S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

”ግናኸ እታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ኩላ ዝባን ምድሪ፡ ንዝነብሩ ዘበሉ ከም መፈንጠራ ክትበጽሖም እያ እሞ፡ ስስዐን፡ ስኽራንን ሓልዮት ሓዳርን ንልብኹም ከይከብድ፡ እታ መዓልቲ እቲኣ ብድንገት ከይትመጸኩምሲ ንነፍስኹም ተጠንቀቑ። ስለዚ ኻብዚ ዝመጽእ ኵሉ ነገር ንምሙላቕን፡ ኣብ ቅድሚ ወዲ ሰብ ደው ንምባልን ሓይሊ ምእንቲ ክትረኽቡስ፡ ኵሉ ሳዕ እናጸለኹም ንቕሑ።” (ሉቃ 21፡34-36)

ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ንልብና ዘኽብዱን፡ ካብ ጐይታ ዝፈልዩን ብዙሓት እዮም። ምናልባት ኣብዞም ሰለስተ (ስስዐ፡ ስኽራን፡ ሓልዮት ሓዳር) ክጠቓለሉ ይኽእሉ ይኾኑ፡ ዕላማኦም ድማ፡ ልቡጣት ከም ሎዲቅያ ክገብሩና እሞ ዓዊርና ምርኣይ ብምስኣን፡ ህያዋን እናመሰለና፡ ሞይትና ክንርከብ'ዩ። እዚ ዝጠቐስናዮ ይኹን ካልእ ፈውሱ፡ “ኵሉ ሳዕ እናጸለኹም ንቕሑ እዩ” ምኽንያቱ ብጸሎት ሓይሊ ምስ እንዕጠቕ ጥራሕ ኢና፡ ብስልጣን ደው ንምባል ንበቅዕ። “ስለዚ ምሕረት ምእንቲ ክንቅበል፡ ብጊዜ ጸበባና ንረዲኤትና ዝኸውን ጸጋ ክንረክብ ብትብዓት ናብ ዝፋን ጸጋ ንቕረብ” ዝተባህለልና። ምስ ዘይንነቅሕ ግን፡ ተዀርባ በቑሉ፡ ቈጥቋጥ ክውሕጠና እዩ። (ኤፌ 6፡10-20፣ 1ተሰ 5፡6-8፣ ራእ 3፡1-2,15-17)

ኣስተንትን

1. ንሕና'ኸ ካብዞም ንልብና ዝኸብዱ ነጻ ዲና?

2. ካብዚ ኵሉ መፈንጠራ ንምሙላቕ፡ ብጸሎት ኵሉ ሳዕ ንነቅሕ'ዶ ኣለና?

3. ከምቲ እታ መርዓትን፡ እቲ መንፈስን ዝብልዎ፡ ጐይታ ኢየሱስ ንዓ ንምባል ትብዓት ኣለና'ዶ ?

ጐይታ ባዕሉ ንዅለንትናና ክቕድስን በቲ ምጽኣቱ ብዘሎ መንፈስናን፡ ነፍስና፡ ስጋናን ብዘይ መንቅብ ክርከብ ክሕልወና ወትሩ በጸሎት ንንቃሕ።

ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላከ ኣበዊነ

መካነ-ህይወት 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div