S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ክንድዚ ዝኣክል ዘመን ምሳኻትኩም ክነብር ከለኹስ ኣይትፈልጠንን ዲኻ?

“ፊልጶስ ከኣ፡ ጐይታይ፡ ነቦ ኣርእየና እሞ ይኣኽለና በሎ።” (ዮሃ 14፡8)

ጐይታ ኣቐዲሙ ንዕኡ ዝረኣየ ነቦ ከምዝረኣየ ገሊጽሎም ነይሩ። ፊልጶስ ግና ንጐይታ እኹል ከምዘይኮነ ብምሕሳብ ነቦ ከርእዮ ሓቲትዎ። ጐይታ ዝሃቦ መልሲ ግና፡ “... እዚ ክንድዚ ዝኣክል ዘመን ምሳኻትኩም ክነብር ከለኹስ ኣይትፈልጠንን ዲኻ” ኢልዎ። ብሓጺሩስ ጐይታ ናይ ኵሉ ነገር ምልኣትን፡ ዕጋበትን እኳ እንተኾነ፡ ንሕና ግና ገለ ነገር ኣብ ቅድሜና ኣቐሚጥና፡ ንዕኡ ምስ እንረክብ ጥራይ ዝኣኽለና ይመስለና፡ ጐይታ ግና ንኣናውን “ኣይትፈልጡንን ዲኹም” እዩ ዝብለና። ምኽንያቱ ንዑኡ እንተንፈልጦን፡ ብምልኣት ድማ ብምግላጽ መንፈስ ቅዱስ እንተንርድኦን፡ ምዓገብናን፡ ምቐሰንናን፡ ምኽንያቱ ከምኡ ምዃኑ እንድሕር ኣሚንና ክኾነልና እዩ። እንድሕር ዘይኣሚንና ግና ገና ጐደሎ ዕጋበት ሒዝና ክንነብር ኢና። ዘማሪ ግን መቕደስ ኣምላኽ ኣትዩ ጽባቐ ጐይታ ምስረኣየ እዩ “ንዓኻ ኣብ ሰማይ ካብ ረኸብኩስ ኣብ ምድሪ ዝደልዮ የብለይን” ብምባል ብትብዓት ክዝምር ዝኸኣለ።

ሕጂውን ናብ መቕደስ ኣምላኽ ምእታውን ብጐይታ ዝረኸብናዮ ምልኣት ህይወትን፡ በረኸትን፡ ምርኣይን፡ ምስትብሃልን እምበር፡ ዝደለናዮ ብምርካብ ዝመጽእ ፈውሲ የለን። እግዚኣብሔር ኣዒንቲ ልቦናና የብርህ! ኣሜን! (ዮሃ 10፡10፣ ዮሃ 6፡34-35፣ መዝ 73፡25-26፣ ፊል 1፡4-7)

ኣስተንትን

1. ንሕናኸ ጐይታ እዚ እንተዝገብረለይ ይኣኽለኒ ኢልና እንጽበዮ እንታይ ኣሎ?

2. ጐይታ ንዝበለና እንተ ዘይኣሚና'ኸ ዝመጸና ሳዕቤን ኣሎ'ዶ?

3. ጐይታ መልሲ ኵሉ ሕቶና እንተ ዀይኑ እቲ ዘድልየና ዘሎ ኵሉ ሕቶታትናኸ ደኣ ብኸመይ ክምለስ?

ጐይታ ኵሉ ድሌትና ዝፈልጥን መልሲ ሕቶናን እዩ እሞ፡ ከምቲ ዝግባእ ክንፈልጦን ክንዓርፍንሲ መንፈሳዊ ኣዒንትና ክኽፈት ንጸሊ።

ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላከ ኣበዊነ

መካነ-ህይወት 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div