S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ዘየባትኽ ጸሎት ናይ እምነት ስራሕ እዩ

“ከይቀበጹ ኵሉ ሳዕ ክጽልዩ ከም ዝግብኦም ድማ፡ ብምስላ ተዛሪቦም” (ሉቃ 18፡1)

ጸሎት፡ ናይ እምነት ስራሕ እዩ። ዘይኣምን ሰብ ክጽልይ ኣይክእልን እዩ። ጸሎት ምስቲ ብመንፈሳዊ ኣዒንትኻ ሰማያዊ ኣቦኻ እትገብሮ መንፈሳዊ ምዝርራብ እዩ። እቶም ዝተመስከረሎም ዓበይቲ ናይ እምነት ኣቦታት፡ ኣብቲ ዋላ ሓደ ተስፋ ዘይነበሮ ቦታን ኵነታትን፡ ነቲ ካብኦም ዝተሰወረ ዝመስል ዝነበረ እግዚኣብሔር ብእምነት እናረኣይዎ፡ ስፍራኦም ከይሓደጉ ንዓሰርተታት ዓመታት ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦም ተስፋ ተጸብዮሞ እዮም። ኣብ መወዳእታውን ነቲ ዝተጸበይዎ ተስፋ ረኺቦሞ እዮም። ጸሎትና እምበኣር ሓንቲ መዓልቲ ኢልናዮ እንርስዖ ዘይኰነ ብቐጻሊ ክሳብ መልሲ ጸሎትና ዝወሃበና ስፍራና ከይሓደግና ጸኒዕና እንጽበየሉ ስፍራና ክኸውን ኣለዎ። ዝጀመርካዮ ጸሎት መፈጸምታኡ ክሳብ ትርኢ ጸኒዕካ ክትጽበ ይግባእ። ሓረስታይ ዘርኡ ዘሪኡ ንጽባሒቱ ፍረ ኣይጽበን እዩ። መዓልታዊ ዕቤት ብቋልያኡ እናተኸታተለ ከኣ ክሳብ ናብ ፍረ ዝበጽሕ ብትዕግስቲ ይጽበዮ። ኣብቲ ጽቡቕ ጌሩ ፍሬኡ ዝበጽሓሉ ግቡእ ጊዜ ከኣ ይዓጽዶ። ንዝጸለናዮ ጸሎት እግዚኣብሔር ክሳብ ዝምልሰልና ከየባተኽና እናጸሌና ክንጽበዮ ኣማራጺ ዘይብሉ ብጽሒትና እዩ። (ኢሳ 40፡31፣ ሉቃ 11፡5-8፣ ግብ 1፡14፣ 1ተሰ 5፡17)

ኣስተንትን

1. ኣርእስቲ ሒዝካ ንነዊሕ ናይ ምጽላይ ልምምድካ ማዕረ ክንደይ እዩ?

2. ኣብ ሓደ ኣርእስቲ ንነዊሕ ጊዜ ብትዕግስቲ ከይትጽሊ ዝዓግተካ እንታይ እዩ?

3. ምስ ጐይታ ዘሎካ ናይ ጸሎት ጊዜ ከመይ ትግምግሞ?

ብኵነታት ከይተያየርና ኵሉ ጊዜ ንኣምላኽ እሙናት ኮይንና ክንነብር ጸጋ ከብዝሓልና ናብ እግዚኣብሔር ብጸሎት ንንቃሕ።

ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላከ ኣበዊነ።

መካነ-ህይወት

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div