S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ንኹሉ ገጊዚኡ ኣለዎ ከም-ዝበሃል፥ ኣብዚ እዋን’ዚ ብዛዕባ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስቲያንና፥ ብዙሕ ክዝረብን ክጸሓፍን ይስማዕ ኣሎ። እቲ ምዝራብን ምጽሓፍን ግን ሕጂ ዝተጀመረ ኣይኮነን። በብእዋኑ ብዙሕ ክበሃል ጸኒሑ’ዩ። ዓገብ-!! ዝተባህለሉ ግዜ’ውን ውሑድ ኣይኮነን። ክሰምዕ ዝኽእል

እዝኒ ግን ክርከብ ኣይተኻእለን። ስለዚ ድማ’ዩ ጉዳይ’ዛ ጥንታዊት ዝኾነት ቤተ-ክርስቲያን’ዚኣ፥ ብቐጻሊ ዓቢይ መዛረቢ ኣርእስቲ ኮይኑ ዝርከብ ኣሎ። እቲ ዘሎ እኩብ ድምር ጸገማት መልሲ ክረክብ ክሳብ ዘይተኻእለ ከኣ፥ እቲ ብደቂ ቤተ-ክርስቲያን ዝግበር ኣውያት፥ ከቋርጽ ይኽእል’ዩ ዝበሃል ኣይኮነን። ከቋርጽ’ውን ኣይግብኦን።

ከም-ዝፍለጥ ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ እዋናት፥ እቶም ገዳማውያን-ኣቦታት ብዘልዓሉዎ ተሪር ተቓውሞ፥ እቶም ከም መንድዓት ኣብ ዝባን ቤተ-ክርስቲያን ተቐሚጦም ዝጸንሑ፥ ዮፍታሔ-ዲሜጥሮስን ሃብቶም-ርእሶምን ዝተባህሉ ክልተ  ውልቀ-ሰባት። ካብቲ ብቐጻሊ ከፍርሱዎን ከዕንዉዎን ዝጸንሑ ደምበ፥ ተደፊኦም ክወጹ ከም-ዝተገደዱ ብመራኸቢ-ብዙኃን ክንሰምዖ ጸኒሕና ኢና። እዚ ድማ ንቤተ-ክርስቲያንና ዓቢይ-ዓወት ስለ ዝኾነ፥ ብኹሉ ወገን “ኣሜን ወኣሜን” ዝብል ድምፂ ክቃላሕ ቀንዩዎ እዩ። እወ እዞም ከም ክልተ-ቁርዲድ ዝምሰሉ እኩያን፥ ነቲ ኩሉ ኣብዚ ዝሓለፈ ልዕሊ ዓሰርተ-ዓመት ክፍጸም ዝጸንሐ ዕንወት፥ ብሓላፍነት ዝሕተቱሉ ስለ ዝኾኑ፥ እቲ ናታቶም  ምውጋድ ከም ሓደ ዓቢይ-ጾር ካብ ዝባን ቤተ-ክርስቲያን ዝወረደ ጌርካ፥ ክውሰድ ዘይግብኦ ኣይኮነን።

ይኹን እምበር ብናይ’ዞም ዝተባህሉ ክልተ ውልቀ-ሰባት ካብቲ መንበረ-ፓትርያርክ ምውጻእ ጥራይ፥ እቲ ጸገም ተፈቲሑ ወይ እቲ ሕቶ መልሲ ተረኺቡዎ’ዩ ማለት ኣይኮነን። ከመይሲ ንሳቶም ክልቲኦም ሓደ ክፋል ናይቲ ጸገም ደኣምበር፥ ክሉ እቲ ጸገም ንሳቶም’ ዮም ነይሮም ክበሃል ዝከኣል ኣይኮነን። ስለዚ ሕቶ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ናይ “ ነፃነት” ሕቶ ደኣምበር፥ ውልቀ-ሰባት ሰጉጕካ ካልኦት ብምትካእ ዝግበር ጸወታ፥ ሕዝቢ-ተዋሕዶ ክቕበሎ ዝኽእል ከም-ዘይኮነ፥ እቲ ንቤተ- ክርስቲያን ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻሩ ሒዙዋ ዝርከብ ዘሎ ፖለቲካዊ-ኃይሊ፥ ክርድኦ ዘለዎ ሓቂ’ዩ በሃልቲ ኢና። ነዚ ሓቂ’ዚ ዘሊልካ ክኽየድ ዝኽእል ካልእ መንገዲ ምህላዉ ድማ ኣይረኣየናን።

