S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ብፍቕሪ ተመላለሱ

ፍቕሪ ማለት ስም ጥራሕ ከምዘይኮነ ኩልና ንፈልጦ እካ እንተኮነ፡ ግብሪ ምካኑ ግን ንዝንግዖ ኮይኑ ኢዩ ዝስምዓኒ። ምክንያቱ ከምቲ ብኣፍና እነድምጾ ብግብርና ስለዘይነጸባርቆ እየ ከምኡ ዝብል ዘለኹ። ንኹሉ ሰብ ግን ኣይኮንኩን ነቶም ዘይነተግብር እንበር። መጽሓፍ ቕዱስ ፍቕሪ ብግብሪ እንበር ብቃል

ከምዘይኮነ ብግልጺ እዩ ዝነግረና። “ኣቱም ደቀየ ብግብርን ብሓቅን እምበር፡ ብቓልን ብልሳንን ኣይንፋቐር”። (1 ዮሐንስ 3፡18) እስኺ ናይቲ ፍቅሪ በዓል መዚ ዝኾነ ክርስቶስ ኣባና ብዝገበሮ ፍቅሪ ናብ ቀራንዮ ኣቢልና ንጠምት፡ ብቃል ድዩ ኔሩ፧ ወይስ ብገብሪ ዝትስነየ፧ መልሲ ናባኩም እገድፎ። ነቲ ኩሉ ዝክእል ኣምላኽናን መድሃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ግን አብ መስቀል አጽኒዑ ዝሓዞ ፍቕርና ዳኣ እንበር ኣብ ኣእዳዉን አብ ኣእጋሩ ዝተሰመረ መሳምር ከምዘይኮነ ከዘኻኽርኩም እፈቱ። ሃዋያ ቅዱስ ፓውሎስ ብፍቕሪ መታን ክንመላለስ ክምዚ እብለና “ምቲክርስቶስ ዘፍቀረኩም፡ ነፍሱውን መባእን መስዋእትን ገይሩ ንኣምላኽ ንምዑዝ ጨና በጃና ዘሕለፈ፡ ከምኡ ብፍቕሪ ተመላለሱ”።(ኤፌሶን 5፡2) ክቡር ኣንባቢ እስከ ክሓተካ ንዓኻ ንበይንኻ ጥራይ ግን ኣይኮነን ሕቶይ፡ ንዓይ ንገዛእ ርእሰይ ከኣ እንበር ነብስኻ ንምፍታሽ መታን ክጥዕመኻ ግን፡ ንበይንኻ ከምዝሓተካ ዘለኹ ጌረ ከቕርቦ ኢየ። ንሰባት ተፍቕርዶ፧ ምናልባት እዛ ሕቶ ብዙሕ ሕቶታት ዝሓዘለት ስለዝኾነት ንምምላሳ ከይትብደካ መልክዓ ቐይረ ከቕርበልካ፡-

