S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ሕጊ ደኸመ፥ ፍትሒውን ከቶ ኣይተረኽበን (ትንቢት እንባቆም 1:4)

መግለጺ መንበረ ጵጵስና ሰሜን አሜርካ ብዛዕባ እዋናዊ ኩነታት ቤተ ክርስቲያንናን ሃገርናን። ቦክሪ ጽሑፍ [PDF Version] ንምርኣይ አብዚ ጠውቕ

እስራኤል ሕጊ-ኣልቦ ኮይና ፍትሒውን ጠፊኡ ሕዝቢ ምስ ተበደለ "ሕጊ ደኸመ፣ ፍትሒውን ከቶ ኣይወጸን። እቲ ረሲእ ነቲ ጻድቕ ከቢብዎ እዩ እሞ፣ ስለዚ ፍርዲ ቐኒኑ ይወጽእ ኣሎ" (ትንቢት እንባቆም 1:4) እናበለ ነቢይ እንባቆም ካብ እግዚኣብሔር ተቐቢሉ ንሕዝቢ እስራኤል ብብኽያትን ብቑዝማን ዘመሓላለፈሎም መልእኽቲ እዩ። ሎሚ ህልው ኩነታትና ካብ ዝኸፍአ ናብ ዝገደደ ይኸይድ ስለ ዘሎ፥ እዚ ቃል' ንዓና ንኤርትራውያን እንተኾነውን ከምዘለዎ ዝምልከተና ኮይኑ ንረኽቦ።

ሕዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ነዊሕ መዋእል ንፍትሒ ካብ ደገ ናብ ቤቱ ምስ ኣእተዋ፡ ፍትሒ ተረኺባ ኢሉ'ውን "እፎይታ" ኣብ ዝተጸበየሉ እዋን ፍትሒ ኣብ ደምቢኡ ተቐቢራ። ሎሚ ካብቲ ናይ ቀደም ብዘይንእስ ስቓይ፥ ኣደዳ ጭቆና፥ ሓሳር፥ መግረፍትን ስደትን ኮይኑ ይርከብ ኣሎ። እዚ ሕዝቢ እዚ: ኣብ ዘመነ መግዛእቲ ዝተነፍጎ ሓርነት: ፍትሒ፥ ራህዋን ክብረትን ክረክብ ዝግብኦ ክነሱ፥ ብኣንጻሩ ናይ ምጽናት ሃዋህው ኣንጸላልይዎ ይርከብ። ብስርዓተ ሕግን ብዘንጊ-ሓቅን ክትመሓደር ዝግብኣ ሃገር፥ ብወለንታን ድሌት ውልቀ ሰባትን እትውነን ኮይና ኣላ። ልዕልና ሕጊ ስለዝተረግጸ ድማ ኤርትራዊ ብዘይ ልቡ ካብ ሃገሩ ሃጽ ኢሉ ይስደድ: ትሕቲ በሃማት እንስሳ ወሪዱ ይሽየጥ፥ ናውቲ ኣካላቱ ተጠቢሑ ኣብ ዕዳጋታት መዋገዪ ኮይኑ ኣሎ።

ኣብ እዋኑ ሰማዒ ኣይረኸቡን እምበር፥ እዚ ሓደጋ እዚ ዘስተውዓሉ ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ፥ ናብ ሕዝቢ ኣብ ዝለኣኽዎ ቅሉዕ ደብዳበ ንኹሉ ዝኸውን “ሕጊ እንተ ረገጽካዮ፥ ተመሊሱ እዩ ዝረግጸካዝብል ረዚን መጠንቀቕታ ሂቦም እዮም። ሎሚ ሓቅነትዚ ቃልዚ፥ ዕለት መጸት ኣብ ቅድሚ ዓይንና ክፍጸም ንርእዮ ዘሎና ሓቂ እዩ። ሕጊ ስለ ዝተረግጸ ድማ፥ እነሆ ኩላትና ተረጊጽና ኣሎና።

ሃገርና ትባድም፡ ሕዝባ ድማ ይጠፍእ ኣሎ። እቶም ሕጊ ትጥሕሱ ኣሎኹም፡ ሳዕቤኑ ከቢድ እዩ፡ ናብ ልብኹም ተመለሱ ኢሎም ዝመኸሩ ኤርትራውያን'ውን (ውሉደ ክህነትን ኣመንትን) ሰማዒ ኣይረኽቡን። ብኣንጻሩ እኳደኣ ርህራሄ ብዝጎደሎ ኣገባብ፥ ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ ከይተረፉ፥ መሕደሪኦም ማሕዩር ኮይኑ ኣሎ።

ኣብዚ ከቢድ ናይ ህላወን ናይ ምጽናትን ኣጋጢሞና ዘሎ ተኣፋፊ እዋን፥ ኣርባዕተ ጳጳሳት ካቶካዊት ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፥ኣበይ ኣሎ ሓውኻ”? ዚብል ዘቕረብዎ እዋናዊ መንፈሳዊ ጽሑፍ [Linkተዘርጊሑ ኣሎ። እዚ ድማ ነቲ ቅዱስ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ፥ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ፥ መንበረ ጵጵስና ኣሜካ፥ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን፥ ብኣጋኡ ክብልዎ ዝጸንሑ ሓቂ ዝድርዕ ስለ ዝኾነ፥ ምእንቲ ድሕነት ሕዝብን ሃገርን ዘመሓላለፍዎ ረዚን መልእኽቲ ምሉእ ደገፍና ንገልጽ። ነፍሲ ወከፍ ልና ዘለዎ ነዚ ኣበይ ኣሎ ሓውኻ ዚብል ዓቢ ሕቶ መልሲ ክረኽበሉ ይግባእ።

ሎሚ እዞም ምእንታና ሓሊፎም ኢልና እንዝክሮም ስዉኣትና፡  ክብርቲ ሕይወቶም ክህቡ እንከለዉ፡ ድሌቶም ሕዝቢ ክርህዎ እዩ ዝነበረ። እታ ኣብ ኣጋ ምሕላፍ ሕይወቶም ዚብልዋ ዓወት ንሓፋሽ እትብል ቃል እኳ ነቲ ብድሕሬና ዝተርፍ ኩሉ ዓወት ይኹነሉ ማለት እዩ። ዕውት ሕብረተ ሰብ ዝበሃል ድማ፡ እቲ ብኣምላኽ ዝተዋህቦ ምሉእ ናጽነት ተጠቒሙ፡ ብናጽነት ነታ ክሕልዋ፡ ከማዕብላ፡ ክኸናኸና ዝተዋህበቶ መሬት ብዘይ ፍርሂ ምስ ዝነብረላ ጥራይ እዩ። ብኻልእ ቃላት፣ብሕጊ፣ ብፍትሕን ርትዕን ተማእኪልካ ብማዕርነት እትነብረላ ሃገር ምውናን ማለት እዩ።

ክቡር ሕዝቢ ኤርትራ፥ በዚ ኣጋጣሚ መዓልቲ ስውኣትና እንዝክረሉ ዕለት፡ ራህዋን ሰላምን ክነግሥ፥ ሕሰምና ከኽትም፥ ኣምላኽ እትፈርህን ሰብ እተኽብርን፥ ፍትሕን ርትዕን እትመሓደር ሃገር ክንውንን፥ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ እጃሙ ከበርክት ብስም ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ንጽውዕ።

እግዚኣብሔር ንስዉኣትና ሰማያዊ ዕረፍቲ ይሃቦም። ኣሜን።

መንበረ ጵጵስና ሰሜን አሜርካ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ።

20 ሰነ 2014

************************* 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div