ብዝተረፈ “ዓርኪ ሰባር ነቓዕ” ከም-ዝበሃል፥ ንዮፍታሔን ንሃብቶምን ሰጕጎም ካልኦት ንዓታቶም ዝመስሉ ካብ ጽርግያ ኣኻኺቦም  እንተ’ምጽኡ፥ ቤተ-ክርስቲያንና ንከምዚ ዝኣመሰለ ዓይነትን ጽሬትን ዘይብሉ ኣቕሓ መራገፊት ክትከውን፥ ሕራይ በሃሊት ከም-ዘይኮነት ክንገሮም ግቡእ’ዩ። ከመይሲ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስቲያን ናይ ሕዝቢ-ተዋሕዶ እምበር፥ ካልእ ዋንኣ’የ ክብል ዝኽእል ኣካል ዘለዋ ኣይኮነትን። ስለ-ዝኾነ ድማ መጻኢ ዕድላ ክውስን ዘለዎ፥ እቲ ብጸጋ-ጥምቀት ካብ ማሕፀና ዝተወልደ ሕዝቢ-ተዋሕዶ እምበር፥ ማንም ተላዒሉ ክሸይምን ክስዕርን ዝኽእል ኣካል ክህሉ፥ ማኅበረ-ምእመናን ተዋሕዶ ዘፍቅድ ኣይኮነን። እዚ መሰል’ዚ ከኣ ብኃይሊ ተመንዚዑ ክውሰድ ዘይከኣል ምዃኑ፥ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ክርአ ጸኒሑ’ዩ። ከምኡ እንተ-ዘይከውን ነይሩ ዮፍታሔ ዲሜጥሮስ፥ ካብ ብዙሓት መገባእያታት-ዓለም መንጸግትን ተነጽሎን ኣጋጢሙዎ ክስጎጕ ኣይምጸንሐን።

እዚ ድማ ዓቢይ ትምህርቲ ክኸውን’ዩ ዝግባእ ዝነበረ። እዚ ሕጂ ኣብ ኣሥመራ ክግበር ዝርአ ዘሎ፥ ኣብ ውሽጢ ጉዳይ ቤተ-ክርስቲያን ኢድካ ጣልቃ-ብምእታው ክግበር ዝድለ ጸወታ ግን፥ “-ሌባ! ሌባ! እንተበልዎስ፥ ልዋ ልዋ ዝበሉዎ ይመስሎ-” ከም ዝበሃል ክኸውን እንተ-ዘይኮይኑ፥ ቤተ-ክርስቲያን-ተዋሕዶ ትማሊ ብበዓል ዮፍታሔን ሃብቶምን ዝተመዝበረቶ ከይኣክል፥ ሕጂ ድማ ካብኣቶም  ዘይሕሹ ካልኦት ውልቀ-ሰባት ብምትካእ፥ ነቲ ክግበር ዝጸንሐ ፖሎቲካዊ-ጸቕጢ ክቕጽልዎ ምድላዮም፥ እቲ ሕጂ ኣብ ደምበ-ተዋሕዶ ተበጺሑ ዝርከብ ዘሎ ደረጃ ንቕሓተ-ሕሊና፥ እምበርዶ ክዕቅኑዎ ዘኽእል ሚዛን ኣለዎም’ዩ ዘየብል ኣይኮነን። ብዝተረፈ ሕዝቢ-ተዋሕዶ ማንም ኢዱ ዘይመልሰላ ነፃ ቤተ-ክርስቲያን ክትህልዎ ደኣምበር፥ ንዝኾነ ዝግበር ፖሎቲካዊ ጸቕጢ ተጻዊሩ ክኸይድ ዝደሊ ከም-ዘይኮነ፥ እቲ ብውሽጥን ብደገን ዝግበር ዘሎ ተቓውሞ እኹል መረድኢ’ዩ።

