S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

መግለጺ፡ ንሰብኣዊ መሰላት ሃገር ኤርትራ ዝምልከት

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ኣድማሳዊ ስድራቤት (ecumenical family) ንመሰል ደቂ ሰባት ብዝምልከት፡ ሰበስልጣናት መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣንጻር ገዛእ ህዝቦም ዝፍጽምዎ ዘለዉ፡ ኣዝዩ ዘሰንብድ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ ግህሰት ከም ዘሎ፡ ጸብጻባት ክበጽሓና ጸኒሑን ኣሎን። ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ ገባሮን፡ መንእሰያትን ዝወርድ ዘሎ ከቢድ ሰብኣዊ ግህሰት፡ ዓዶም ገዲፎም ብብዝሒ ክስደዱ ይረኣዩ ኣለዉ።

ኣብ ውሽጢ እታ ሃገር ሕጽረት ሓርነታዊ መሰል ስለ ዘሎ፡ ዝበኣሰ ድማ ዳኛ ዘየብሉ ማእሰርትን ምሕያርን ምስዋርን፡ ምስኡ ድማ፡ ንመንግሥቲ ይቃወም ተባሂሉ ዝተጠርጠረ ሰብ፡ ኣገዲድካ ምጥፋእን፡ ምስዋርን፡ ምሕያርን ስለ ዘሎ፡ 

ማዕከን ዜናታት ብመንግሥቲ ስለ ዝውነና፡ ማእከላይ ማዕኸናት ዜና ዝብሃላ ቦታ የብለንን። ማእከላይ ቤት ፍርዲ ዝብሃል የልቦን፡ ውልቀ ሰባት ብዘይ ሓደ መስርሕ ፍርዲ ይእሰሩ። ፖለቲካውያን ፓርቲ ዝብሃላ የለዋን። ሰራሕተኛታት መሰሎም ዝሓትሉን ገዛእ ርእሶም ዝኸላኸልሉን ማሕበር የለዋን። መሰል ምእካብን፡ መሰል ሰላማዊ ሰልፊ ምግባርን የለን። ህዝባዊ ኣኼባታት ኣይፍቀድን። ንሰብኣዊ መሰላት ዝከላኸል ኣብ ኤርትራ የልቦን። መብዛሕትአን ረዲኤት ዝህባ ማሕበራት (NGOs) ስለ ዝተሰጓ፡ ኣብ ኤርትራ የለዋን። ብሰንኪ ደርቅን ጥምየትን፡ መግቢ ብመንግሥታዊ ብመቑነን እዩ ዝዕደል።

ሃይማኖታዊ ሓርነት የልቦን። ንፓትርያርክ ሃገረ ኤርትራ፡ (ቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስ) ብዛዕባ እቶም ብ2004 ዓ.ም. ኣብ መድሓኔ ዓለም ቤተ ክርስቲያን ዘገልግሉ ዝነበሩ ሰለስተ ካህናት፡ ንምንታይ ተኣስሩ ኢልካ ሓቲትካ ብዝብል ምኽንያት፡ ካብ 2005 ዓ.ም ክሳብ ሕጂ ንዝተዋህቦም ሓዋርያዊ ሥልጣን ከይሰርሕሉ፡ ብሰበሥልጣን መንግሥቲ ሥልጣኖም ተመንዚዖምን፡ ተቐይዶምን ኣለዉ።

ብዛዕባ እቶም ብወርሒ ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም.፡ ንልዕሊ 300 ዝኾኑ ኤርትራውያን ጃልባ ተሰይራቶም ኣብ ገማግም ላምፐዱሳ ብሓደጋ ጥሒሎም ዝሞቱ፡ ኩላትና ብመሪር ሓዘን እንምስክሮ ሓቂ እዩ። እዚ ንብዙሓት መንእሰያት ኤርትራውያን ስደተኛታት - ሰብኡትን ኣንስትን - ኣብ ህልቀት ዘብጽሖም ዘሎ፡ ካብቲ ኣብ ልዕሌኦም ዝፍጸም ዘሎ ግዱድ ዕስክርና ሃዲሞም ህይወቶም ኣብ ሰላማዊ ሃገር ከማዕቁቡ ክብሉ፡ ክብርቲ ህይወቶም ኣብ ሓደጋ የእትውዋ ኣለዉ።

