S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ሥርዓተ ክህነት

ክህነት ኣብ ሰለስተ ዓበይቲ መዓርጋት ይኽፈል።

  1. ሥርዓተ ዲቁና
  2. ሥርዓተ ክህነት
  3. ሥርዓተ ጵጵስና

ዲያቆን ማለት ኣገልጋሊ ማለት እዩ 
ካህን ማለት መምህር ማለት እዩ
ጳጳስ ማለት ጓሳ ወይ ኣማሓዳሪ ማለት እዩ

ካህናት ብቤተ ክርስቲያን ተመሪጾም ክሽየሙ ኣለዎም ዝተባህለሉ ምኽንያት፡ እቲ ኣዝዩ ዝኸበደ ስራሕን ሓላፍነት ክርስቶሳዊ ሓደራን ትእዛዝን ኣብ ልዕሌኦም ስለ ዘሎ እዩ። ክርስቶስ ንሓዋርያት ካብ ካልኦት ሓርዩ ዝመረጾም ስለስተ ዓበይቲ ተግባራት ክፍጽሙ ኢሉ እዩ።

ቀዳመይ  “ኪዱ’ሞ መሃሩ” ዝብል ትእዛዝ ትምህርተ ወንጌል ንኹሉ ሰብ ዘበለ ስለ ዘድልዮ፡ ወንጌል ጥዑም ዜና መሰረተ ኩሉ ነገር ከም ዝዀነ የረድእ። (ማቴ፡ 28፡19-20) ስለዚ መጀመርታ ተግባር ካህን ጸሎትን ተጊሁ ቓል እግዚኣብሔር ክምህርን እዩ። ስለዚ ድማ እዮም ሓዋርያት ስራሕ መኣድን ካልእ ስራሕን ነቶም ዝሾምዎም ዲያቆናት ሂቦምዎም፡ “ንሕና ግና ጸሎትን ኣገልግሎት እዚ ቓል እዝን ከየብኰርና ንዝ፡ ዝበሉ። (ግብ፡ 6፡1-4)።

ካልኣይ ተግባር ካህን ድማ “ሓጢኣቶም ንዝሐደግኩምሎም ኪሕደገሎም፡ ንዘይሓደግኩምሎም ግና ኣይሕደገሎምን እዩ” (ዮሃ፡ 20፡23) ከም ዝበለ፡ ንህዝቢ ምስ እግዚኣብሔር ምትዕራቕን መገዲ ቅድስና ምምሃርን እዩ (ዮሃ፡20፡23) እዚ ማለት ምሥጢራተ ቤተ ክርስቲያን ምፍጻምን መንፈሳዊ ኣገልግሎትን ንኹሎም ምእመናን ከም ዝባጻሕ ምግባርን እዩ።

ሳልሳይ ተግባር ካህን ክርስቶስ  ንሓዋርያ ጰጥሮስ “ዕያውተይ ኣብልዕ፡ ኣባጊዔይ ሐሉ፡ ኣባጊዔይ ኣብልዕ” ኢሉ ከም ዝኣዘዞ፡ ካብ ኣባጊዕ ክርስቶስ ሓንቲኳ ከይትጠፋእ ነቒሕካ ምሕላው እዩ (ዮሃ፡ 21፡15-17)። ንመጓሰ ክርስቶስ ምሕላው ማለት ንጳጳሳት ጥራይ ዝሕደግ ኣይኰነን፡ ከመይሲ ነፍሲ ወከፍ ካህን ሓላዊ ኣባጊዕ ክርስቶስ ስለ ዝዀነ፡ ነቶም ኣብ ቤተ ክርስቲያኑን ኣብ ከባቢኡን ዘለዉ መእመናን፡ ካብ ተዃሉ ነቒሑ ክሕሉ ይግባእ። መናፍቓንን ከሓድትን ከምኡ’ውን ካብቲ ድያብሎስ ዘዳልዎ መጻወድያ ኃጢኣት ክድሕኑ ብግዚኡን ብዘይ ግዚኡን ከይደኸሙ ክምዕድን ክምህርን ክግስጽን ይግባእ።