ብዝተረፈ እቲ ንልዕሊ ዕሥራ-ዓመት ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ክግበር ዝጸንሐ ፖሎቲካዊ-ጸቕጢ፥ እወንታዊ ውጽኢት ከምጽእ ከም-ዘይከኣለ እናተፈልጠ ከሎ፥ ነቲ ዝሓለፈ ጌጋታት ብምድጋም ነቲ ዋናን በዓል-ቤትን ዝኾነ ሕዝቢ-ተዋሕዶ ኣግሊሉ፥ እቲ ናይ ፖለቲካ-ኃይሊ ዝሽይምን ዝሥዕርን ኮይኑ ክርከብ፥ ብዝኾነ መዐቀኒ ቅቡል’ዩ ክበሃል ዝከኣል ኣይኮነን። እቲ ቅዱስ-ጽሑፍ’ውን “ናይ ቄሣር ንቄሣር፥ ናይ ኣምላኽ ድማ ንኣምላኽ” ብምባል ኣቐሚጡዎ ኣሎ። ኣብቲ ሕግን ሥርዓትን ዘለዎ ኩሉ ድማ፥ እዚ ደረት’ዚ ክጠሓስ ዝግብኦ ኣይኮነን። ኣባና ግን እቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ፖለቲካዊ-ኃይሊ፥ ነዚ ናይ ሕጊ ደረት’ዚ ኣኽብሮት ዘለዎ ኮይኑ ስለ-ዘይተረኽበ፥ እታ ቤተ-ክርስቲያን ብሳንቡእ-ፖለቲካ ከተተንፍስ ተፈሪዱዋ ትርከብ ኣላ። ብኸምኡ ክትቅጽል ትኽእል’ያ ዝብል እምነት ግን የብልናን።