ኣብዘን ዝሓለፋ ዘመናት፡ ብኣሽሓት ዝኣኽሉ ኤርትራውያን፡ ህይወቶም ኣብ ውሑስ ሓገር ከማዕቁቡ ክብሉ፡ ሃገሮም ንድሕሪኦም ሓዲጐም ናብ ቅድሜኦም ዝጸንሐኦም ሃገራት ኢትዮጵያን ሱዳንን ይሃድሙ ኣለዉ። ገሊኡ ከቢድ ውልቃዊ ሓደጋ እናኸፈሉ፡ ናብ ዝሓሻን ሰላማያን ሃገራት ክሰጋገሩ ክብሉ፡ ኣብ ኢድ ነጋዶ ሰብ ኣትዮምን ተሓይሮምን፡ በጃ ነፍሶም ገንዘብ ኣምጽኡ እናተባህሉ፡ ሰብኡት ይቕጥቀጡ፡ ኣንስትን ኣዋልድን ብዘይፈቓደን ይዕመጻ፡ ኮታ ዘይተኣደነ ኣካላውን ስነ ኣእምሮኣውን ስቓይ ይበጽሖም ኣሎ። ብፍላይ እቶም ንእስራኤል ክኣትዉ ሓሊኖም፡ ብግብጺ ኣቢሎም ንሰሜን ዝጐዓዙ፡ መብዛሕትኦም ኣብ ኢድ እቶም ሸየጥቲ ሰብ ዝኾኑ በደዊን ስለ ዝወድቁ፡ ስድራ ቤቶምን ፈተወቶም ዋጋ ህይወት ገንዘብ ክኸፍልሎም፡ ጸቕጢ ክገብርሎም ምእንቲ፡ ነቶም ኣብ ኢዶም ዝወደቁ ግዳያት፡ ኣብ ምድረ በዳ ሲናይ እዚ ዘይብሃል ስቃይ የሳቅይዎም ኣለዉ።

ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ፡ ነቲ ብጋህዲ ኣብ ሃገሮም ዝረአ ዘሎም ጨካን ተርእዮ ብምምልካት፡ ብግንቦት 25 2014 ዓ.ም. ሓዋርያዊ መልእኽቶም ንዓለም ኣስምዑ። መልእኽቶም ድማ ብኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ኣብ ስደት ምሉእ ድጋፍ ረኺቡ ኣሎ።

ስለዚ በቶም ኣብ ጀነቫ ስዊዘርላንድ ብ2-8 ሓምለ 2014 ዓ.ም. ዝተጋብኡ ዓለም ለኻዊ ቤት መክሪ ቤተ ክርስቲያናት ማእከላይ ኮሚቲ ዝተወስደ ስጉምቲ፡ ከምዚ ይብል፡-

ሀ). ኣብ ኤርትራ ንመስል ደቂ ሰባት ብምቁንጻብ፡ ዝውሰድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ ህይወት ንጽሃትት ሰባት ብምጉድኡ ንሓዝን።

ለ). ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዘሕዝን ህልዊ ሓቅን ውጽኢቱን ዓለም ምእንቲ ክትፈልጦ፡  ብጳጳሳት ሮማን ካቶሊክ ቤተ ክርስቲያን ዝተወስደ ስጉምቲ ንንእድ።

ሐ). ነቲ ኣብ ምድረ በዳ ሲናይ ብሽየጢ ደቂ ሰባት፡ ኣብ ልዕሊ ህይወት ንጹሃት ሰባት ዝወርድ ዘሎ በደል፡ ብፍላይ ኣባላት ቤት መክሪ ዓለም ለካዊ ቤተ ክርስቲያናት ዝኾና ሃገራት፡ እዚ ጉዳይ እዚ ከብቅዕ ክተሓባበራ ንጽውዕ።

መ). ቅዱስ ፓትሪያርክ እንጦንዮስ፡ ፖሊቲካ ኣብ ጉዳይ ቤተ ክርስቲያን ኢዱ ከእቱ የብሉን ኢሎም ዝወሰድዎ ቅኑዕ ስጉምቲ ብምድጋፍ ኣብ ጐኖም ደው ንብል ኣሎና።

ሠ). መንግሥቲ ኤርትራ ንቅዱስ ፓትሪያርክ እንጠንዮስ ካብ ቤት ማሕዩር ክፈትሖምን ናብ ድላዮም ክጐዓዙ መሰል ክህቦም ንጽውዕ።

ረ). መንግሥቲ ኤርትራ ንኹላቶም እሱራት ብሰብኣዊ ክብሪ ክሕዞምን፡ ግቡእ መስል ፍርዲ ክወሃቦምን ንጽውዕ።

ቀ). ብዘይ ዳንነት ዝተኣስሩን፡ ዝተታሕዙን፡ ብሓይሊ ሃለዋቶም ኣጥፊእካ ዝተሰወሩን፡ ብጠርጠራ ንመንግስቲ ይቓወሙ ይኾኑ ተባሂሎም ዝተኣስሩን ምህላዎም ኣዚና ንሓዝን።

በ). መንግሥቲ ኤርትራ ንዓለም-ለኻዊ ሲቪላዊ ፖለቲካዊ መሰላትን፡ ኣፍሪቃዊ ሰብኣዊ ውዕላት ኸኽብርን፡ ድሕነት ህጻናትን ክሕሉን ከኽብርን ንጽውዕ፡ ኢሎም ለበዋታቶም ኣመሓላለፉ።

Statement on the state of human rights in Eritrea

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div