v  አብ ልዕሊ ደቒ ሰባት ትሕትና ተርኢ’ዶ፧

v  ስለ ፍቕሪ ክትብል ሓለፋታት ትገብረ’ዶ፧

v  ዝተሸገሩ ሰባት ክትርኢ ኸለኻ ትድንግጽ’ዶ፧

v  ዓቃልለዋህሓቐኛዕጉስዘይቐንእ፡ ዘይጀሃርዘይቕየም ዲኻ፧ ፍቕሪ ኸምዚ 

ኢዩ ትርጉማ “ፍቕሪ ዓቃል እያ፡ ፍቕሪ ለዋህ እያ፡ ፍቕሪ ኣይትቐንእን፡ ፍቕሪ ኣይትጀሃርን ኣይትንፋሕን፡  ኣይተስተሓፍርን፡ ናታ ኣይትደልን፡ ኣይትምረርን፡ ኣይትቕየምን እያ፡   
ብሓቂ ትሕጐስ እምበር፡ ብዓመጽ ባህ ኣይብላን።   ኲሉ ትጸውር፡ ኲሉ ትኣምን፡ ኲሉ ተስፋ ትገብር፡ ኲሉ ትዕገስ”።(1ይ ቆሮንቶስ ምዕራፍ 13፡4) ጠባያትካ ከምዚ ኩሉ ዝተገልጸ ዲዩ፧ ወይስ ብዝሰራሕካዮም ነገራት ንሰባት ትብጥረም፡ ህርፋንን ቕንእን ብዘንቀዶ ንደቒ ሰባት ትሕስድ፡ ወይ ብጭካነ ንድኩም ሓውኻ ፍትሒ ትኸልእ፡ ከምዚ እንተኼንካ ተመለስ አብ መንገዲ ጥፍኣት ኢካ ዘለኻ። ፍቕሪ ክህበኻ ናብቲ ምንጪ ፍቅሪ ኣምላኽ ኣእዳውካ አልዕ። ኣምላኽ ልማኖኻ ሰሚዑ አብ ክንዲ ፍቕሪ ኣሸገርቲ ዝኮኑ ሰባት ምስ ዝህበካ ብምጉሩምራም ፍቕሪ ኣይተጉድል። ምኽንያቱ ንሳቶም ኣምላኽ ዝሃበካ ናይ ፍቕሪ ቤ/ትምህርቲ ኢዮም። ምስኦም ብሰላም ክትነብር ምስከኣልካ ኢኻ ፈቓር እትኸውን።

ናብተን ቀዳሞት ሕቶታት ክመልሰካ ናይዘን ሕቶታት መልስኻ እወ እንተደኣ ኮይኑ ፡ ኣብ ከምይ ዝኣመሰሉ ሰባት ኢኻ አብ ግብሪ ተውዕለን፧ ወይ ንኸመይ ዝኣመሰሉ ሰባት ኢኻ እተፍቅር፧ ፍቕሪ መሸም ንውሱን ሰብ ምፍታው፡ ምስ ውሱን ስብ ጥቡቕ ዝምድና ምግባር፡ ምስ ንስካ እትደልዮን ክጠቕመካ ዝክእልን ሰብ ብጽቡቕ ምንባር ማለት አይኮነን። እንታይ ደኣ ካብ ኣምላኽ እንበር፡ ካብ ሰብ ይዕበ ይንኣስ ጥቕሚ ወይ ህያብ ከይተጸበኻ ምስ ኩሉ ሰብ ብሰላም ብልውሃት ምንባር እዩ። ስለዚ ድማ ኢዩ ፍቕርና አብ ውሱናት ሰባት ተሓጺሩ ከይትተርፍ መታን ጐይታ "ንኣኻትኩም ንትሰምዑ ግና እብለኩም አሎኹ፥ ጸላእትኩም አፍቅሩ ንዚጸልእኹም ጽቡቕ ግበሩ” ዝበለ ።(ወንጌል ሉቃስ 6:27) ስለዚ ንኹሉ ሰብ ከተፍቅር እግባእ።

ምፍቃር ማለት ኣብ ልብኻ ንኣምላኽ ዝኸውን ዓቢ ቦታ ምላው ማለት እዩ። ማለት ዝኾነ ሰብ ኣብ ኣምላኽ  ክነብር፡ ኣምላኽ ድማ ኣብኡ ክነብር ዝደሊ እንድሕር ዳኣ ኮይኑ፡ ከፍቅር ብግዲ እዩ። ከምቲ ውዲ ሰብ ንክነብር ዘድልዮን ዝሰማሞዖን ጠለባት ከማልእ ብግዲ ዝኾነ፡ ኣምላኽ ድማ ኣብ ደቂ ሰባት ንክነብር ዘድልዮ ጠለብ ኣሎ ፡ንሱ ኸኣ እዚ አብ ላዕሊ ክገልጾ ዝጸናሕኩ ፍቅሪ ኢዩ። ምኽንያቱ  ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ ንሱ ክነብረሉ  ዝኽእል ፈቃር ልቢ ከኣ እደዮ። ስለዚ ኢዩ ሃዎርያ ቅዱስ (ዮሐንስ አብ 1ይ መልእክቱ 4፡8)ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ እሞ፡ እቲ ዘየፍቅር ንኣምላኽ ኣይፈልጦን እዩ” ዝበለ። እሞ ኸደኣ አምላኽ ፍቕሪ ኢዩ ካብ በልና፡ አብን ወልድን ድማ ሓደ እዮም፡ “ኣነን ኣቦን ሓደ ኢና”። (ዮሐንስ ወንጌላ 10፡30) ስለዚ አብ ክንዲ እቲ ፍቕሪ ዝብል ቃል ክርስቶስ ዝብል ቃል ከነእትወሉ ንክእል ኢና ማለትዩ። ፍቕሪ ብኢየሱስ ክርስቶስ ኣቢላ ኣባና መወዳድርቲ ዘይብሉ ዓቢ ዕዮ ካብ ዓየየት፡ ንሕና ውን ኣካላትን ሰዓብትን ክርስቶስ ከምሙካና መጠን፡ እቲ ጐይታ ኣባና ዝገበሮ ድንቂ ውዕለት፡ ንሕና ውን ከምኡ ዓይነት ሰባት ንኽንከውን እዩ ዝምህርና።ጐይታ እውን እንተኾን ብዕለተ ሓሙሰ ንሃዋርያት ፍቅሪ ማለት ትሕትና ከምዝኾነት ብግብሪ ከርእዮም ትሕት ኢሉ ኣእጋሮም ክሓጽብ ከሎ፡ ከምዚ ከምዝበሎም ኢና እነንብብ “ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተላትኩም፡ በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ”።(ዮሐንስ ወንጌላ 13፡35)  

አብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዝያዳ ብዛዕባ ፍቅሪ ኣመልኪቱ ዝዛረብ ምዕራፍ፡ ኣብ 1ይ ቆሮንቶስ ምዕራፍ 13 እዩ። እስከ ነተን አብዛ ምዕራፍ ዘለዋ ፍቕሪ ዝብላ ቃላት ከምቲ ኣቀዲመ ዝበልክዎ ክርስቶስ ዝብል ቃል ተኪእና ንርኣየን ።
1. ብቛንቋታት ሰብን መላእኽትን እንተ ዝዛረብ፡ ክርስቶስ ኻብ ዘይህልወኒ፡ ከም ዜድሂ ኣስራዚ ወይስ ጭልጭል ከም ዚብል ጸናጽል ምዀንኩ። ( ሂወትና ብዘይ ክርስቶስ ሂወት አልቦ ነገር ኢያ)።
2. ትንቢት እንተ ዚህልወኒ፡ ኲሉ ምስጢራትን ኲሉ ፍልጠትን እንተ ዝፈልጥ፡ ኣኽራን ክሳዕ ዘግዕዝ ከኣ ኲሉ እምነት እንተ ዚህልወኒ፡ ክርስቶስ ኻብ ዘይትህልወኒ፡ ከንቱ ምዀንኩ ነይረ። (ክርስቶስ ዘይብሉ ነገር ኩሉ ከንቱ ኢዩ)።
3. ኲሉ ገንዘበይ ከኣ ንድኻታት እንተ ዝዕድል፡ ስጋይውን ንምንዳድ ኣሕሊፈ እንተ ዝህብ፡ ክርስቶስ ኻብ ዘይህልወኒ፡ ሓንቲ እኳ ኣይጠቕመንን እዩ።ክርስቶስ ዓቃል እዩ፡ ክርስቶስ  ለዋህ እዩ፡ ክርስቶስ. . . . . . . .(ክርስቶስ እንበኣር ንዓና ኩሉ ኢዩ)።
በል ክቡር ኣንባቢ ሂወት ብዘይ ፍቀሪ ማልት ልክዕ ሂወት ብዘይ ክርስቶስ ማለት ኢዩ። ሂወት ብዘይክርስቶስ ከኣ ከምዚ ክንርእዮ ዝጸናሕና ኢዩ። ስለዚ ብሓይሊ ቓል (ፊሊጲ1፡20) ንኣይ ህይወተይ ክርስቶስ እዩ፡ ክትብል ማታን ክትክእል  ብቓል ዘይኮነ ብግብሪ ንዓኻ ህይወካ ፍቅሪ ምካኑ ከተረጋግጽ ይግባአካ እዚ ወደሓንካ።

ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኵልና ይኹን ኣሜን።

አናጉኒስጢስ ሙሉጌታ ኪዳነ

Birmigham England

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div