S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3
ቅዱስ ኣቡነ-እንጦንዮስ፥ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ፓትርያርክ፥ ንክብርን ድኅነትን ቤተ-ክርስቲያን ክብሉ ዝኸፍልዎ ዘለዉ መሥዋዕትነት ኣብ ግምት ብምእታው፥ ተጣባቒ ሰብኣዊ-መሰል ዝኾነ ኣብ ጀርመን ዝምቕማጡ ማኅበር፥ ናይ ክብሪ ተሸላሚ ክኾኑ ቅዱስ ኣቡነ-እንጦንዮስ መሪጹዎም ኣሎ። እዚ ድማ ቅዱስ-ኣቦና ጥራይ ዘይኮነ ብኣውርኡ ንቤተ-ክርስቲያናውን ዓቢይ ዓወት እዩ። ከመይሲ ኣብዚ እዋን ቅድስቲ ቤተ-ክርስቲያንን ቅዱስ-ኣቦናን ከም ኣብ ሓንቲ ሳንቲም ዘሎ ክልተ ገጽ ስለ ዝኾኑ፥ እዚ ሽልማት ንደምበ-ተዋሕዶና ዓቢይ ትርጉም ዘለዎ ድርብ ዓወት እዩ ክበሃል ይከኣል። Video

እዚ STEPHANUS-STIFTUNG ዝበሃል ተጣባቒ ሰብኣዊ-መሰል ዝኾነ ማኅበር፥ ብምኽንያት ሃይማኖቶም ወይ እምነቶም ናይ መሰል ግህሰት ንዝተፈጸሞም ኩሎም፥ ዝጣበቕ ማኅበር ከም ምዃኑ መጠን፥ ነቲ ብምኽንያት ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ቅዱስ-ፓትርያርክ እንጦንዮስ ዝቕበሉዎ ዘለዉ ግፍዒ፥ ሰብኣዊ ምዃኑ ተቓውሞኡ ንምግላጽዩ፥ ነዚ ብዓለም-ለኸ ደረጃ ኣፍልጦ ዝረኸበ ዓቢይ-ሽልማት ክመርጾም ዝኸኣለ። እዚ ድማ ከምቲበትሪ ሓቅስ ትቐጥን እምበር ኣይትስበርንዝበሃል፥ እቲ ብዘይ ምቁራጽ ዝግበር ዘሎ ፖሎቲካዊ ተጽዕኖ ከቢድን ፈታንን እንተኾነ፥ ቅዱስ ኣቦና ክንብርከኹን ቤተ-ክርስቲያና እውን ኢዳ ክትህብ ግን ኣይተራእየትን።

እዚ ዓቢይ ትርጉም ዘለዎ ናይ ክብሪ-ሽልማት ዝተቐበሉዎ፥ እቶም ዓቢይን ክቡርን ኣቦና ብፁዕ-ኣቡነ መቃርዮስ እዮም። ከመይሲ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ-ክርስቲያን ዓቃቤ-መንበር ከም ምዃኖም መጠን፥ ኣብቲ ብ7 ታሕሳስ 2013 ዝተኻየደ ሥነ-ሥርዓት ብምርካብ፥ ካብዚ ዝተባህለ ትካል ተወኪሎም ካብ ዝመጹ Walter Flick ዝተባህሉ ክቕበሉዎ ክኢሎም። እቲ ኣብቲ ኣደራሽ ተረኺቡ ዝነበረ ሕዝቢ ድማ፥ ነቲ ሥነ-ሥርዓት ብድሙቕ ጣቕዒት ከሰንዮ ኣብ ርእሲ ምርካቡ፥ ነቲ በዓል ንምምዕራግ ተባሂሉውን ብናቱ ተበግሶ፥ ንኹሉ ዝኣክል ሽሻይ ብምቕራብ ዝምስገን ተግባር ምፍጻሙ ክጥቀስ ግቡእ እዩ።

