“ኣቱም ኣቦታትውን፡ ነቶም ውሉድኩም ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን ደኣ ኣዕብይዎም እምበር ኣይተዀርይዎም።” (ኤፌ 6፡4)
ሓደ መዓልቲ ኣብ ጐረቤትና ብርቱዕ ኣውያት ምስ ተሰምዐ፡ ክንረድእ ምስ ሓደ ብጻየይ ተጓይና ከድና፡ እንተ ርኣናስ ሓደ ፍርዙን ወዲ ንኣዲኡ ብኽሳዳ ሓኒቑ የጣርዓ። ምናልባት ንምንታይ ከምዚ ይኸውን፧ እዚ ሞት ይግብኦ መርገም እዩ ንብል ንኸውን። ወላዲ ኣብቲ ዝግብኦ ዕድመ ንውሉዱ እቲ ክገብሮ ዝግብኦ መንፈሳዊ ሓላፍነት እንተ ደኣ ዘይገይሩ፡ ንመጻኢ ሓጢኣት ምኽንያት ዝኾኑ፡ ኣንጻር ኣምላኽን ጽድቕን ዝቓለሱ ደቂ ብልያል የዕቢ ምህላው ክግንዘብ ይግብኦ። እዞም ኣብ ብዙሕ ከባቢ ንሰባት ዝርብሹ ዘለው እኳ፡ ኣብቲ ዝግብኦም ዕድመ ተግሳጽን ማዕዳን ስለ ዘይረኸቡ እዮም። ኣምላኽ ከኣ ውሉድ ብምውላድና ዘይኮነስ ናይ ብሓቂ ነቲ ውሉድ ዘርኢ ኣምላኽ ጌርና ብምርኣይናን ንእኡ ዝበቅዕ ጌርና ብምዕባይናን እዩ ዝሕጐስ። ስለዚ ንደቅና ኣብ ኢድና ከለው ብፍላይ ኣብቲ ክሰምዑና ዝኽእሉ ዕድመ፡ ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ማዕዳን ከነዕብዮም ግቡእና እዩ። እዚ ምግባር እንተ ረሲዕና ግና ከምቲ ኣብቲ መእተዊ ጽሑፍና ዝረኣናዮ ከጋጥመና ዝከኣል ነገር እዩ። (ምሳ 22፡6፣ ምሳ 15፡20፧ ዘዳ 6፡7)
ኣስተንትን
1. ኣምላኽ እንታይ ስለዝደለየ እዩ ውሉድ ሂቡካ፧
2. ንውሉድካ መደብ ጌርካ ተገልግሎምዶ፧
3. ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እዙዛትን ዘይእዙዛትን ውሉድ ዘርዝር፧
ጐይታ ንዅሉ በቲ ንሱ ዝሓስቦን ዝርእዮን ክንሓስብን ክንርእን ክረድኣና ንጸሊ።
ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላከ ኣበዊነ።
መህ
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