S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ሓድሽ ዘመን ሰላምን ዕረፍትን ይግበረልና

ሕርይቲ ዓመት እግዚኣብሔር! (፳፻፯ - 2007 ዓ.ም)
ካብ እግዚኣብሔር ኣቦናን ካብ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ንነፍሲ-ወከፍኩም ኣብ ዘዘሎኹሞ ይብጻሕኩም። ቀጺልና፡ እንቋዕ እግዚኣብሔር ናብ ብሩኽ በዓል ቅዱስ ዮሓንስን ናብ ሓድሽ ዓመት ዘመነ ሉቃስን (፳፻፯ - 2007 ዓ.ም ግእዝ) ብሰላም ኣብጽሓና።

ክቡራን ህዝበ-ክርስቲያን !

ብዙሓት ሰባት ንሓድሽ ዓመት ብዓቢይ ሃረርታን ተስፋን እዮም ዝጽበይዋ ምኽንያቱ ናይ ጊዜ ምቅይያር ንኹሉ ጉዕዞ ሕይወት ወዲ-ሰብ ስለዝትንክፎ። በዚ መሠረት ወላኳ እዘን ዝሓለፋ ዓመታት ከቢድ ፈተናን ጸገማትን፥ ብዙሕ ስደትን ሞትን ዝረኣናለን ናይ ቃንዛን ስያትን እዋናት እንተ ነበራ “ወተፈሣሕነ ህየንተ መዋዕል ዘኣሕመምከነ” ማለት “ብመጠን እተን ዘጨነቕካና መዓልታትን ክፉእ ዝርኤናለን ዓመታትን ኣሓጕሰና” ከም ዝበለ ንጉሥ ዳዊት (መዝ 90፡15)፡ 

ዓመታት ጸበባ ጭንቀት ብራህዋ ቅሳነት ከምዝትካእ 

ዓመታት ባእስን ጥልመትን ሓሊፉ፥ ሓድሽ ዓመት ፍቕርን ስኒትን ከም ዝመጽእ፥

ዓመታት ጓህን ንብዓትን ተወዲኡ፥ ሓድሽ ዓመት ሓጎስን በረኸትን ከም ዝእወጅ፥

ዓመታት ግፍዕን ማእሰርትን ኣኽቲሙ፥ ሓድሽ ዓመት ፍትሕን ነጻነትን ከም ዝነግሥ፥

ዓመታት ስደትን ሞትን ኣብቂዑ፥ ሓድሽ ዓመት ምትእኽካብን ክብረትን ከም ዝሰፍን፥ ሠናይ መደብ ኣምላኽና ምዃኑ ኣርጊጽና ንፈልጥ

ምኽንያቱ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ንድኻታት ከበሥሮም ስለ ዝቐብኣኒ፥ ንምሩኻት ምምላስ፥ ንዕዉራት ምርኣይ፥ ንግፉዓት ምውጻእ ሓራ ከበሥር፥ ሕርይቲ ዓመት እግዚኣብሔር ክሰብኽ ለኣኸኒ” ዝበሎ ህያው ቃል (ሉቃስ 4፡18-19)፥ ንሕና እቶም ብስሙ ኣሚንና ክርስቲያን ዝተሰመና፥ ብሰማያዊ ፍቕሩ ከኣ ምሕረትን ድሕነትን ዝረኸብና ሰዓብቱ፡ ብድሕሪ ጸልማት ብርሃን፥ ብድሕሪ ሞት ምድኃን ከም ዝረኸብና ስለ እንፈልጥ፥ ነዛ ንጅምራ ዘሎና ሓዳስ ዓመት (፳፻፯ - 2007 ዓ.ም) “ሕርይቲ ዓመት እግዚኣብሔር!” እናበልና፥ ኩሎም እሱራት፡ ሓርነት፥ ግፉዓት ሰብኣዊ ክብረት ዝረኽቡላ ዓመት፥ ናይ ዕርቅን ሓቅን ሠናይ ዘመን ከምዝገብረልና ኣብቲ እሙን እግዚኣብሔር ኣምላኽ፡ ርጉጽ እምንቶ ኣለና። ሓንትስ፡ እግዚኣብሔር ገጹ ናባና ምእንቲ ክምልስ፥ ኩሉ ጾር ሕማምና ክፍውስ፥ ፍትሕን ሰላምን ኣብ ሃገርና ከንግሥ፥ ትእዛዝ ኣምላኽ ነኽብር ንሕድሕድና ድማ ንፋቐር

ብተወሳኺ፡ እግዚኣብሔር ዝሃበና ጊዜ (ዕድመ) ሰማያዊ ህያብን ሕድርን ምዃኑ ተረዲእና፥ ንኣምላኽ ከነመስግነሉ፥ ሠናይ ግብሪ ክንሰርሓሉ፥ ብሓቅን ጽድቅን ክንነብር መንፈሳዊ ግቡእና ምዃኑ ክንዝንግዕ ኣይግባእን። ምኽንያቱ ኣምላኽ ኣብ ዕድመና ሓደ ዓመት ክውስኸና ከሎ፥ እቲ ድሩት ምድራዊ ዘመንና እናተወደአ፥ ናብታ ሰማያዊት ቤትና ከኣ ኣጸቢቕና ንቐርብ ከም ዘሎና ኣይንረስዕ።

ስለዝኾነ: ነታ ትመጽእ መንግሥቲ-ኣምላኽ ብዓወት ምእንቲ ክንወርሳከም ቅዱስ ዮሓንስ ምእንቲ ሓቅን ሕግን ብጽንዓት ደው ክንብል፥ ምስቶም ዝሕጎሱ ክንሕጎስ፥ ምስቶም ዝሓዝኑ ክንሓዝን፥ ስለቶም ዝተኣስሩ ክንልምን፥ ብንስሓን ጸሎትን ንንቃሕ። “ነቲ ዝተዋህበኩም ግዜ ብምልኡ ኣብ ረብሓ እናውዓልኩም፡ ከም ዓያሹ ዘይኮነስ ከም ለባማት ንበሩ” (ኤፈ 5፡15) ዝብል ህያው ቃል እናዘከርና ድማ ኣብ ህይወትና ነተግብሮ። ልዑል እግዚኣብሔር ንመከራና ወዲኡ: ዘመን ሰላምን ዕረፍትን ይሃበና። ብሩኽ ሓድሽ ዓመት ድማ ይግበረልና። ኣሜን።

ሰላም ክርስቶስ ኣብ ልብኹም ይንገሥ!(ቆላ 3፡15)

መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት፡
ሰሜን ኣሜሪካ ፥ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን
፩ መስከረም ፪፻፯ ዓ.ም ግእዝ (11 መስከረም 2014)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div