እቲ ሽልማት ድሕሪ ምቕባል ብፁዕ-ኣቦና ኣብ ዘስምዑዎ ቃል፥ ቤተ-ክርስቲያንና ኣብ ከቢድ ጸገም ምህላዋ ስለንፈልጥ፥ ኣብ ኣደባባይ ወጺእና ጓሂ ልብና ክንዛረብ ጸኒሕና ኢና። ኅብረተ-ሰብ ዓለምውን ንኣውያትና ግቡእ መልሲ ክህብ ጸኒሑዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ድማ ነቶም ብዕድል ቤተ-ክርስቲያን ዝጻወቱ ዘለዉ፥ ክሰልኩሉ ዝኽእሉ ማዕጾታት ኣብ ገጾም ብምዕጻው ንድሕሪት ክመልሶም ዝጸንሐ። ከም መቐጸልታ እቲ ዝሓለፈ ኩሉውን፥ እንሆ ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት ዎርልድ ካውንስል ኦፍ ቸርችስ ኣብ ደቡብ- ኮርያ ኣብ ዝጸውዖ ጉባኤ፥ እቲ ብዮፍታሔ ዲሜጥሮስ ዝተመርሐ ጉጅለ ብዘሕፍር ውርደት፥ ካብቲ ጉባኤ ተደፊኡ ክወጽእ ከምዝኸኣለ ዘይሰምዖ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። ስለዚ ደገፍ ኅብረተ-ሰብ ዓለም ስለዘሎና በይንና ኣይነበርናን፥ ሕጂውን በይንና ከምዘይኮንና እዚ ዝወሃበና ዘሎ ሽልማት ዘረጋግጸልና ዘሎ። ስለዚውን እግዚኣብሔር ምሳና ስለዘሎ እቲ መከራናን ጸበባናን ዝውድኣሉ ግዜ ርሑቕ ኣይኮነን። ነዞም ኣብዚ ጸቢብ ዝኾነ እዋን ምሳና ደው ዝበሉ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ-መሰል ድማ፥ ብስም ቅድስቲ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶን፥ ብስምቶም ንሾሞንተ ዓመት ዝኣክል ኣብ ትሕቲ ሞቑሕ ዝርከቡ ዘለዉ ብፁዕ-ኣቦናን፥ እነቕርቦ ምስጋና ወሰን የብሉን . . . . . ብምባል ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ዘረብኦም ፈጺሞም።

ካብዚ ብምቕጻል ድማ ኣቐዲሙ ወጺኡ ብዝጸንሐ መርሓ-ግብር መሠረት፥ ነቶም ኣብ ባሕሪ-ላምባዱሳ ተዋሒጦም ዝጠፍኡ 360 ወገንናን ኣኅዋትናን፥ ጸሎተ-ፍትሓት ክግበረሎም ተወሲኑ ስለ ዝጸንሐ፥ ብፁዕ-ኣቦና ኣቡነ መቃርዮስ ዝመርሑዎ ሥርዓተ-ጸሎት ተኻይዱ።ኣዕርፍ ነፍሶሙ ውስተ መካን ሥዑር፥ ወሃበ ማየ ዕረፍትእናተባህለ ድማ እቲ ዝግባእ ሥርዓተ- ፍትሓት ክፍጸመሎም ክኢሉ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ብፁዕ ኣቡነ-መቃርዮስ ነቲ ሥነ-ሥርዓት ኣመልኪቶም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ . . . . . ኩላትና ከም እንዝክሮ ደቅና ሎሚ ንመጀመርታ ግዜ ኣይኮኑን ዝሞቱ ዘለዉ። ብዙሕ እዋን ተመሳሳሊ ኩነታት ከጋጥም ጸኒሑ እዩ። ቅድሚ ሠለስተ-ዓመት ኣብ ባሕሪ-ሜዲተራንያን ልሊ 400 ደቅና ተዋሒጦም ከምዝጠፍኡ ክንርስዖ ንኽእል ኣይኮነን። እቲ ተጻዒኑና ዘሎ መዓት ስለ ዘይተወድአ ግና፥ እንሆ ሕጂውን ሕዝብና ኣብ መሪር ሓዘንን ብኽያትን ይርከብ ኣሎ። ኣላይን, ኣካብን, ሓብሓብን ዝሰኣኑ መንእሰያትና፥ ከም ደቂ-ዛግራ ፋሕ ብትን ኣትዩዎም እግሮም ናብ ዝመርሖም ክጠፍኡ ክብሉ፥ ኣብ ዘይሓሰቡዎ ባሕሪ ተዋሒጦም ምጥፍኦም መደበስታ ዘይብሉ-ሓዘን ንሕዝብና ኮይኑዎ ዝርከብ ዘሎ። ኣነ ግን ንእግዚኣብሔር ይግባይ ኢለየ። ንኹሉ መወዳእታ ከምዝህልዎ ድማ ተስፋ ኣሎኒ። ዕድመ ገፋዕቲ ነዊሕ ዝኸይድ ስለ ዘይኮነ፥ ብሕጊ ናይ እትመሓደር ሃገር ዜጋታት እንኾነሉ ግዜ ርሑቕ ኣይኮነን። እንተኾነ ብመገዲ-ጸሎት ምስ እግዚኣብሔር ምርኻብ ከምዘድልየና ክንዝንግዕ ኣይግባእን። ብዝተረፈ ደም-ሠማዕታትና ኣብ መንበረ- ፀባዖት ቀሪቡ የእዊ እዩ ዘሎ። እቲ መልሲ ድማ ርሑቕ ኣይኮነን። ብዝኾነ እቲ ሕያው-ኣምላኽ ብሞት ንዝተፈለዩና ኩሎም ዘለዓለማዊ ዕረፍቲ ክህቦም ዘየቋርጽ ጸሎትና እዩ ብምባል ብፁዕነቶም ነቲ መደብ ብጸሎተ-ቡራኬ ፈጺሞሞ።

