S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ልዕሊ ኵሉ ንልብኻ ሓልዎ

“ህይወት ካብኡ እያ ትፍልፍል እሞ ልዕሊ ኵሉ ንልብኻ ሓልዎ” (ምሳ 4፡23)

ቃል ኣምላኽ ኣፍ ካብ ምልኣት ልቢ ይዛረብ ይብለና። ብዙሓት ሰባት ዓለማውያን ይኹኑ ኣመንቲ ንብዙሕ ጊዜ ዝተፈላለዩ ዘጉሃዮም ነገራት ከዋህልልዎ ድሕሪ ምጽናሕ ሓደ መዓልቲ ኣብ ዝትኮሰሉ እዋን ክስቶ ከምዚ ይገብር እዩ ኢልካ ዘይትሓስቦም ነገራት ይፍጽሙ። ፍረ ናይዚ ምትኳስ ሕማቕ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ልቢ ኣብቲ ናይ ምሓዝ ተኽእሉኡ ዘይኮነስ ኣብቲ ዝሕዞ ዓይነት ምዃኑ ብንጹር የመልክተና። ዳዊት ምስ ሰበይቲ ኡርያ ባትሴባ ኣብ ዝዘመወሉ እዋን እቲ ንሰበይቲ ኡርያ ዘብሃጎ ስምዒታት ንልቡ መሊኡ ክጭንጓዕ ምስ ጀመረ ሰበይቲ ካልእ ምዃና ረሲዑ ኣብ ስግኡ ስንብራት ዝገደፈ ንእግዚኣብሔር ድማ ኣዝዩ ዘጉሃዮ ነገር ፈጺሙ። ብሰንኪ እዚ ክፉእ ምልኣት ልቢ ድማ ንዝተወልደ ቆልዓ ንሞት ኣፍሪድዎ። ወዱ ንንጉስ ዳዊት ኣምኖን'ውን ንሓፍቱ ታማር ኣብ ዝደፈረሉ እዋን ኣብ ደቓይቕ ዝተመልአ ስምዒት ኣይነበረን (2 ሳሙ 131-25) እቲ ንንውሕ ዝበለ እዋን ክውህለል ዝጸንሐ ስምዒት ኣእምሮ ሰብ ክጽበዮ ዘይክእል ሜላ ክምህዝ ገይርዎ እዩ። ብኣንጻሩ ድማ እታ ንዓሰርተ ክልተ ዓመታት ደማ ዝፈሳ ዝነበረት ሰበይቲ እቲ ንነዊሕ እዋን ኣብ ልባ ሓሲባቶ ዘይትፈልጥ ነገር ክትሓስብ ምስ ጀመረት እቲ ዝሓለፈቶ ጻዕሪ ከንቱን ትርጉም ከምዘይነበሮን ተጋሂዱላ (ማቴ 920-22) ቃል ኣምላኽ፡ "ብልባ ሓሲባ ነበረት እሞ..." ይብለና። እዚ ኣብ ልባ ሓሲባ ዘዋህለለቶ ነገር ድማ ንፈውሲ ኮይንዋ። ስለዚ ኣብ ልብና እነዋህልሎን እንሓስቦን ነገር ኣዚና ክንጥንቀቐሉ ይግብኣና። ምኽንያቱ ምንጪ ናይ ህይወትና ልብና ስለ ዝኾነ። እግዚኣብሔር ጉዳዩ ምስ ልብና እኳ እንተኾነ ሓለፋ ልብና ግን እቲ ንልቡ ሕማቕ ይኹን ጽቡቕ ክመልእ ዘፍቀደ ሰብ ተሓታቲ እዩ። የዒንትና ዝረኣየኦ፡ ኣእዛንና ዝሰምዖኦ፡ ኣእጋርናን ኣእዳውናን ዝኸደኦን ዘረምሰስኦን መሰረት ናይቲ ኣብ ልብና እነዋህልሎ ነገር ስለ ዝኾነ ነዞም ነገራት እዚኦም ኣዚና ክንጥንቀቐሎም ይግበኣና እዩ። እዞም ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮም ክልተ ኣብነታት ውጽኢት ናይቲ ኣብ ልቦም ዘዋህለልዎ ነገር እዩ። ስለዚ መዓልታዊ እንነብሮ ናብራን፡ ምውራስ ናይ ዘለኣለም መንግስትን ኣብዚ ምልኣት ልቢ ዝተመርኮሰ ምዃኑ ክንዝንግዕ ኣይግባእን። (ኤር 2912-13 ማቴ 619-21 1ሳሙ 1220)

ኣስተንትን

1. ንህይወትካ ክሃሲ ዝኽእል ኣብ ልብኻ ዝውህለል ዘይቅኑዕ ሓሳባት ከመይ ዝበለ እዩ?

2. ልቡ ክፉእ እናሓሰበ ዘሸግሮ ሰብ ንሓሳባት ልቡ ብኸመይ ክቆጻጸሮ ይኽእል? (ፊሊ 4፡8)

3. ኣብ ልብኻ ተዋህሊሉ ጸኒሑ ሓደ ጊዜ ገንፊሉ ንህይወትካ ዝሃሰየ ኣጋጢመካ'ዶ ይፈልጥ?

እግዚኣብሔር፡ ንልብና ኵሉ ጊዜ ብክቡር ሓሳብ ክመልኦን ካብ ኵፉእ ሓሳብን ትዕቢትን ከኣ ክሕልወና ወትሩ  እግዚኣብሔር ንጸሊ።

ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላከ ኣበዊነ።

መካነ-ህይወት 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div