S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ፍረ እንተ ፈሬኹም ደቀ መዛሙርተይ ክትኾኑ ኢኹም

“ብዙሕ ፍረ እንተ ፈሬኹም፡ ኣቦይ በዚ ይኸብር ደቀ መዛሙርተይ ክትኾኑ ኢኹም” (ዮሃ 15፡8)

ኣብ ክርስቶስ እንተጸናዕና ብዙሕ ፍረ ክንፈሪ ኢና። ወይኒ ክትከል ከሎ እቲ ዋና ኣብ ሓሳቡ ፍረ ደልዩ እዩ ነታ ወይኒ ዝተኸላ። ካልኦት ኣትክልቲ (ኣግራብ) ንጽላል፡ ንመልክዕ ወይውን ንዕንጸይትን ንካልእን ረብሓ ክትከሉ ይኽእሉ ይዀኑ። ወይኒ ግና ንፍረ ተባሂሉ ጥራይ እዩ ዝትከል። ስለዚ እቲ ዋና ማዕረ ክንደይ ፍረ ይረክብ ይኸውን እዩ ሓሳቡ። ብኸመይ ዝበዝሕ ፍረ ክረክብ ይኽእል? ካብ ዝብል ከኣ ነታ ወይኒ ምእንቲ ብዙሕ ፍረ ክትፈርየሉ የጽርያ (ይጽልጽላ)።

እግዚኣብሔር ካባና ፍረ ይደሊ። ምስኡ እንተኣሎና ከኣ መታን ብዙሕ ክንፈሪ ከጽርየናን ብፈተና ከሕልፈናን ይኽእል እዩ። በዚ ከይሰንበድና ከኣ ኣብቲ ናይ ሓቂ ጉንዲ ወይኒ ክንጸንዕ ይግባእ። ትሕትና ተዓጢቕና ነቲ ኣቦ ክምህረና ዝደለየ ትምህርቲ ከነስተውዕለሉ ኣሎና። ኣብዚ ርእስኻ ምቕባጽን ንኣምላኽ ምውፋይን ዝብል ብሉጽ ትምህርቲ ክንመሃር ኢና። በዚ ከኣ ነሕዋትና ፍቕሪ እግዚኣብሔር ከነፍልጦም ኢና። ፈተና ክመጸና ከሎ ኣብቲ ፈተና ዘይኰነስ ኣብቲ መደብ እግዚኣብሔር በቲ ፈተና ኣቢሉ ዘሎ ከነስተውዕል ኣሎና። እዚ ናይ ፈተና እዋን ንኣና ናይ በረኸት እዋን እዩ፡ ምኽንያቱ ንዝበለጸ ፍረ እንስርሓሉ እዋን ስለ ዝኾነ።(ማቴ 5፡16፣ ዮሃ 8፡31)

ኣስተንትን

1. ሎሚ ኣብ ህይወትካ ትሓልፎም፡ እግዚኣብሔር ዘሕልፈካ እንታይ ፈተናታት ኣለውኻ?

2. ካብዚ ትሓልፎ ዘሎኻ ፈተና ጽቡቕ ነገር ዝወጽእዶ ይመስለካ?

3. ብፈተና ክትሓልፍ ከሎኻ ንኣምላኽ ተመስግንዶ?

ስለቲ ኣባና ዘለዎ ሰናይ ሓሳባት ንኣምላኽ ነመስግን። ብዘሕልፈና ኵሉ ሕማቕ ዝመስል መገድታት፡ ነቲ ንሱ ዝመደቦ ጽቡቕ ሓሳብ ክንርኢ ኣዒንትና ክኽፈታ ናብ ኣምላኽ ንጸሊ።

ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላከ ኣበዊነ

መካነ-ህይወት 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div