S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ሥርዓት ምሕጻብ እግሪ!

ኣብቲ ነዊሕ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ካብ ዘመነ-ሓዋርያት ኣትሒዞም ክሳብ ሎሚ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናተሰጋገሩ ዝመጹ ናይ ትውፊት ትእዛዛትን ሥርዓታትን ኣለዉ። ሓደ ካብኦም ድማ እቲ ዓመት መጸ ኣብ ዕለተ ሓሙስ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንገብሮን ንዝክሮን ሥርዓት ምሕጻብ እግሪእዩ። ናይዚ ሠናይ ግብሪ ጀማርን መሃርን ድማ ባዕሉ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምዃኑ፡ ዮሓንስ ኣብ ዝጸሓፎ ቅዱስ ወንጌል ምስ መንፈሳዊ መልእኽቱ ብሰፊሑ ተጻሒፉ ንረኽቦ። ብዛዕባ ሕጽበተ-እግር ዝገልጽ ኣብ ወንጌል ማቴዎስ፥ ማርቆስን ሉቃስን ተጻሒፉ ኣይንረኽቦን ኢና። 

ወንጌላዊ ዮሓንስ ግና በቲ ኢየሱስ ክርስቶስ እግሪ ናይ ነፍሲ ወከፍ ተመሃሮኡ በብሓደ ክሓጽቦም ከሎ፥ ዝረኣዮ ዘገርም ስራሕን ትሕትናን ናይ ጎይታ ልቡ ስለ ዝተመስጠ እዩ ኣዕሚቑ ዝጸሓፎ። ብዓለማዊ ኣተሓሳስባ ድማ ጎይታ እናተባህለ እግሪ ባሮቱ፥ መምህር ተባሂሉ እግሪ ተመሃሮኡ፥ክሓጽብ ምርኣይ ብሓቂ ዝገርምን ዘይንቡርን ክኸውን ይኽእል እዩ። ብመንፈሳዊ ዓይኒ ግና መግለጺ ልባዊ ፍቕርን ኣርኣያ ትሕትናን ጥራይ እዩ።

ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዕለተ ልደቱ ይኹን ኣብ ጥምቀቱ መዘና ኣልቦ ዝኾነ ትምህርትን ትሕትናን ብግብሪ ኣርእዩና እዩ። ብፍላይ ድማ እቲ ብዕለተ ሓሙስ እግሪ ደቀ-መዛሙርቱ ብምሕጻብ ዝገበሮ ብዙሕ ዘደንቕ ተኣምራት እዩ።  እቲ ዝያዳ ዘገርም ከኣ ጎይታ ነቲ ንሞት ኣሕሊፉ ዝሃቦይሁዳ ኣስቆሮታዊ ከይተረፈ 30 ቅርሺ ከም ዝሸጦ እናፈለጠ፥ ከም ኩሎም ደቀ-መዛሙርቱ ብማዕረ፡ እግሩ ሓጸቦ። ክብሪ ንልዑል ኣምላኽ ይኹን። ብድሕሪ እዚ ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓዋርያት ኣነ ጎይታኹምን መምህርኩምን ከሎኹ ኣእጋርኩም ካብ ሓጸብኩ ንስኻትኩምውን ከምኡ ኣእጋርሕድሕድኩም ክትሓጽቡ ይግብኣኩም እዩ። ከምኡ ክትገብሩ ከኣ ኣርኣያ ሂበኩም ኣሎኹ በሎም (ዮሓ 1313-15) እዚ ጽኑዕ መንፈሳዊ ትእዛዝ ድማ ንሓዋርያት ጥራይ ዘይኮነስ ንኹልና ኣመንቲ ክርስትና ዝተዋህበ ቀዋሚ ሕግን ትእዛዝ ኣምላኽን ምዃኑ ኣይንዘንግዕ።

ስለዚ እምበኣር እዚ ሠናይ ልምድን ናይ ትሕትና ሥርዓትን ዝኾነ ምሕጻብ እግሪ ኣብ ዘመን ሓዋርያትውን ብዝያዳ ሰፊሑን ክቡር ሥርዓት ኮይኑን ቀጸለ። ብዛዕባ እዚ ሓዋርያ ጳውሎስ ናብ ጢሞቴዎስ ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ “... ጋሻ ብምቕባል፥ እግሪ ኣመንቲ ብምሕጻብ፥ ንዝጸበቦብምርሃው፥ ንሠናይ ግብሪ ዝበለ ገዛእ ርእሳ ዘወፈየት መበለት፥ ምስተን መበላሉ ትቆጸርክብል ምዒድዎ ኣሎ። ካብዚ እንግንዘቦ ድማ ምሕጻብ እግሪ መምዘኒ ትሕትናን ክቡር ባህልን ምንባሩ የነጽረልና (1 ጢሞ 510) ኣብቲ ክቡር ሕብረተሰብናውን ክሳብ ኣብዚ ቀረባ እዋን ቅቡልዝውቱርን ምንባሩ ብግቡእ ዘርከብናሉ ናይ ትማሊ ተዘክሮና እዩ። ብፍላይ ኣብ ገጠራትና ኣንስቲ ንሳብኡተን፥ ውሉድ ንወለዶም፥ ሰብ-ቤት ንኣጋይሾም ተቐዳዲምካ እግሮም ምሕጻብ ምርቓን በረኸትን ዘውህብ ሠናይ ግብሪ እምበር ከም ድሕረትን ሕፍረትን ዝርአ ፈጺሙ ኣይነበረን። ኣብዚሕጂ እዋን ግና ውሉድ ምሕጻብ እግሪ ወለዶምስ ይትረፍ፡ ጽቡቕ ማዕዳን ምኽሪ-ወለድን ንኽሰምዑ እኳ ፍቓደኛታት ከም ዘይኮኑ ኣብ ዕለታዊ ናብራና ንዕዘቦ ዘሎና ሓቂ እዩ።

