S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ስፍራኻ ኣይትሕደግ

“መንፈስ ገዛኢ ኣብ ልዕሌኻ እንተ ተላዕለ፡ ትዕግስቲ ንዓብዪ ኣበሳ ተህድእ እያ እሞ፡ ስፍራኻ ኣይትሕደግ።” (መክ 10፡4)

ሓንቲ ስድራ ብዙሕ ጊዜ ናብ ዝተፈላለየ ቦታ ናይ ምቕያር ባህርይ ዘለዋ እንተኾይኑ ኣብ ዝኸደትሉ ምስ ሓድሽ ቦታን ሰብን ክትላለ ብዙሕ ጊዜ ተጥፍእ ጥራይ ዘይኮነስ ዘይህዱእ ናብራ እውን እያ ትመርሕ። ከምኡውን ነቲ ሕብረተሰብ ዝወሃብ ኣገልግሎት ማዕረ እቲ ካልእ ቀልጢፉ ክበጽሓ ኣጸጋሚ እዩ። ሓደ ክርስቲያን ኣብቲ ንኣምላኽ ክረኽበሉ ዝኽእል ጊዜ፡ ድምጺ ኣምላኽ ዝሰምዓሉ ጊዜን ኣብ ቦትኡ እንተዘይጸኒሑ እቲ ካብ ኣምላኹ ዝረኽቦ ነገር ክሓልፎ ምዃኑ ርጉጽ እዩ። ብዛዕባ እቲ ክትዐይ ንሱ እንታይ ከም ዝዛረበንን ኣነ እንታይ ከም ዝምልሰሉን ተጠንቂቐ ክርእስ ኣብቲ መሐለውየይ ደው ክብል ኣብ ልዕሊ ግንቢ እውን ክቐውም እየ (እምባ 21) ኣብቲ ስፍራኻ ደው ምባል ዝተገብረልካ ነገር እተስተውዕለሉን ክትገብሮ ዝግባኣካ ነገር ጽን ኢልካ እትሰምዓሉን ስፍራ እዩ። ካብ ቦታና ወጺና ክነስና ኣብ ስፍራና ዘለና እንዳመሰለና እግዚኣብሔር ከምዚ ገይሩለይ፡ ከምዚ ኢልና እንዳበልና ድሌትን ስምዒትን ስጋና እንዛረብ ኣመንቲ ቁጽርና ውሑድ ኣይኮነን።

ዳንኤል ንምኽሪ ራእስታትን ኣመሓደርትን ንጉስ ዳርዮስ ተቓዊሙ ናብ ኣፍ ኣናብስ ክድርበ ዝገበሮ ምኽንያት ስፍርኡ ከይሓደገ ኣብ ግቡእ ግዚኡን ቦትኡን ክጽልን ክምህለልን ስለዝተረኽበ እዩ። እዚ ኣብ ስፍርኡ ኮይኑ ምስ ኣምላኽ ዝራኸብ ዝነበረ ሰብ ፍረ ጸሎቱን ምህለልኡን ኣብ ኣናብስ ርእይዎ (ዳን 6፡10-11)።

ስለዚ ኵላትና ኣመንቲ ኣብ ምጽኣት ክርስቶስ ዝቐውም ህይወት ክህልወና፡ ኣብ መዝገብ ህይወት ዝተጻሕፈ ስም ክህልወናን ኣብ ስፍራና ክንህሉ ብግዲ እዩ። ክርስቶስ ኣብ ዝመጸሉ እዋን ነቶም ኣብ ስፍርኦም ጸኒሖም ንዕኡ ዝመሰሉን ጥራይ ከም ዘለሊ ምፍላጡ ኣገዳሲ እዩ። (እምባ 2፡2-3፣ ዳን 6፡10፣ እብ 10፡36-37፣ ራእ 3፡11-12)።

ኣስተንትን

1. ስፍራ መሓለዊኻ ከመይ ኣሎ?

2. ህይወት ዳንኤል ምስ ህይወትካ ኣነጻጺርካ ከመይ ትርእያ?

3. ብዘይ ምዕጋሶም ካብ በረኸት ኣምላኽ ዝጐደሉ ጠቒስካ ኣስተንትን

ጐይታ፡ ኣብ መሐለዊና ደው ምባልን መንፈሳዊ ውግእን ክምህረናን ከለማምደናን ናብ ኣምላኽ ንጸሊ።

ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላከ ኣበዊነ።

መካነ-ህይወት 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div