ካህን፡ ንመእመናን ከገልግል ሓላፍነት ክወሃብ ከሎ፡ ብዘይ ምትሕብባር ምእመናን ሓንቲ እኳ ክገብር ስለ ዘይክእል፡ መእመናን ኣእዛኑን ኣዒንቱን ኣእጋሩን ከም ዝዀኑ ፈሊጡ፡ ኩሉ ግዜ ምስ መእመናኑ ክዋሳእ ይግባእ። መእመናን ድማ ንካህናት ሓዋርያዊ ተልእኾኦም ብግቡእ ከሰላስሉን መንፈሳዊ ኣገልግሎቶም ከከናውኑን ክተሓባበርዎም ይግባእ። ስለዚ ትእዛዝ እግዚኣብሔር ብግቡእ ክፍጸም ምእንቲ፡ መእመናን በብዘለዉዎ ከም ወተሃደር ብሓደ መንፈስን ሞራላዊ ግዴታን ተደሪኾም ኣብ ጐኒ ካህኖም ደው ኢሎም ኣብ ሓለዋ ቤተ ክርስቲያን ክዋፈሩ ይግባእ። እቲ ካህንውን ነቲ ንምእመናን ዝተዋህበ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ እናኣለለየ ኣብ ስራሕ ከውዕሎ ይግባእ። እቲ ኣብ ሞንጎ ምእመናን ዘሎ ውህበት ድሮ ሓዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ገይሩ ገሊጹልና ኣሎ  “እምብኣርከ ውህበት በበይኑ እዩ፡ መንፈስ ግና ሓደ ንሱ እዩ። ኣገልግሎት በበይኑ እዩ፡ ጐይታ ግና ሓደ ንሱ እዩ። -ግብሪ ሓይሊ ድማ በበይኑ እዩ፡ እቲ ኣብ ኲላቶም ኲሉ ዚገብር ኣምላኽ ግና ሓደ ንሱ እዩ። -  ግናኸ ንነፍሲ ወከፍ ምግላጽ መንፈስ ንጥቕሚ ይውሃቦ እዩ። - ንሓደስ ቃል ጥበብ ብመንፈስ ይውሃቦ እዩ፡ ነቲ ሓደ ኸኣ ቃል ፍልጠት በቲ ሓደ መንፈስ፡ - ንሓደ ድማ እምነት በቲ ሓደ መንፈስ፡ ንሓደ ድማ በቲ ሓደ መንፈስ ናይ ምፍዋስ ውህበት ይውሃቦ፡ - ንሓደ ኸኣ ግብሪ ሓይሊ ንምግባር፡ ንሓደ ትንቢት፡ ንሓደ ምልላይ መናፍስቲ፡ ንሓደ በብዓይነቱ ዘሎ ቛንቋታት፡ ነቲ ሓደ ኸኣ ምትርጓም ቋንቋታት ይውሃቦ።- እዚ ዂሉ ኸኣ ንሱ እቲ ሓደ መንፈስ ከም ዚደልዮ ገይሩ ንነፍሲ ወከፍ ገግዲኡ እናመቐለ እዩ ዚገብሮ። (2ቆሮ፡ 12፡4-11) ይብለና። እቲ ካህን ነዞም ውህበታት እዚኣቶም ከለሊ እንተዘይከኣለ ነቲ ውህበታት እግዚኣብሔር ይዓግቶ እሞ፡ እታ ቤተ ክርስቲያን ካብቲ እተበርክቶ ረብሓታት፡ እትጎድኦ ይበዝሕ። መእመናን ድማ ዝሕዝዎን ዝጭብጥዎን ኣይፈልጡን።

ጐይታ ካልኦት መዓርጋት’ውን ሰርዐ

መጽሓፍ ቅዱስ ዝሃበና መዓርገ ክህነት ሰለስተ እዮም። ብርግጽ ብድሕሪ መጽሓፍ ቅዱስ ምጽሓፉ ቤተ ክርስቲያን ምስ ሰፈሔት፡ መዓርጋት ቤተ ክርስቲያን ስሙን ኣገልግሎቱን ከም ዝሰፍሔ ንኣብነት መዓርግ ፓትርያርክ፡ ንፍቀ ካህን ንፍቀ ዲያቆን፡ ወዘተ.. ከም ዝተወሰኹ ኣብ ምምሕዳር ቤተ ክርስቲያን እንርእዮ ዘሎና ሓቂ እዩ። እዚ ግና ንጥቅሚ ቤተ ክርስቲያን እምበር ንጉድኣት ቤተ ክርስቲያን ከም ዘይኰነ ኣጸቢቕና እንርእዮ ዘሎና ሓቂ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ዝነግረና ግና፡ ሰለስተ ዓበይቲ መዓርጋተ ክህነት ጥራይ ክኾኑ ከለዉ፡ ካልኦት ኣብ ውሽጢ ኣመንቲ ድማ መዓርጋትን ውህበታትን ጐይታ ከም ዝሰርዐ፡ ሓዋርያ ጳውሎስ ኣብሪሁ ከም ዝተዛረበ ኣንቢብናዮ ኣሎና።