ብዝኾነ እቶም ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ተመሪጾም ዝበሃሉ ዘለዉ፥ እንታዎት ምዃኖም ብዘየገድስ ሕዝቢ-ተዋሕዶ ክቕበሎም ይኽእል’ዩ ዝበሃል ኣይኮነን። ነቲ ምርጫ’ውን ኣፍልጦ ክህቦ ይኽእል’ዩ ኣይበሃልን። ከመይሲ ናቱ ውክልና ረኺቦም ዝተመርጹ ኣይኮኑን። በዚ ምኽንያት’ዚ ሕጊ ቤተ-ክርስቲያን ብምትሕልላፍ ዝተገብረ “ሹመት” እቲ ደምበ-ተዋሕዶና ናትና’ዩ ኢሉ ኣፍልጦ ዝህቦን ዝቕበሎን ኣይኮነን። ስለዚ’ውን እዚ ከምዚ ዝበለ ኣሠራርሓ ንልዕሊ ዕሥራ-ዓመት ዝተመኮርናሉን ዝላደናሉን ስለ ዝኾነ፥ በዚ ክዕሾን ክታለልን ዝኽእል ወዲ ቤተ-ክርስቲያን ዝርከብ ኣይመስለናን። የግዳስ እቲ ኣብ ልዕሊ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ዝጸንሖም ጌጋ ርድኢት፥ ክእርሙዎ እንተ-ዝኽእሉ ክንደይ ደስ ምበለና። ከመይሲ እዛ ቤተ-ክርስቲያን እዚኣ፥ ካብቲ ቅድሚ ዕሥራ-ዓመት ዝነበረቶ ብብዙሕ መዐቀኒ ፍልይ ዝበለት፥ ማለት ብኽብሪ ከጠምታ ዝኽእል ሞያዊ-ዓቕሚ ዘለዎ ውሉደ-ክህነት፥ ከተዋህልል ዝኸኣለት ምዃና ክፍለጥ ዘለዎ ኣገዳሲ ነጥቢ እዩ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ንእግዚኣብሔር ክብርን ምስጋናን ይኹኖ-!! ኣብ ዓለም-ለኸ መድረኻት ወጺኦም ክዋስኡ ዝኽእሉ፥ውሉደ-ክህነት ኣለዉና ኣብ እንብለሉ ደረጃ በጺሕና ንርከብ ስለ-ዘሎና፥ ንማንም ከነሸግር ድሌትና ኣይኮነን። ጉዳይ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ንሕዝቢ-ተዋሕዶ እምበር፥ ንማንም ካልእ ይምልከቶ’ዩ ክበሃል ኣይከኣልን። ስለ’ዚ ድማ ኢና እቲ ኣብዚ እዋናት’ዚ፥ ንቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ብዝምልከት ኣብ ኣሥመራ ዝግበር ዘሎ ጉባኤታት፥ ብተጽዕኖ-ፖለቲካ ይግበር ብምህላዉ ናትና’ዩ ኢልና ክንቅበሎ ዘይንደሊ። ከመይሲ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመታት ኩሉ፥ ኣብቲ መድረኽ ቤተ-ክርስቲያን ክዋስኡ ዝጸንሑ ናይዝጊ ክፍሉን ደራጎን ኃይለ-መለኮትን እዮም። ሕጂ ድማ እቶም ነቲ መድረኽ ተቘጻጺሮሞ ዘለዉ፥ ኣብርሃ ካሣን ሠመረ በይንን ምዃኖም’ዩ ዝንገረና ዘሎ። ነዚ ኸኣ ብዝኾነ ተኣምር ሕዝቢ ተዋሕዶ ክቕበሎ ይኽእል’ዩ ዝበሃል ኣይኮነን።

ርግጽ’ዩ ንከም በዓል ኣቡን-ሉቃስ ዝኣመሰሉ ሒዝካ፥ ብዙሕ ክፍተን ይከኣል ይኸውን’ዩ። እዚ መንገዲ’ዚ ግን ከኽይድ ዝኽእል መንገዲ ኣይኮነን። ከመይሲ ሕዝቢ-ተዋሕዶ እዚ ጸወታ’ዚ ከብቅዕ ኣለዎ’ዩ ዝብል ዘሎ። ንበዓል ኣባታት መጋበሪ ብምግባር ብዙሕ ክግበር ከም-ዝጸንሐ ዝፍለጥ’ዩ። እዚ ግን ትማሊ እምበር ሎሚ ክሠርሕ ዝኽእል ኣይኮነን። ከመይሲ ከምቲ ኣቐዲምና ዝበልናዮ ጉዳይ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ፥ ንሕዝቢ-ተዋሕዶ ጥራይ’ዩ ዝምልከት፥ ብሕዝቢ ተዋሕዶ ጥራይ’ውን ይውሰን። ዝሰምዕ እዝኒ ስለ-ዝተሳእነ እንተ-ዘይኮይኑ ኣብ 1989 ዓ/ም(1997) ኣቢሉ’ውን፥ እቶም ዓቢይ ናይ ቤተ-ክርስቲያን ኣቦ፥ ብፁዕ ኣቡነ-መቃርዮስ ገና ካብ ኣሥመራ ከይወጹ ከለዉ፥ ዝተዛረቡዎ ዘረባ ምንባሩ ክዝከር ግብእ’ዩ። ንሱ ድማ “ታተ እናበለ ዘሳልየና እምበር፥ ክሕንግረኩም ዝብለና ኣየድልየናን እዩ” ብምባል፥ ንናይ ፖለቲካ ኢድ ምእታው ከም-ዝተቓወሙዎ ዝፍለጥ እዩ።

