S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኣቡን ድዮስቆሮስ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ኣለዉ

ኣቡን ድዮስቆሮስ ብዝወረዶም ወቕዒ: ኣካላውን ኣእምሮኣውን ስንክልና ኣጋጢምዎም ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዘለዉ፡ ደረቕ መግቢ ክወስዱ ስለዘይክእሉ ድማ ሰባት ደጊፎም ፈሳሲ ነገር ከምዝምግብዎም ተፈሊጡ ኣሎ። ከም ውጽኢቱ፡ እታ ኣብ ኤርትራ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ በቲ ናይ ፖለቲካ ልኡኽ ኣቶ ዮፍታሄ ድሜጥሮስ ትምራሕ ኣላ።

ኣቡን ድዮስቆሮስ ኮነ ጳጳሳት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ፥ ዕድመ ወዲ ሰብ ድሩት ስለዝኾነ ካብዚ ኣብ ልዕሊ ኣባ ዲዮስቆሮስ ዝወረደ ስንክልና ተማሂሮም፡ ሕጂ ብህይወት እንኰለዉ ምስቶም ኣብ ማሕዩር ዝርከቡ ፓትርያርክ እንጦንዮስ ንስሓን ይቕሬታን ክገብሩ፥ ምስ ኣምላኾም ክዕረቑ እቲ ዝበለጸን ክርስቲያናዊ ግዴታኦም ምዃኑን ከስተውዕሉ ይግባእ። ንርእስኻ ዘይትገብሮ ንኻልኦት ብዛዕባ ንስሓን ይቕሬታን ምምሃር ግና ጭልጭል ከም ዚብል ጸናጽል ካብ ምዃን ሓሊፉ ዝህቦ ረብሓ ከምዘይብሉ ክርስዕዎ ከምዘይግባእ ብትሕትና ነዘኻክሮም።

ግዳይ ግርህነቶም ዝኾኑ ኣባ ድዮስቆሮስ ፓትርያርክ እንጦንዮስ ብህይወት እናሃለዉ፡ ቀኖና ቤተ ክርስቲያን ግሂሶም ብድፍኢት መራሕቲ ፖለቲካ ዘይሕጋዊ መዓርግ ፓትርያርክነት ዝሓዙ ኣቡን እዮም ሕጂ ግና ንህይወቶም ኣብ ዘሻቕል ኩነታት ይርከቡ ኣለዉ

ኣምላኽ ምሕረት ሂቡ ናይ ንስሓ ጊዜ ክህቦም ጸሎትናን ምንዮትናን ዩ።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div