S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ደቀስቲ ኣይንኹን

“እምበኣር ንንቃሕ ገዛእ ርእስናውን ንግታእ እምበር ከምቶም ካልኦት ደቀስቲ ኣይንኹን” (1ተሰ 5፡6)

ምንቃሕ ብዙሕ ትርጉም ዝወሃቦ ክኸውን ከሎ ገለ ካብኡ ኵሉ ጊዜ ለይቲ ይኹን መዓልቲ ተዳሊኻ ምጽናሕ ማለት እዩ። ፈተና ከም ዘለዎ ዝፈልጥ ተማሃራይ ብዓወት መታን ክሓልፍ ነታ መዓልቲ ነቒሑ ይጽበያ። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብዛ ምድሪ ክመላለስ ከሎ ንሃዋርያት ኵሉ ጊዜ ነቒሖም ክጽበዩ ብብዙሕ መረዳእታ ምሂርዎም እዩ። ነቒሕካ ኣብ ስፍራኻ ዘይምጽናሕ መወዳእታኡ ጣዕሳን ክሳራን ጥራይ እዩ።

ነቒሑ ዘይጽበ ሰብ መጽሓፍ ቅዱስ ዓሻ እዩ ዝብሎ። ኖህ ነታ ናይ ቁጣዓ መዓልቲ ንልዕሊ 100 ዓመት ብእምነት ነታ መርከቡ እናሃነጸ ተጸቢይዋ፡ ኣብ መወዳእታ ከኣ ንሱን ስድራቤቱን ካብታ ብማይ ዝጠፍኤት ዓለም ጸብለል ኢሎም ድሒኖም። ኣብ ዘመንና ድማ ምጽኣት ወዲ ሰብ ከምኡ ክኸውን እዩ። እታ ቀዳመይቲ ዓለም ብማይ ጠፊኣ እታ ካልኣይቲ ዓለም ግና ንሓዊ እያ ትሕሎ ዘላ። (ሮሜ 13፡11፣ ኤፌ 5፡14፣ ኢሳ 60፡1)

ኣስተንትን

1. ጐይታና ሎሚ ከምዝመጽእ እንተ ትፈልጥ እንታይ ምገበርካ?

2. ነፍስኻ ምስተን ዓያሱ ደናግልዶ ወይስ ምስተን ለባማት ምተረኽበት?

ኵሉ ጊዜ ንምጽኣት ጐይታ ብንቕሓት እናተጸቤና እሙናት መገብቲ ናይቲ ኣባና ዘንበሮ ጸጋ ክንከውን ክድግፈና ናብ እግዚኣብሔር ንጸሊ።

ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላከ ኣበዊነ

መካነ-ህይወት 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div