S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ስቕለት ንፈልጥ: ትንሳኤ ድማ ንፈልጥ

ኣብ ቀዳም ካብ ሓደ ዓቢ ቤት ትምህርቲ: ሓደ ዓቢ ንህይወት ሰብ ዘድሓነ ስራሕ ፈጺምካ: ብዓቢ ማዕርግ እንተትምረቕ: ሰኑይ ስራሕ ጀሚርካ: እዚ እቲ ዝነፍዐ ሰራሕተኛና ኢሎም ክንእዱኻን ክሽልሙኻን እንተዝውዕሉ: አብ ራብዕቲ ግና: ኣብ ሓሙስ እዚ ሰብዚ ካብዚ ስራሕና ይውጻኣልና ጥራሕ ዘይኮነስ: ሓንቲ ከይበደልካ: መሳርሕተይ ዝበልካዮም ሓስዮም ሓሳስዮም ይቀተል እንተዝብሉኻ እንታይ ምበልካ? ከምዚ ኸማይ እንተትኸውን: “ኢሎም ይተርፉኢልካ ጠንጢንካሎም ምኸድካ። እንድዒ ንስኻ ኣንባቢ እምበር: ኣነ ብዘይቃል ዓለም ኣንጻር ኩሉ ንትዕግስቲ ዝምልከት ዝተመሃርኩዎ ትምህርቲ ከምኡ ምገበርኩ። ግና እቶም ሰብ ነገርካ: እቲ ዝበሉዎ ክገብሩ ከይደቀሱ ዝሓድሩ ሰራማት እንተዝኾኑ ኣብ ዓርቢ ሰብ አኪቦም: ኣብቲ መቕተሊ ፍርዲ ዝወሃቦ ደንደስ ደው እንተዘብሉኻ…… የድሕነና።

እምበኣርከስ እዚ ናይ እንተታት ዛንታ አይኮነን: ዝተገብረ እዩ። ሓደ ካብቲ ንወለዶታት እናተዘከረ ዝነብር: ዘስተንክር ግና ድማ ኣነ ዓቢ ዝብሎ ታሪኽን ትምህርትን ክርስትናዩ። እቶም ንመድሓኒ ኢየሱስ ክርስቶስ: ንኣልኣዛር ካብ ሞት ኣተሲኡዎ ምስ ሰምዑ ስየ ጌሮም ኣብ ጽርግያ ብየማነ ጸጋም ተሰጢሖምንጉስ” “ንጉስእናበሉ ዝተቐበሉዎ: ኣብ ራብዕቲ ሓንቲ ከይበደሎም: ከም ክለማመዱዋ ዝቐነዩ ደርፊ: ረምታ እንዳሓለውይሰቐል” “ይሰቐልእናበሉ ብሓደ ድምጺ ክጭድሩ ከለዉ: እንታይ ናብ ከምዚ ምግልባጥ ሓሳብ ወይ ምልኽባጥ ኣብጺሑዎም ይገርመኒ።

ሰብ ከመይ ኢሉ: ኣብ ራብዕቲ ካብ ክቱር ፈታዊ እሞ ድማ ኣብ ጎደናታት ድማ ስየ ሒዙንጉስእናበለ ዝቕበል ፈታዊ: ናብ ጸላኢጸላኢ ብጸላኢኡ: ኪደለይ ኣይትረኣየኒ: አይትቕረበኒ: አይመጻካንየ ጥራሕ ዝብል ዘይኮነስእቲ ዝኸፍአ ሞትን ኣማውታን ክትመውት ክልምን ኣብ ኣደባባይ ሰልፊ ዝወጽእ ጸላኢ ይቕየር። እሞ ድማ ሓንቲ በደል ከም ዘይብልካ እናፈለጠ እንከሎ። ዋላ አብ ቅድሚ እቶም ዘይሚዛናውያን ዝበሃሉ ፈራዶ: ሓንሳብ: ክልተሳብ ሰለስተ ሳብ ጥራሕ ዘይኮነ: ኣርባዕተ ሳብገበን የብሉንተባሂልካ እንከለኻ። እቶምንጉስንጉስዝበሉኻይሰቕል” “ይሰቐልክደጋግሙ እንከለው: ንተግባራቶም እንታይ ዓይነት መግለጺ ይርከቦ። ግብሪ ዝኾነ ካልእ: ሎም ዝውድስ ጽባሕ ሞት ዝፈርድክቕኒ በሃሊእንታይ ዓይነት መግለጺ ይርከቦ።

