S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ንውሉድካ ብኸመይ ጌርካ ተዕብዮም ኣለኻ፧

“ኣቱም ኣቦታትውን፡ ነቶም ውሉድኩም ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን ደኣ ኣዕብይዎም እምበር ኣይተዀርይዎም።” (ኤፌ 6፡4)

ሓደ መዓልቲ ኣብ ጐረቤትና ብርቱዕ ኣውያት ምስ ተሰምዐ፡ ክንረድእ ምስ ሓደ ብጻየይ ተጓይና ከድና፡ እንተ ርኣናስ ሓደ ፍርዙን ወዲ ንኣዲኡ ብኽሳዳ ሓኒቑ የጣርዓ። ምናልባት ንምንታይ ከምዚ ይኸውን፧ እዚ ሞት ይግብኦ መርገም እዩ ንብል ንኸውን። ወላዲ ኣብቲ ዝግብኦ ዕድመ ንውሉዱ እቲ ክገብሮ ዝግብኦ መንፈሳዊ ሓላፍነት እንተ ደኣ ዘይገይሩ፡ ንመጻኢ ሓጢት ምኽንያት ዝኾኑ፡ ኣንጻር ኣምላኽን ጽድቕን ዝቓለሱ ደቂ ብልያል የዕቢ ምህላው ክግንዘብ ይግብኦ። እዞም ኣብ ብዙሕ ከባቢ ንሰባት ዝርብሹ ዘለው እኳ፡ ኣብቲ ዝግብኦም ዕድመ ተግሳጽን ማዕዳን ስለ ዘይረኸቡ እዮም። ኣምላኽ ከኣ ውሉድ ብምውላድና ዘይኮነስ ናይ ብሓቂ ነቲ ውሉድ ዘርኢ ኣምላኽ ጌርና ብምርኣይናን ንእኡ ዝበቅዕ ጌርና ብምዕባይናን እዩ ዝሕጐስ። ስለዚ ንደቅና ኣብ ኢድና ከለው ብፍላይ ኣብቲ ክሰምዑና ዝኽእሉ ዕድመ፡ ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ማዕዳን ከነዕብዮም ግቡእና እዩ። እዚ ምግባር እንተ ረሲዕና ግና ከምቲ ኣብቲ መእተዊ ጽሑፍና ዝረኣናዮ ከጋጥመና ዝከኣል ነገር እዩ። (ምሳ 22፡6፣ ምሳ 15፡20፧ ዘዳ 6፡7)

ኣስተንትን

1. ኣምላኽ እንታይ ስለዝደለየ እዩ ውሉድ ሂቡካ፧

2. ንውሉድካ መደብ ጌርካ ተገልግሎዶ፧

3. ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እዙዛትን ዘይእዙዛትን ውሉድ ዘርዝር፧

ጐይታ ንዅሉ በቲ ንሱ ዝሓስቦን ዝርእዮን ክንሓስብን ክንርእን ክረድኣና ንጸሊ።

ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላከ ኣበዊነ።

መህ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div