S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

“ፍቕሪ ከቶ ኣይተቋርጽን እያ” 1 ቆረንቶስ 13:8 ዝብል ቅዱስ ቃል ን6ይ ግዜ  ዓመታዊ መንፈሳዊ ጉባኤ፥ ኣብ ክፍለ ግዝኣት ፐንሲልቫኒያ (Pennsylvania) ሕ.መ. ኣሜርካ ዝርከብ ናይ ኣንጾኪያ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ማእከል እዩ ተኻይዱ።

ካብ ዝተፈላለየ ናይ ምብራቓዊ ሰሜን ኣሜሪካ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ዝተኣከቡ መንእሰያት፥ ኣብዚ ናይ ሠለስተ መዓልቲ ሰሚናር ብደቂ ቤተ ክርስቲያን ናይ ስነ መለኮት ምሁራት እዩ ተዋሂቡ። እቲ ዝተዋህበ ትምህርቲ ኣብ ኣሜሪካ ተወሊዶም ዝዓብዩ ዘለዉ መንእሰያት ብምዃኑ ኩሉ ብቋንቋ እንግሊዝኛ እዩ ተኻይዱ። ኣርእስቲ እቲ እተዋህበ ትምህርቲ ምስ ህልው ኩነታት መእሰያት ዝተተሓሓዘ ኮይኑ በዞም ዚስዕቡ ኣቦታት፥ ዲያቆናትን ኣኃትን እዩ ተዋሂቡ።

  1. ቀሲስ ዶር. ኣሥመሮም ሞሳዝጊ፣  መወዳእታ ዘይብሉ ፍቕሪ ኣምላኽ (The Ultimate Love of God)
  2. ቀሲስ ዶር. ተስፎም ገዛኢ፣ ፍቕሪ እንታይ እዩ፧ ንሓድሕድካ ምፍቓር (What is Love? - Loving one Another)
  3. ዲያቆን ዶር. ብርሃነ ስዩም፣  መን እዩ እቲ እነፍቅሮ ኣምላኽ፧ ትስብእትን ቅድስት ሥላሴን (Who is the God we Love - Holy Trinity & Incarnation)
  4. ዲያቆን ዶር. ኣማኑኤል ነጋሢን ዶር ሠናይት ነጋሢን፣  ክርስቲያናዊ ሕጸን መርዓን ርክብን ብመደብ ኣምላኽ።  (Christian courtship and marriage - Sexuality According to God’s Plan)
  5. ዲያቆን ዶር. ኒኮላስ፣  ርክብና ምስ ክርስቶስን ምስ ኣካል ክርስቶስን (Our relationship with Christ and the Body of Christ –
  6. ዲያቆን ዶር. ደስበለ ሓደራ፣  ርክብና ምስ ስድራ ቤትና፥ ኣኃትናን ኣዕሩኽትናን Our relationship with our parents, siblings, and friends
  7. ዲያቆን ዶር. ኤፍሬም መብራህቱ፣  ምክፋል ብፍቕሪ ኣምላኽ ንኻልኦት ምብጻሕ ( Sharing the Love of God – Evangelism)

ዝብል ኣዝዩ ዕምቆትን ስፍሓትን ዘለዎ ትምህርቲ ተዋሂቡ ሰንበት ድማ ብቅዳሴ ተዛዚሙ።

እቲ ጉባኤ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ብጸሎተ ነግህ ተሰንዩ እዩ ክካየድ ቀንዩ።

ክብሪ ንእግዚኣብሔር ይኹን። ኣሜን

ስእላዊ መግለጺ ንምርኣይ ኣብዚ ተወከስ

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div