ብተወሳኺ እቲ ካብ 2 ክሳብ 8 ሓምለ 2014፥ ኣብ ጀነቫ ስዊስ-ዘርላንድ ተጋቢኡ ዝነበረ፥ ናይ ዓለም ኣብያተ-ክርስቲያናት ጉባኤ። ንናይ ኤርትራ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስቲያን ብዝምልከት፥ኣብ ኣጀንዳ ኣእትዩ ከም-ዝተዘራረበሉን፥ ብፁዕ ወቅዱስ ፓትርያርክ ኣቡነ-እንጦንዮስ ካብ ማሕዩር ክልቀቑን ከም-ዝጸውዐ ዝፍለጥ እዩ። እዚ ኩሉ’ዚ ከኣ ከም-ዘይሰማዕካ ኮንካ ክሕለፍ ዝከኣል ኣይኮነን። ሕዝቢ-ተዋሕዶ’ውን እዚ ሕቶ’ዚ ክምለሰሉ ደኣ’ዩ ዝጽበ ዘሎ እንበር፥ ሕጂ ከም-እንደገና እቶም ሰብ-ፖለቲካ ነቲ መድረኽ ቤተ-ክርስቲያን፥ ዝቈጻጸሩዎ ኮይኖም ክርከቡ ዝሰማማዓሉን ዝደልዮን ከም-ዘይኮነ ክፍለጥ ይግባእ።

ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ ዕሥራ-ዓመት፥ ኣብ ቤተ-ክርስቲያንና ዝተፈጸመ ግህሰተ-ሕጊ፥ ብውሑዳት ቃላት ገሊጽካ ይውዳእ’ዩ ዝበሃል ኣይኮነን። ሕጂ እቲ ጌጋ’ቲ መሊሱ ክድገም ዝደልዮ ዋላ ሓደ’ኳ የልቦን። ስለ-ዝኾነ ድማ ሕጂ እዚ መሰል’ዚ ክኽበረልና ከም-እንደሊ፥ ተቢዕና ብምቅላስ ከነረጋግጾ ክንክእል ኣሎና። ብዝተረፈ ንኹሉ እወ! ንኹሉ ከኣ ሕራይ! እናበልካ ክኽየድ ዝጸንሐ መንገዲ፥ ኣብ ልዕሊ’ቲ ቅዱስ-ሃይማኖትና እንታይ ሳዕቤን ከም-ዘኸተለ ብግልጺ ዝርአ ዘሎ እዩ። እቲ ዝሓለፈ ከይኣክል ድማ፥ ሕጂ’ውን እቲ መድረኽ ቤተ-ክርስቲያን ዝዋስኡሉ ዘሎዉ፥ ንሳቶም እቶም ናይ ትማሊ እዮም። ስለዚ እቶም ትማሊ ዘፍረሱን ዘዕነዉን ሕጂ ሓነፅቲ ኮይኖም ክርከቡ ስለ-ዘይክእሉ፥ ይኣክል-!! ምባል ክንክእል ኣሎና። ብዝተረፈ እቲ ዋናን በዓል ቤትን ዝኾነ ሕዝቢ-ተዋሕዶ ከሎ፥ በዓል ኣቡን-ሉቃስ ዝዕንድሩሉ መድረኽ ክህሉ ኣይግባእን። ስለዚ’ውን እቶም ብውሽጢ ኮይኖም ዝቃለሱ ዘለዉ ገዳማውያን-ኣቦታት፥ እቲ ቃልሲ ክዕወት እንተ-ደኣ ኮይኑ፥ ሓገዝ ኩላትና ደቂ ቤተ-ክርስቲያን ከም-ዘድሊ ክንዝንግዕ የብልናን።

እግዚኣብሔር ዝተመስገነ ይኹን!!


ካህን ተክለማርያም ምርካጽዮን
ናይ ኤውርጳ ሃገረ-ስብከት ሊቀ-ካህናት

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div