ከምዚ ኸማይ ሰብ እንተዝኸውን: ኣብቲ ደንደስ መፍረዲ ኮንካ ናብ ታሕቲ ናብቶምይሰቐልእናበሉዝብሉ ሰልፈኛታት ክትርኢ እንከለኻ: “ኣንታ እቲ ኣብ ምንታዩ ውዒለ: ጋሻ እንከለኹ ሓጊዙኒ ነይሩኢሉ ሓቂ ዘይምስክር: “ኣንታ እቲኣእንታይ ኮይና: ኣብ ጸገመይ ኣማኺሩኒ ነይሩኢላ ሓቂ ዘይትዛረብ። አታ እቶም ዓቢ ሰብኣይ: ዓይነይ ድዩእተን ቤት ጸሎት ዝመላለሳ ዓባይ ሰበይቲ ድየንይሰቐልዝብላ ዘለዋእንታይ እየ ጌረዮም: ወረግ ድሓን ኣብ ክንዲ ክንዳይ ኮይኖምስ ኣይጨድሩ: ግና ንምንታይ ትም ዘይብሉ: ዘይበደለ ሰብ ክፉእ ክፍደ ዝያዳ ስጉምቲ ዝኸዱስ እንታይ ይጥቀሙ ? ኣበይ እባለው እቶም ሰዓብተይ: ብምሉኦም ተባታቲኖም? ሓደ ቁልቁል ዝኣፉአይፈልጦ ኣይጥይቖኢሉ ክሒዱኒ…. ኢለ መስተማሰልኩ።

እዞም ከይበደልካዮም ካብ ፈታዊ ናብ ጸላኢ ዝቕየሩ: ዓይነት ሰባት እንታይ ዓይነት መግለጺ ይርከቦም: ምናልባት መትከል ኣልቦ ዝብል ስም ይገልጾም ይኽውን? ከም ናይ ቸስ ባሊቃ: ክሳብ ካብ ሜዳ ጸውታ ዝግለፉ ሎሚ ኣብ ጻዕዳ ጽባሕ ኣብ ጸሊም እናረገጹ ከይሓፈሩ ኣዒንቶም ብጨው እናሓጸቡ ዓይኒ ካልእ ሰብ ኣፍጢጦም ዝርእዩ። ግና ከምቲክፉእ ክንዲ ዝስተር ይግተርከምዝብሃል: ገባር ክፉእ ውን ከምኡ ስለዝኾነ ስኽፍ አይብሎንዩ። ግብሪ ዶኸ አይኮነን እቲ ዝዓበየ መልክዕ ሰብ። እምብኣርከስ እዚ መትከል ኣልቦ ሰብ: ንዑኡ ዝጠቕሞ ዝመስሎ ኣጋጣሚ ክርከብ እንከሎ ካብ ምቅድዳምን ኣብ ቅድሚት ምስራዕን ስየ ሒዝካ ምድባልን ኣባጓይላ ምዃንን ዘትርፎ የብሉን። ዝጎድኦ ክመስል እንከሎ ድማ ክሳድ ንጹህ ሰብ ንሓረድቲ ኣሕሊፉ ይህብ።