ብቀዳማይ ደረጃ ዝጥቀስ መዓርገ ክህነት ኤጵስ ቆጶስ እዩ። ኤጵስቆጶስ ኣብ መንበር ሓዋርያት ስለ ዝቕመጥ፡ ሥልጣነ ክህነቱ ምሉእ ስለ ዝዀነ ኣይክፈሎን። ኤጵስቆጶስ ሓዋርያዊ ትውፊት ስለ ዝኽተል፡ ንሓዋርያት መሲሉ ንመንፈስ ቅዱስ ኣስሚሩ፡ ካህናት ዲያቆናት መልሚሉ፡ ንመእመናን ኣደላዲሉ፡ ሓዋርያዊ ኣምባሳደር ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ኰይኑ ብትሕትና ዘገልግል በዓል ምሉእ ሥልጣን ስለ ዝዀነ፡ ንቤተ ክርስቲያን ብላዕለዋይ ደረጃ የመሓድር። ሥልጣነ ክህነት ብምልኣት ኣብኡ ጥራይ ስለ ዝርከብ፡ ንካህናትን ንዲያቆናትን ብኣንብሮተ ኢድ ክሸይም ምሉእ ሥልጣን ኣለዎ። ብሜሮን ገይሩ ብሥልጣን መንፈስ ቅዱስ ክባርኽ፡ ሓድሽ  ሕንጻ ቤተ ክርስቲያንን ንዋየ ቅዱሳትን ክባርኽ ሓላፍነቱ እዩ።

ብኻልኣይ ደረጃ ዝጥቀስ ዘሎ መዓርገ-ክህነት ቀሲስ እዩ። ቀሲስ: ክህነትን ዲቁናን ድኣሉ ክህብ ዘይክእል እምበር፡ ነቶም ሽዱሽተ ምሥጢራተ ቤተ ክርስቲያን ክፍጽም ምሉእ ሥልጣን ኣለዎ። ብተወሳኺ ካልኦት መንፈሳዊ ኣገልግሎት ድማ ይፍጽም። ንምእመናን ቅዳሴ ክሰርዕ ትምህርቲ ወንጌል ክምህር፡ ክምዕድ መሰሉን ግዴታኡን እዩ። ንምእመናን ኣቦ ንነፍሲ ብምዃኑ፡ ብመንፈሳዊ ኣቦነቱ ንመንፈሳውያን ደቁ ይሕሉ። ምስቶም ዝሕጐሱ ተሓጐሱ፡ ምስቶም ዝጉህዩ ጐሃዩ ከም ዝተባህለ፡ ንመእመናን ኣብ ሓጐሶምን ሓዘኖምን ጸገሞምን ተኻፋሊ ይኸውን። ጐይታ’ውን ነቶም ሰብዓ ኣርድእቲ ኢሉ ዝሾም ምኽንያት ድማ፡ ንሃዋርያት ሓገዝቲ ክኾኑ ኢሉ እዩ። እዚኣቶም ድማ ቀሳውስቲ ተባህሉ።

ብሳልሳይ ደረጃ ዝጥቀስ መዓርገ ክህነት ዲቁና እዩ። ዲያቆን፡ ኤጵስቆጵስን ቀሲስን ምሥጢራተ ቤተ ክርስቲያን ክፍጽሙ ከለዉ፡ ዋና ሓጋዚ ኰይኑ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ይገብር። ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ሥርዓት ከም ዝሕሎ ይገብር፡ ቅዱሳት መጻሕፍቲ የንብብ፡ ክምህርን ክሰብኽን ካልኦት መንፈሳዊ ኣገልግሎትን ክፍጽምን ንጳጳስን ንቀሲስን ክእዘዝ ክፍሊ ስርሑ እዩ። ሓዋርያት ሸውዓተ ዲያቆናት ዝሾሙሉ ቀንዲ ምኽንያት፡ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ዘድልዩ መንፈሳዊን ማሕበራውን ኣገልግሎት ክሕግዙዎም ኢሎም ከም ዝነበረ ንርዳእ (ግብ፡ 6፡3-6)።

ደቂ ኣነስትዮ

ኣብታ ጥንታዊት ቤተ ክርስቲያን ንኣንስቲ ዝተፈቕደ ብደረጃ ዲያቆናዊት ተባሂሉ ዝፍለጥ ከም ዝነበረ ተጻሒፉ ንረኽቦ (ቲቶ፡ 2፡3 ዲስቅልያ 34)። ንሳተን ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ዝተፈልየ ስራሕ ነይሩወን እዩ። ንክርስቲያናት ኣንስቲ ኣድላዩ ኣገልግሎት ብምሃብ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ብወገን ኣንስቲ ዝቖማሉ፡ ሥርዓት ይሕልዋን የነባብራን፡ ከምኡ’ውን ይምዕዳን ይሕግዛን ነበራ። ብተወሳኺ ምስ ጳጳስ ወይ ቀሲስ ጉዳይ ንዘለወን ኣንስቲ እና ኣቕረባ ጉዳየን ከም ዝፍታሕ ይገብራ። ደቀ ኣነስትዮ ኣብ ዝጥመቓሉ ግዜ ድማ ቅዱስ ሜሮን ኣብ ምቕባእ ይሕግዛ ነበራ። ሓዋርያ ጳውሎስ’ውን ነተን ዕድሜኤን ልዕሊ ስሳ ዝኾና ኣንስቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ክምዝገባ ዝፈቐደ፡ እንተላይ ዲያቆናውያን ከምዝነበራ ይፍለጥ (1ጢሞ፡ 5፡9)።

ይቕጽል…
ዶ/ር ሽሞንዲ ኃይለ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div