S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን።
ምስ ኦርቶዶክሳዊት / ግብጺ ብዝተበጽሐ ስምምዕ መሠረት፡ ካብ ኮለጅ . ኣትናቴዎስ እንዳተመረቑ፡ ኣብቲ ናይ ኤርትራ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ ቦኽሪ ኮለጅ "ስነ-መለኮት ተዋሕዶ" ብደረጃ ምምህርናን ምምሕዳርን ዘገልግሉ ምሁራት ስነ-መለኮት ካህናት፡ ዲያቆናትን ኣሓት ደቂ ቤተክርስቲያንን ቁጽሮም ይውስኽ ኣሎ።

ክሳብ ሎሚ 12 ካህናት፡ ዲያቆናትን ኣሓት ደቂ ቤተክርስትያን ካብ ብፁእ ኣቡነ ዮሴፍ፡ ናይ ኮለጅ ኣትናቴዎስ ዲን (dean)፡ ቀዳማይ ዲግሪ ተቐቢሎም ኣሎዉ። ከምቲ ቅዱስ ጽሑፍ "ህዝበይ ሰኣን ፍልጠት ይጠፍእ። ፍልጠት ስለዝኣበኻ፥ ኣነ ድማ ካህን ኮይትኾነኒ ኪኣብየካ እየ።" ሆሴእ 4ዝብሎ ጠንቂ ናይ ውህሉልን እዋናውን ሽግራት ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ፡ ጉድለት ትምህርቲ ምዃኑ ብምርዳእ፡ ካብ ጽባሕ ናይቲ ኣብ መፋርቕ 2005 .ፈረንጂ ኣብ ቤተክርስትያንና ዝወረደ ሓደጋ ጀሚሮም ትምህርቶም ኣብ ምክትታል ዝጸንሑ ውሉደ ክህነትን መማህራን ቤት ትምህርቲ ሰንበትን እቶም ቀዳሞት ናብቲ ብሃገረ ስብከት መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ ዝምእከል፡ ኣብ ታሪኽ ቤተክርስትያን ኤርትራ ቦኽሪ፡ "ኮለጅ ስነ መለኮት ተዋሕዶ" ብዝተፈላለየ ደረጃ ዘገልግሉ ልዑል ዘመናውን መንፈሳውን ትምህርቲ ዝቐሰሙ ደቂ ቤተክርስትያን እዮም። ብሓደስቲ ተመሃሮ እንዳተተክኡ ቁጽሮም ይውስኽ ኣሎ።

ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ከምዚ ሎሚ ኣብ ኢድ ፖለቲከኛታት ወዲቓ፡ ሕጊ ቤተክርስቲያን ግሂሳ ኣብ ፍጹም ተነጽሎን ነውጽን ከይኣትወት፡ ካብ ጽባሕ ነጻነት ሃገርና ጀሚራ፡ መነኮሳት ኣብ ግብጺ ሰልጢኖም ናብ ማዕርገ ጵጵስና በጺሖም እዮም። ብተወሳኺ፡ ውሉደ ክህነት'ውን ሰልጢኖም ነቲ ብፖፕ ሽኖዳን (ፓትርያርክ ግብጺ ዝነበሩ) ንጦንዮስን (3 ፓትርያርክ ቤተክርስትያን ኤርትራ) እምነ-መሠረት ዝተነብረሉ ኮለጅ ስነ-መለኮት (ኣብ . ሥላሴ ዕዳጋ ሓሙስ ዝርከብ) መማህራንን ኣመሓደርትን ኮይኖም ከገልግሉ እዩ ኔሩ እቲ ትጽቢት። እዚ ኩሉ ግን በቲ ኣብ ሃገርና ሰፊኑ ዘሎ ዘይንቡር ህይወት መኺኑ ተሪፉ።

ኣብዚ ናይ ጽልግልግ እዋን እዩ እምበኣር ካብታ መሪሕን ኣብነትን ኪትከውን እትኽእል ቤተክርስቲያን ተዋሕዶ ግብጺ ዓሚዩቕ ፍልጠትን ግብራዊ ተሞክሮን ቀሲሞም ነታ ናይ ጽባሕ ኣብ ፍትሓዊትን ሰላማዊትን ሃገርና ኤርትራ ዳግማይ እትትስእ ቤተክርስትያንና ዘገልግሉ ምሁራት ዝፈርዩ ዘሎዉ። እዚ ነታ ኣብ ፈተናን መከራን ዘላ ቤተክርስትያንናን፡ ነቶም ኣብ ክንዲ ዘገልገሉን ዝደኸሙን ዘይኢዶም ረኺቦም ምድራዊ ፍትሒ ተነፊግዎም ኣብ ማሕይር ዝርከቡ ፓትርክ ንጦንዮስን ምሁራት ውሉደ-ክህነትን ዓብዪ ተስፋ ዝህብ ዜና ምዃኑ ርዱእ እዩ።

ቅዱስ እንጦንዮስ 3ይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ብጥዕና ይሓልወልና!
ንብፁእ ኣቡነ መቃርዮስ ኣብ ዕዮኦም ዓወትን ኣሳልጦን ይሃብ!
እግዜኣብሔር ንቤተክርስትያንናን ሃገርናን ሰላሙ ይሃብ!

ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ፡
ህዝባዊ ርክባት መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div