መሰረት ኵሉ ናብራኻ ማለት ኣገልግሎትካን ኵሉ ግብርኻን ብፍቕሪ እዩ ክኸውን ዘለዎ። ምኽንያቱ ፍቕሪ መደምደምታ ኵሉ ትእዛዝ ስለ ዝኾነት። ብዘይ ፍቕሪ ኵሉ ንብረትካ ንድኻታት እንተ ሃብካ፡ ስጋኻውን ንምንዳድ ኣሕሊፍካ እንተ ሃብካ፡ ካልእ ንእኡ ዝመስል ተግባራት እንተ ፈጸምካ'ውን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሚዛን ኣየውህበካን እዩ። ስለዚ ብፍቕሪ ምግልጋልና ንኣና ኣብ ኣምላኽ ምህላውና ውሕስነት ዘውህበናን፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ድማ ምኡዝ መስዋእቲ ከነቕርብ እንኽእለሉን ምዃኑ ፈሊጥና እንገብሮ ኵሉ ኣብ ፍቕሪ ዝተሞርኮሰ ምዃኑ ብምርዳእ ክንፍጽሞ ይግባእ። (ማቴ 7፡22-23፣ ፊሊ 1፡16-17፣ 1ቈረ 13፡1-3)
ኣስተንትን
1. እትገብሮ ዕዮ ዅሉ ካብ ፍቕሪ ዝተበገሰ ድዩ፧
2. ካብ ፍቕሪ ወጻኢ ዝግበር ኣገልግሎት እንታይ ሳዕቤን ኣለዎ፧
3. ንማሕበር ኤፌሶን ነታ ቐዳመይቲ ፍቕርኻ ሓዲግካያ ክብሎ ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧
ድርኺት ናይ ኵሉ ኣገልግሎትና፡ ንኣምላኽ ዘለና ፍቕሪ ክኸውን ንጸሊ።
ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላከ ኣበዊነ።
መህ
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