S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

እዚ ዘለኻዮ ጊዜ ተዛኒኻ ትሓልፎ ጊዜ ድዩ?

“. . . ጊዜኡ ድዩ?” (2 ነገ 5፡26)

ከም ሰብ ትዛናግዓሉ፡ ተዕርፈሉ፡ ትድቅሰሉ ምስ መቕርብካ እተዕልለሉን እትዛወረሉን ጊዜ የድልየካ እዩ። እንተኾነ ግን ነዞም ዘድልዩኻ ነገራት ንኸተጉድል ወይውን ንኽትስርዝ ዝቕስቡኻ ጊዚያት ኣለዉ። ንኣብነት ተማሃራይ እንተኾይንካ ኣብቲ ጽንክር ዝበለ ናይ መጽናዕቲ ጊዜኻ ንገሊኦም መደባትካ ጨሪስካ ክትስርዞም ከለኻ ንገለ ከም ናይ ድቃስ ጊዜኻ ዝኣመሰሉ ከኣ ተጉድሎም ኢኻ። እንተ ዘይኮይኑ ክትዕወት ኣይትኽእልን ኢኻ። ከም ተማሃራይ እቲ ጊዜ እቲ እትዛነየሉ ጊዜ ኣይኮነን። ተመሳሳሊውን ትጉህ ሰራሕተኛ እንተደኣ ኾይንካ ኣብ ጊዜ ስራሕ ትሰርሕ እምበር ኣይተዕልልን ወይውን ኣይትዛናጋዕን ኢኻ።

ሓደ ጊዜ ንጉስ ዳዊት ህዝቡ ኣብ ኩናት ኣብ ዝነበረሉ ጊዜ፡ ንሱ ተዛንዩ ይዛወር ነበረ። ከምቲ ኣብቲ ጽሑፍ እንርእዮ ከኣ ኣብ ሓጢኣት ወዲቑ። ብኣንጻሩ ከኣ ኡርያ ካብ ኩናት ተጸዊዑ ምስ መጸ እሞ ናብ ቤቱ ክወርድ ምስ ተነግሮ፡ ታቦትን እስራኤልን ይሁዳን ኣብ ጐጆታት ይነብሩ ኣለው፡ ጐይታይ ዩኣብን ገላው ጐይታይን ከኣ ኣብ ጻሕጻሕታ መሮር ሰፊሮም ኣለው። ኣነዶ ክበልዕን ክሰትን ምስ ሰበይተይ ክድቅስን ኢለ ናብ ቤተይ ክኣቱ ... እዚ ነገር እዝስ ኣይገብሮን እየ” (2 ሳሙ 11፡11) ብምባል ንቤቱ ምኻድ ከም ዝኣበየ ንርእይ። ሓቁ እዩ፡ እቲ ጊዜ እቲ እትዛነየሉ ጊዜ ኣይነበረን። ሎሚውን ንሕና ጊዜና ከነለሊ ይግብኣና እዩ። ተዛኒኻ ትሓልፎ ጊዜ ድዩ? ብዙሕ ክንገብሮ ዝግብኣና፡ ብዙሓት ናብ መገዲ ብርሃን ክንመርሖም ዘለና፡ ገለውን ደገፍና ዝደልዩ ሰንከልከል ዝብሉ ኣሕዋት፡ ሓለዋና ዘድልዮ ህዝቢ፡ ብዓቢኡ ከኣ ከይትማስን ክንጽግና ዘለና ቤት መቕደስ እናሃለወትና ክንድቅስን ክንዛነን ጊዜና ኣይኮነን። (መክ 3፡1-8፣ ሃጌ 1፡3-4፣ ሮሜ 13፡11)

ኣስተንትን

1. ዘመኖም ብዝግባእ ኣለልዮም ዝሓለፉ ብዓል መን ትዝክር?

2. ጊዜኻ ከመይ ዝበለ ጊዜ'ኮን ይኸውን? ከመይ ኢልካ'ኸ ትመላለስ ኣለኻ?

ኣምላኽ፡ ንዘመንና ከነለልን ከምቲ ክንነብሮ ዝግብኣና ክንነብርን ብጸጋኡ ክድግፈና ናብ እግዚኣብሔር ንጸሊ።

ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላከ ኣበዊነ።

መህ 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div