ብዝተረፈ እቲ ጠቕላላ ኣገልግሎት ክፍጸም ዝኸኣለ፥ ቤተ-ክርስቲያን ቅዱስ-ጊዮርጊስ ኣብ ዘዳለዉዎ ኣደራሽ እዩ። ነቲ ሥነ-ሥርዓት ዕዉት ንምግባርውን፥ እቶም ሓላፊ እቲ ቤተ-ክርስቲያን ዝኾኑ ካህን ቀሲስ-ጳውሎስን ምእመናኖምን ዘርኣዩዎ ተወፋይነት ኣዚዩ ዝምስገን እዩ። እቲ ብብጊሓቱ ብብፁዕ-ኣቦና ተመሪሑ ክካየድ ዘርፈደ ቅዳሴ ከኣ፥ ኣብ መኣዲ ቅዱስ-ቁርባን በጺሑ ብዙሓት መንእሰያት ዝሳተፉዎ ኮይኑ ምርኣይ፥ ኣዚዩ ዘሐጉስ ተርእዮ ነይሩ ክበሃል ይከኣል። እዚ ቤተ-ክርስቲያን ካብ ካልኦት ፍሉይ ዝገብሮ፥ ኣብ መንእሰያት ፍሉይ ጠመተ ገይሩ ዝሠርሕ ብምዃኑ እዩ። ስለዚውን ከም ሞዴል ክውሰድ ዝግብኦ ቤተ-ክርስቲያን እንተተባህለ ዝበዝሖ ኣይኮነን። ስለዚ ድማ እቶም ትጉህን ህርኩትን ዝኾኑ ቀሲስ-ጳውሎስ፥ ንዝበለጸ ሥራሕ ክተግሁ ናይ ብዙሓት ተስፋ እዩ።

ኣብዚ ዕለት ብፁዕ-ኣቦና ንሠለስተ-ቈልዑት፥ ዘመርቲ ኢሎም ባሪኾሞም እዮም። ብዝተረፈ ኣብቲ ዝወዓለ ጠቕላላ ኣገልግሎት ንብፁዕ ኣቦና ተራዳእቲ ኮይኖም ኣብ ኣገልግሎት ኃቢሮሞም ዝወዓሉ ካህናት፥ ቀሲስ-ተክለማርያም ምርካጽዮን, ቀሲስ-ጳውሎስ, ቀሲስ ፋኑኤል ሓጎስ እዮም።

ዘኣንበሳ ማርቆስ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div