S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ልብኹም ኣይሸበር ብኣምላኽ እመኑ

“ልብኹም ኣይሸበር ብኣምላኽ እመኑ ብኣይ'ውን እመኑ” (ዮሃ 14፡1)

ሓደ ክርስቲያን ክርበሽ ኣብ ዝጅምረሉ እዋን ቀልጢፉ ነቲ ሰላሙ ወሓዚ ዝገብር ስም ኣምላኽ እንተዘይጸዊዑን ረዲኤት እንተዘይሓቲቱን ነቲ ቕድም ኣብ ህይወቱ ዘስተማቐሮ ሰላምን ዕረፍትን ከምኡ'ውን ሓይሊ ኣምላኽን ብምዝንጋዕ ንምርባሹ ምኽንያት ዝኾኑ ነገራት ፍታሕ ክረክብ ብስጋኡ ይጽዕር። ብምርዳእ ይኹን ብዘይምርዳእ ኣብዚ ጊዜ እዚ ንእግዚኣብሔር ሓገዝ የድልየካ ኣሎ እሞ ናተይ ሓይሊ ክምልኣልካ ንብሎ ምህላውና ክንዝንግዕ ኣይግባእን። መን እዩ ኣብ ቅድሚ ካብኡ ዝሕይል ሰብ ዘይፈርህ? መን'ዩኸ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ዘይርዕድ? ናይ ብሓቂ ንክርስትና ናብርኡ ዝገበሮ ሰብ ግን ካብዚኦም ሓራ እዩ። ዳዊት ነቲ መራሒ ኣእላፍ ዝኾነ ጎልያድ ክስዕር ከሎ እቲ ዝሓዞ ስም ኣምላኽ ካብቲ በዒንቱ ርእዩ ዘምጽኦ ምርባሽ ናጻ ገይርዎ እዩ። እዚ ትብዓት እዚ፡ እዚ ምህዳእ እዚ ነቲ ኣብ ንእስነቱ ተዋጋኢ ዝነበረ ምኩር ሰብ ኣብ ቅድሚ እቲ ንእሽተይ ጓሳ ንነፍሱ ከም ከልቢ ኣቑጺርዎ እዩ። ከምኡውን ጴጥሮስ ነቲ በዒንቱ ዝረኣዮ ክርስቶስ፡ ንግብርታቱ፡ ዘስተማቐረት ነፍሱ እዚ ምርባሽን ምርዓድን ኣብ ቅድሚ ተራ ገረድ ኣይፈልጦን ምስኡውን ኣይነበርኩን ኣቢልዎ እዩ። ዳሕራይ ግን ሓይሊ ኣብ ዝተቐበለሉን ንጐይታ ክነብሮ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን እቲ ንስኻትኩም ዝሰቐልክምዎ ክርስቶስ ብምባል ኣብ ቅድሚ መንግስቲ ሮማ ዘቖሞ ሓይሊ፡ እቲ ናይ ምርባሽን ምርዓድን መንፈስ ፈጺሙ ኣጥፊእዎ እዩ።

ስለዚ ክቡራት ኣሕዋት ኣብ ከባቢና ዝረአን ዝስማዕን ጽቡቕ ነገር እኳ እንተዘይሃለወ፡ ንምርባሽ ዘጋድድ ነገራት ጥራይ እኳ እንተኾነ፡ ነቲ ንባሕሪ ኤርትራ መቒሉ ዘሳገረ፡ ኣብ ጉሁር ሓዊ መገዲ ዘለዎ ኣምላኽ ምዝካርን ምጽዋዕን ናይ ምርባሽ መንፈስ ኣጥፊኡ፡ ንኣና ድኹማን ኣብ ሰማያት ቤት ዘስርሓልና ሓይሊ ኣለዎ። (ዘዳ 31፡6፣ ዘዳ 20፡3-4፣ እያሱ 1፡8-9፣ ኢሳ 43፡1-2)

ኣስተንትን

1. ኣብዚ ሕጂ ዘለኻዮ እዋን ብጐይታ ሰላም ኣለካ'ዶ?

2. ብዘጋጥሙኻ ነገራት ቀልጢፍካ ትርበሽን ትጭነቕን'ዶ?

3. ከባቢኻ ዝርብሽ ነገራት ኣብ ዝበዝሓሉ እዋን ሰላምካ ብኸመይ ትዕቅቦ?

ንእግዚኣብሔር ስለቲ ኵሉ ጊዜ ንልብና ዝሕልዎን ኣብ ማእከል ማዕበል ሰላሙ ስለ ዘህድኣናን ነመስግን።

ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላከ ኣበዊነ።

መካነ-ህይወት 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div