S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ዓሰርተ መነኮሳት ገዳማት ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ሰጊሮም

ዓሰርተ መነኮሳት ገዳማት ኤርትራ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙናት ናብ ኢትዮጵያ ከምዝሰገሩ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ። ነቲ ብመራሕቲ ገዳማት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኣቶ ዮፍታሄ ድሜጥሮስን ጸሓፊኡን ዝተወሰነ ውግዘት፥ ንስኻትኩም ኢኹም ኣለዓዒልኩሞ ብዝብል ምኽንያት መንግስቲ ኤርትራ ንኽኣስሮም ይደናደን ከምዘሎ ምስ ኣረጋገጹ ናብ ኢትዮጵያ ክስደዱ ከምዝተገደዱ ገሊጾም። እቶም ዓሰርተ መነኮሳት ገዳማት ኤርትራ ፥ ካብዘን ዝሰዕባ አድባራት ዝተሰዱ እዮም።

ሰለስተ መነኮሳት ካብ ገዳም ጻዕዳ እምባ

ሰለስተ መነኮሳት ካብ ገዳም ኣቡነ ሊባኖስ ሃም

ክልተ መነኮሳት ካብ ገዳም ኣቡነ ኣብራንዮስ

ሓደ መነኮስ ካብ ገዳም ኣቡነ ቡሩኽ

ሓደ መነኮስ ካብ ገዳም ኣቡነ ዮናስ ቆሓይን እዮም።

ሌላ ምስ እዞም ዝተጠሱ ገዳማት 

  1. ገዳም ጻዕዳ እምባ ንከተማ ከረን ሓሊፍካ ቍልቍል ጥንቁልሓስ ምስ ወዳእካ ኣብቲ ሰንሰለታዊ ጎቦታት ደቡባዊ ምዕራብ ይርከብ
  2. ገዳም ኣቡነ ሊባኖስ ሃም ካብ ከተማ ኣስመራ ብወገን ደቡብ ብገምጋም ኣስታት 160 ኪ.ሜ ኣቢሉ ኮይኑ፡ ኣብ ዞባ ደቡብ ከባቢ ን/ዞባ ሰንዓፈ፡ ካብ ሰርሓ ንወገን ምዕራብ ተደኲኑ ይርከብ።
  3. ደብረ ጥሉል ተባሂሉ ዝጽዋዕ ገዳም ኣቡነ ኣብራንዮስ ኣብ ኣውራጃ ሰራየ፣ ወረዳ ደቂ-ድግና (ንኡስ ኣውራጃ መንደፈራ) ዝተደኰነ፣ ካብ ተራ-እምኒ ከባቢ 15 ኪሎ ሜትር ርሒቁ ብሸነኽ ደቡባዊ ምብራቕ ይርከብ።
  4. ገዳም ኣቡነ ቡሩኽ ካብ ኣስመራ ብሸነክ ደቡብ ኣቢሉ ካብ መንደፈራ ንኩዶ ኣብዑር ምስ ተጓዓዝካ ናይ ቁሩብ ሰዓታት ናይ እግሪ መንገዲ ዘለዎ ጥንታዊ ገዳም እዩ
  5. ገዳም ኣቡነ ዮናስ ቆሓይን ዝርከበሉ ቦታ ኣብ ኣውራጃ ሰራየ ንኡስ ኣውራጃ ዓዲ-ዃላ ቆሓይን እዩ። ኣብ መበል 15 ክፍለ ዘመን ድማ ተደኲኑ።

ምስ ገዳማት ኤርትራ ንምልላይ ኣብዚ መላግቦ'ዚ ተውከስ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div