን ይግባኣና። ሓዋርያ ያዕቆብ "… ኣምላኽ ንዕቡያት ይጻረሮም ንትሑታት ግና ጸጋ ይህብ። እምበኣርሲ ንኣምላኽ ተገዝእዎ። ንድያብሎስ ግና ተጻረርዎ እሞ ንሱ ካባኻትኩም ኪሃድም እዩ። ንኣምላኽ ቅረብዎ ንሱውን ኪቐርበኩም እዩ። ኣቱም ሓጥኣን ኣእዳውኩም ኣጽርዩ ኣቱም ሰብ ክለተ ልቢውን ልብኹም ኣንጽሁ (ያዕ 4፡6-8) ዝበሎ፣ ነዚ ኣምላኻዊ ስልጣን ገንዘቡ ክነሱ ስጋና ስጋ ኣዳም ለቢሱ ናባና ናብ ድኹማት ናብ ምድሪ ዝወረደ፡ "ዘውእቱ ኣምላክ ዘበኣማን ዘበነቢያት ኣቅደመ ተዐውቆ፡ ወበሐዋርያት ተሰብከ፡ ወእመላእክት ተኣኵተ፡ ወእምኀበ ኵሉ ተሰብሐ" ትርጉሙ "እቲ ብነቢያት ኣቐዲሙ ዝተፈልጠ፡ ብሓዋርያት ዝተሰብከ፡ ብመላእኽቲን ብዅሉን  ዝተመስገነ ንሱ ብሓቂ ኣምላኽ ኢዩ" (ትምህርተ ኅቡኣት) ተባሂሉ ዝምስከረሉ ጐይታ የሱስ ክርስቶስ፣ በየናይ ብርኪ ክንሰግደሉን፡ በየናይ ከናፍር መስዋእቲ ምስጋና ከነቕርበሉን፡ በየናይ ልቢ ከነምልኾን ከም ዝግባኣና ብምርዳእ ቃልና እንሕድሰሉ ጊዜ ኢዩ።

ልዕሊ ዅሉ ኣብዚ ዘሎናዮ ጨካን እዋን ነዛ ሰላምን ፍትሕን ግብሪ ጽድቂን ተሳኢኑዋ ዘሎ ዓለም ብፍላይ ድማ ሃገርና ኤርትራ፣ ብበትሪ ሓቂ ዝገዝእ "… ግሩም፣ መካር፣ ብርቱዕ ኣምላኽ ኣቦ ዘለኣለም፣ መስፍን ሰላም …" (ኢሳ 9፣6) ጐይታ ከም ዘሎዋ ብኽያት ኵሎም እቶም ውጹዓት፣ ብፍላይ ስለ ስሙ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝተሞቑሑ፣ ኣብ ስደት ከርተት ዝብሉ ዘለዉ፣ ብሰማዕትነት ዝሓለፉን፣ ብልቢ እናዘከርና፣ እቲ ዝበጽሖም ዘሎ ክርስቲያናዊ መከራ ዘሐብን እምበር ዘሕፍር ከም ዘይኮነ ሕጂውን ኣፍና መሊእና እንምስክረሉ ጊዜ ምዃኑ ዘይምርሳዕ።

ርሑስ በዓል ልደት ይግበረልና ኣምላኽ
ንቤተክርስቲያና ሰማያዊ ሰላምን ፍትሕን ይሃብ!

ኣሜን!

ቀሺ ሰመረ ስብሃቱ
ቤተክርስቲያን ቅድስት ሥላሴ ኤድመንተን፣ ካናዳ።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div