ሓደ ንዓና ዝኸውን ካብቲ ትምህርቲ ድማ እዚ -  ካብ ወደስትና ንጠንቀቕ

እቶም ንኢየሱስ ዝተቐበሉዎ: ኣብ ኢየሩሳሌም መአከቢኦም ቀንዲ ምኽንያት ኢየሱስ ኣይነበረን። ብኻልኦም ዝተኣኻኸቡ እዮም ነይሮም። ንንግደት በዓል ቅጫ ከኽብሩ ንፌስቲቫልን ጓይላን ዝመጹ እዮም ነይሮም። ኣብኡ እንከለው ግና ሓደ ንዝሞቱ (ኣልኣዛርተስ ሰብ ይመጽእ ኣሎ ምስ ሰምዑ። በቲ ዘለዎ ተኣምራታዊ ሓይሊ ተሳሕቡ። እዚ ሓድሽ ሓይሊ ገለ ክጠቕሞም ከምዝኽእል ድማ ገምገሙ። ገለ ካብ ቢታንያ ክስዕቡዎ እንከለው ገለ ድማ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝንኡ ሰሚዖም ተጸበዩዎ። ኣብቲ ሽዑ ናይ ሮማዊ ጭቆናን: ምልኪ ጲላጦስን መግዛእቲን መሪሩዎም ዝነበሩ ሰባት: ብምኽንያት በዓልን ፈስቲቫልን ጓይላን ተኣኻኺቦም ነዚ ሓዲሽ ሓይሊ ንጥቕሚ ገዛእ ርእሶም ከውዕሉዎ ተጓየዩ።

ካብታ ንንጉስ እተዘመረት መዝሙር ዳዊት 118 “እቲ ብስም እግዚኣብሔር ዝመጽእ ብሩኽ ዩ።” ትብል ሓንቲ መስመር ቀንጢቦም: ኣብታ መዝሙር ዘየለ: ንሱ እየ ዘይበሎምንጉስ እስራኤልዝብል መማቕርቲ ባዕሎም ወሲኾም ሆሳእና እናበሉ ዘመሩ። (ኣብቲ ዳሕራይ እዛ ባዕሎም ዝመልኡዋንጉስትብል መማቕርቲ: መኽሰሲ ተጠቀሙላ) ብቕንጥብጣብ ድርዳር ቃላት ሽሒጦም: “ጥራሕ እዚኣ ግበረልና እምበር: ኣጆኻ ኣብ ጎንኻ አለናዝዓይነቱ መዝሙር ዘመሩሉ። ነቲ ብናቱ ዕላማ ዝመጸ: ከምቲ ናቶም መረዳእታ ምድራዊንጉስክኾነሎም እሞ ካብቲ ምረት መግዛእቲ ሮማ ጥራሕ መድሓኒ ክጥቀሙሉ ሓሰቡ።

ንዓይ ብዝመስለኒ: መግዛእቲ ናይ ሮማ ይኹን ናይ ካልእ መሪርዩ። ኣብታ ዝተወለድካላ ዝቦቖልካላ ቤትካ ብሰላም ክትመላለስ ዘይምኽኣል ዘቕስን ኣይኮነን። ካብኡ ክትላቐቕ ክትቃለስውን ሓላል ዩ። ኣብዚ ቃልሲ: ኣብ ዕቑብ በዓቲ የዕቂልካ: ነቶም ሓይሊ ይኾኑ እዮም ዝበልካዮም መሪጽካ: “ንጉስ ” “ጅግና እናበልካ ኣርሲንካ አራሳሲንካ ኢደ በይዛ ኮይኖም ብሓዊ ክልብለቡልካ ክትጥቀመሎም ክትደሊ ግን ናይ ሕልና ሕቶ ዘልዕልዩ።

እዞም ብንዘመናት ዝኸደ ስደትን መግዛእትን ዝተመረሩ ኣይሁድ እምበኣር: እዚ ሓድሽ ሓይሊ: ነቲ ዘመረሮም መግዛእቲ ክስዕረሎም: ምድራዊ ኩናቶም ክዋጋአሎም ደለዩ። እዚ ሓድሽ ሓይሊ ናቶም ኣጀንዳ ከተግብር ዝመጸ: እምበር ናቱ ዕላማ ዘይብሉ ጃለ ገይሮም ተረድእዎ። ንሱ ግና እቲ ንግስነት ምድራዊ ከምዘይኮነ ከርኢን: ትንቢት ክፍጽምን: ኣብታ ዝሓሰረት ዒሉ ደይቡ መጾም። እቲ ኣብ ርእሶም ተጸብዮሞ ዝነበሩ: እቲ ክጥቀሙሉ ሓሲቦሞ ዝነበሩ ስለዘይሰመረሎም ድማ ናብ ሕርቃን ኣድሃበሎም። ንሕና ዝሓሰብናዮ ዘይትገብር እንተኾንካ ብዘስምዕ ድማይሰቐልክበሃል እንከሎ ሰሚሮም ክጭድሩ ኣይተሰከፉን።

