S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

“ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ካብ ሓጢኣት ከም ዝሞትኩም ብክርስቶስ ኢየሱስ ግና ንኣምላኽ ህያዋን ከም ዝኾንኩም ርእስኹም ቁጸሩ” (ሮሜ 6፡11)

ሓደ ጊዜ ሓደ ቆልዓ ካብ ገዝኡ ርሕቕ ኢሉ እናተጻወተ ከሎ ሓንቲ ናይ ርግቢት እንቋቕሖ ይረክብ እሞ፡ ናብ ገዝኡ ይወስዳ። ኣብ ገዝኦም ሓንቲ ከሕቕፍዋ ዝደለዩ ደርሆ ስለ ዝነበረት፡ ነታ ዝረኸባ እንቋቕሖ ምስተን ናይ ደርሆ እንቋቕሖታት ሓወሳ። እተን እንቋቅሖታት ነቒሐን፡ እታ ናይ ርግቢት እንቋቕሖ'ውን ምስአን ነቑሐት። ነታ ደርሆ ከም ኣዲኣ ቆጺራ ከኣ ዓበየት። ኵሉ ናብራኣ'ውን ከምተን ደርሁት ኮነ። ከምአን ጻሕቲራ ትበልዕ። ብዘይካ ናብ መስፈሪኣ ክትድይብ ንመንገብገባ ኣይትጥቀመሉን ብእግራ ኣብ ምድሪ ዘወር ከኣ ትብል ነበረት። ሓደ ጊዜ ብዙሓት ረጋቢት ብሰማየ ሰማይ ክነፍራ ምስ ረኣየት ተገሪማ ጠመተቶም። ነቲ ኣብ ጥቕኣ ዝነበረ ኣርሓ ደርሆ ከኣ “እዚኦም'ሲ ከመይ ኢሎም እዮም ብላዕሊ ላዕሊ ዝኸዱ ዘለው?” ኢላ ሓተተቶ፡ ንሱ ከኣ፡ “እዞም ትርእይዮም ዘሎኺ ረጋቢት እዮም። ንሳቶም ካብ ናትና ፍልይ ዝበለ መንገብገብ ኣለዎም፡ ስለዚ ከኣ ከምዚ እትርእዮም ዘለኺ ብሰማየ ሰማይ ይኸዱ።” ኢሉ መሊሱላ። እታ ርግቢት ከኣ በዚ ኣዝያ ተገረመትን ቀንአትን “ዕድለኛታት እዮም!” ከኣ በሎቶ። ከምኡ ኢላ ከኣ ከምቶም እትርእዮም ረጋቢት ምዃና ከማታቶም ብላዕሊ ላዕሊ ኽትነፍር ከም እትኽእል ከይፈለጠት ከም ደርሁት እንዳ ነበረት ጊዜኣ ኣሕለፈቶ።

ጐይታ ነቶም ብስሙ ዝኣምኑ፡ ካብቲ ዝነበሮም ናብራ ኣውጺኡ፡ ንዕኡ ዝኾኑ ህዝቢ ምእንቲ ክኾኑ፡ ፍሉይ ህዝብን ጥሪት ኣምላኽን ገይርዎም እዩ። ካብ ኣተሓሳስባን ኣካይዳን ዓለም ወጺኦም፡ ንኢየሱስ ክመስሉ እዩ መዲብዎም። እቲ ዝሕዝን ግን ብዙሓት በዚ ክንነብር ዝተጸዋዕና፡ ምስ ዓለም ተጸናቢርና ልክዕ ከምታ ርግቢት ናብራ ረጋቢት ኽትነብር ተፈጢራ ከላ ከምተን ኣብ ዙርያኣ ዝነብራ ደርሁት ትነብር ዝነበረት፡ ከም ኣተሓሳስባን ኣነባብራን ከባቢና ንነብር ምህላውና እዩ። ነቲ እግዚኣብሔር ክንመላለሰሉ ኢሉ ዝመደበልና ናብራ ቅድስና ብማዕዶ እንዳ ኣድነቕናን እንዳ ተገረምናን ካብኡ ተኻፈልቲ ከይኮንና ዘመንና የብቅዕ። እግዚኣብሔር ግን ንዅልና ንስዕቦ ዘለና፡ ተማቐልቲ ኣምላኻዊ ባህርይኡ ክንከውን እምበር ከም ተራ ሰብ ክንመላለስ ኣይጸውዓናን። (ሆሴ 6፡8-9፣ ሮሜ 12፡2፣ ገላ 2፡19፣ ኤፌ 4፡17-24)።

ኣሰተንትን

1. ውጽኢት ምስ ዓለም ምጽንባር እንታይ ይመስለካ?

2. ክሳዕ ክንደይ ኢና ካብ ዓለም ክንፍለ ዝግብኣና?

3. ህይወትካ ክሳዕ ክንደይ ነቲ ብክርስቶስ ዝረኸበቶ መንነት ለቢሳ ኣላ? ነቲ ናይ ብሓቂ መንነትካ ክትለብስ ዝሕግዙኻ እንታይ ኣለው?

በቲ ዘማቐለና ኣምላኻዊ ባህርይኡ ፍረ መንፈስ እናፈረና ንእኡ ባህ መታን ከነብሎ ኣምላኽ ጸጋ ከብዝሓልና ናብ እግዚኣብሔር ንጸሊ

ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላከ ኣበዊነ።

መህ 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div