እቲ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዕለተ ሓሙስ ዝጀመሮ ምሕጻብ እግሪ ካብ ሓዋርያት ናብ ቅዱሳን ኣቦታት ካብኡ ሓሊፉ ድማ ናብ ኩሎም ኣመንቲ-ክርስቲያን ስለ ዝተወራረሰ፥ ኣብ ብዙሓት ኣብያተ ክርስቲያናትን ዝተፈላለያ ሃገራትን ቅቡል ጥንታዊ ትእዛዝ ኮይኑ ንዘመናት እዩ ተዓቂቡ። ኣብ ገዳማት ሃገርናውን እንተኾነ ምሕጻብ እግሪ ኣዝዩ ዝውቱርን ክቡርን መንፈሳዊ ሥርዓት እዩ። ንኣብነት ዝኾነ ጋሻ ናብ ገዳም ደብረ-ቢዘን እንተመጸ፥ ብመጀመርታ በቶም ተቐበልቲ ኣጋይሽ እግሩ ክሕጸብ ንቡር ሥርዓትን ሕጊ ገዳምን እዩ። ኩልና ከምንፈልጦ ርስሓት እግሪ ብዙሕ እዩ።ይኹን እምበር ትእዛዝ ክርስቶስ ንዝፍጽምን በረኸት-ምርቓ ንዝደልን ትሑት ክርስቲያን ግና ቀሊልን ጥዑምን እዩ። እቲ 30 ጥቅምቲ 2013 . ኣብ ደቡብ ኮሪያኣምላኽ ሕያዋን ናብ ፍትሕን ሰላምን ምርሓና”! ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ቴማ ዝተጋብአ መበል 10 ጉባኤ ኣብያተክርስቲያናት ዓለም፥ ኩሎም ዕዱማት ምስ ተኣከቡ፥ ብድሕሪ መኽፈቲ ጸሎት እግሪ ኣጋይሽ ብምሕጻብ ምጅማሩ ንብዙሓት ኣመንቲ ክርስትና ዘሐጎሰን መንፈሳዊ ትእዛዝ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዳግም ዘዘኻኸረን ሠናይ ግብሪ እዩ ነይሩ።

እምበኣር ሓዋርያ ጳውሎስኣይትታለሉ፥ ሕማቕ ዕርክነት ንጽቡቕ ልማድ የበላሽዎ እዩከም ዝበሎ ምእንቲ ከይንኸውን ነቲ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ ኣርኣያ ኮይኑ ዝሃበና ናይ ትሕትናን ሕድሕዳዊ ምክብባርን መግለጺ ዝኾነ ምሕጻብ እግሪ፥ ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ ኣብ ቤተ ክርስቲያንጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክርስቲያን ስድራ ቤት ክዝውተርን ክዝከርን ሠናይ እዩ። ምኽንያቱ ጎይታና ባዕሉ "...ንስኻትኩምውን ከምኡ ኣእጋር ሕድሕድኩም ክትሓጽቡ ይግብኣኩም እዩ።...እንሆ ነዚ ነገር እዚ ፈሊጥኩምዎ ኣሎኹም፥ እንተ ፈጸምኩምዎ ከኣ ብፁኣን ኢኹምዝብልትእዛዝ እዩ ሓዲጉልና። ቀንዲ መንፈሳዊ ትርጉም ናይ ምሕጻብ እግሪ እምበኣር መግለጺ መንፈሳዊ ትሕትና ክርስቲያናዊ ተኣዝዞን ዝብል ሠናይ መልእኽቲ እዩ።

እግሪ ሓዋርያት ዝሓጸበ ክርስቶስ፥ ልብናን ኣእምሮናን የንጽህ!

ቀሲስ ሓለፎም ዓንደማርያም

ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ ቅዱስ ሚካኤል ሻርሎት ሰሜን ኣሜሪካ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div