እዚ ሓቀኛ ታሪኽ ናይ ቅድሚ 2000 ዓመት ጥራሕ አይኮነን: ኣብ ዘመንና'ውን ዘሎ ዩ።

ንድልየቶም ክትገብር ዝደፋፍኡ: ናይ ገዛእ ርእስኻ ሓሳባትን ዕላማን ክህልወካ ዘይደልዩ ወይ ግዲ ዘይብሎም: ዕላማ ከምዘለካ  ምስ ፈለጡ ግና ኣብ ናይ ዕንጨይቲ ኣይኹን እምበር: አብ ናይ ኢንተርነት ናይ ወረ በለካ ለኽዓካ መስቀል ዝሰቕሉ ከምዘለው ኩሉ ግዜ ምዝካር ከድልየና ዩ። እቶም ብዘይ ፍልጠት ዝንእዱኻ: ብዘይበደልካዮ ከምዝሰቕሉኻ: ዘርኢ ካብዚ ዝዓቢ ትምህርቲ የለን። ምኽንያቱ ብቐደሙ እቲ ባዶሽ ናእዳውን ዕላማ ዘለዎ ስለዝኾነ። ስለዚ: ካብቶም ከይፈለጡኻ ዝንእዱኻ ተጠንቀቕ። ባዕሎም እቶም ኣልዕል ኣቢሎምንፉዕ” “ሃብሮምዝብሉኻ: እቲ ክትሰከሞ ዘዳለውልካ ዕላማ: ወይ ክትቅበሎ ዝበሉኻ ማሕለኻ ክትሕሰሞ እንከለኻ: ጓጉዶም ዝጎድል ስለዝመስሎም ከጽድፉኻ ድንዕ ክብሉ ምዃኖም አይትጠራጠር: ሰንኮፍ እንተጸኒሕካ ድማ ብጸድፊ ሸለው ምባል ኣሎ።

ስለዚ: ሰባት ንዕላማኻ ክፈልጡ ድኣ ጽዓር እምበር: ክንእዱኻ ኣይትጽዓር። ባዶ ናእዳ: ዋንኡን ተቐባሊኡን ሒዙ ዝጠፍእ ሰልሚ እዩ። ናባኻ ከብል እንከሎ: ኣብ ዒሉ ተወጢሕካ ከምዘለኻ ብትሕትና ኣዘክሮም እምበር ኣብ መጋል ፈረስ ደይብካ ረኣዩኒ ኣይትበል። ምስዚ ኩሉ ግና ንሓቂ ክሰቕሉ ዝፍትኑ ኩሉ ግዜ ክህልዉ እዮም።

ምናልባት: እዛ ዛንታ ብሞት እቲ ናእዳ ዝተሓሰመ ዝተወድአ ዝመስሎም: መልሲ አይስኣኖምን'ዩ።እንታይ ጽቡቕ ረኺቡ?” “ዓርቢ አጋ ምሸት: ከትኪቶም ምስ ጸገቡ: ሰፍነግ ኣስትዮም: ጎኑ በሲዖም: ኣብ ርእሱ እሾኽ ጌሮም: ኣብ ከብዲ ኣእዳው መስማር ተኺሎም: ከም ቆርበት ኣውድኣመት: ኣብ መስቀል ብመስማር ወጢሮም ሰሚሮም ኣሲሮም ኣየፋነውዎን?” “እሞ ድማ ቀሊል እንከሎ: ሰኣን ሕራይ ድልየትኩም ክገብር እየ: ሕቶኹም ክምልስ ስኣን ምባልዝብል ኣቃጫጭ ዝምልሱ አይሰኣኑን።

ነቶም ሓቂ ንፈልጥ ግና ንዓርቢ ጥራይ ዘይኮነ ንፈልጥ: ንሰንበትውን ንፈልጥ ኢና። ስቕለት ንፈልጥ: ትንሳኤ ድማ ንፈልጥ። ሓቂን ኣብ ሓቂ ዝኣመነን ዛንትኡ ኣብ መስቀል ከምዘይውዳእ ድማ ንኣምን።

ርሑስ በዓል ትንሳኤ ንኹልና!!!

በረኸት እስቲፋኖስ

May 6, 2013

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div