S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ፍሉይ ናይ ጸሎት መዓልቲ (ሚያዝያ 21, 2013)

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ። ኣሜን።

ኣብ መላእ ዓለም እትርከቡ ክቡራንን ክቡራትን ምእመናን ክርስቶስ ።

ብሰንኪ እቲ ኣብ ምደረ በዳ ሲናይን ሱዳንን ካልእ ሃገራትን ኣብ ርእሲ ኤርትራውያን ዝወርድ መዘና ኣልቦ ቅትለት፣ ዘረፋ፣ ምሻጥ ናውቲ ኣካል፣ ግዱድ ባርነት፣ ምእንቲ ሰላም ሃገርናን፣ ካብ ሰማያዊ ኣምላኽ ፍታሕ ክንረክብ፣ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎና ጾም ኩላትና እንዝክሮን እንጽልየሉን እኳ እንተኾና፣ ብእዉጅ ግን ከምቲ: “እኽሊ በሪሱ፡ ኮልዒ ወይኒ ነቒጹ፡ ዘይቲውን ቀምሲሉ እዩ እሞ፡ እታ ሃገር ባዲማ፡ ምድሪውን ትሐዝን አላ። እቶት ግራሁ ጠፊኡ እዩ እሞ፡ ኣቱም ሓረስቶት፡ ብምኽንያት ስርናይን ስገምን ሕነኹ፡ ኣቱም ሰብ ኣታኽልቲ ወይኒውን፡ ዋይዋይ በሉ። ተኽሊ ወይኒ ነቐጸ፡ ኦም በለስ ከአ ቀምሰለ፡ ኦም ሮማንን ስየ ቱፋሕን ኩሉ ኣእዋም መሮርን ነቐጸ፡ እወ፡ ሓጎስ ካብ ደቂ ሰብ ነቐጸ። መሥዋዕቲ ብልዕን መሥዋዕቲ መስተን ካብ ቤት ኣምላኽኹም ተኸልኪሉ እዩ ኣሞ፡ ኣቱም ካህናት፡ ተዓጠቑን ብኸዩን፡ ኣቱም ኣገልገልቲ መሠውዒ፡ ዋይዋይ በሉ፡ ኣቱም ኣገልገልቲ ኣምላኸይ ንዑ፡ ከሊ ተኸዲንኩም ሕደሩ። 14- ጾም ቀድሱ፡ ኣኼባ ጸውዑ፡ ንዓበይትን ኣብታ ሃገር ዚነብሩ ኹላቶምን ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም አክቡ፡ ናብ እግዚኣብሄር ከአ ተማህለሉ። ” (ትንቢት ዮኤል 1:10-14) ዝብል: ቅዱስ ቃል  መሠረት ብምግባር ን21 ሚያዝያ 2013 (ሚያዝያ ፲፫, ፳፻፭) ኣብተን ብቅዱስ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስን ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስን ተማእኪለን ዝኸዳ ኣብያተ ክርስቲያናት ጸሎት ክግበር ተውሲኑ ኣሎ። ስለዚ ኩልኹም ምእመናንን ምእመናትን ኣብዚ ዝተጠቕሰ ዕለት ኣብዘን ስዒብነ ኣስማተን ተጠቒሱ ዘሎ ኣብያተ ክርስቲያናት ኬድኩም ጸሎት ክትሳተፉ ብመንፈሳዊ ኣኽብሮት ዕድሜና ነመሓላለፍ[To Read English Version]

ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ

1.      ደብረ ሰላም መድኃኔዓለም ዋሽንግቶን፣ ዲሲ

2.     ደብረ ግእዛን መድኃኔ-ዓለም ቤተ ክርስቲያን ኣትላንታ

3.     ቅድስት ማርያም ቤተ ክርስቲያን ኦክላንድ፣ ካሊፎርኒያ

4.     ቅዱስ ገብርኤል ቤተ ክርስቲያን ኒው ዮርክ

5.     ጽርሃ ኣርያም ቅድስት ሥላሴ ዋሽንግቶን፣ ሲያትል

6.     መድኃኔ ዓለም ቤተ ክርስቲያን ሮቸስቶር፣ ኒውዮርክ

7.     ቅድስት ሥላሴ ቤተ ክርስቲያን ሲንሲናቲ፣ ኦሃዮ

8.     ቅድስት ሥላሴ ቤተ ክርስቲያን ሎስኣንጀሎስ፣ ካሊፍርኒያ

9.     ቅድስት ማርያም ቤተ ክርስቲያን ፖርትላንድ፣ ኦሪጋን

10.   ኪዳነ ምሕረት ቤተ ክርስቲያን ኣልባኒ ኒው ዮርክ

11.     ቅዱስ ሚካኤል ቤተ ክርስቲያን ቻርሎት፣

12.    ቅድስት ሥላሴ ቤተ ክርስቲያን ኤድመንቶን ካናዳ

13.    ቅድስት ማርያም ቤተ ክርስቲያን ሞንትርያል ካናዳ

ሃገረ ስብከት ኣውሮጳ

1.   መድኃኔ ዓለም ቤተ ክርስቲያን ዓዲ እንግሊዝ ማንቸስተር፣

2.   መድኃኔ ዓለም ቤተ ክርስቲያን ዙሪክ ስዊዘርላንድ።

3.   ቅድስት ማርያም ቤተ ክርስቲያን ዓዲ እንግሊዝ  ሸፊልድ።

4.   ቅዱስ ጊዮርጊስ ቤተ ክርስቲያን ዓዲ እንግሊዝ በርኒንግሃም።

5.   ቅድስት ማርያም ቤተ ክርስቲያን ዓዲ እንግሊዝ ሎንዶን።

6.   ቅድስት ማርያም ቤተ ክርስቲያን ጀነቫ ስዊዘርላንድ፣

7.   ቅድስት ማርያም ቤተ ክርስቲያን ባዝል ስዊዝረላንድ

8.   ቅድስት ማርያም ቤተ ክርስቲያን ሉዘርን ስዊዘርላንድ

9.   ቅዱስ ሚካኤል ቤተ ክርስቲያን ሻፋውዘን ስዊዘርላንድ

10.   ኪዳነ ምሕረት ቤተ ክርስቲያን ግላሩስ ስዊዘርላንድ።

11.   ቅዱስ ዑራኤል ቤተ ክርስቲያን ሳንጋለን ስዊዘርላንድ

12.   ኣቡነ ተክለማይማኖት ቤተ ክርስቲያን ኩር ስዊዘርላንድ

13.   ኣቡነ ኣረጋዊ ቤተ ክርስቲያን ፍሪቡርግ ስዊዘርላንድ

14.   ቅዱስ ጊዮርጊስ ቤተ ክርስቲያን በርን ስዊዘርላንድ።

15.   ቅዱስ ጊዮርጊስ ቤተ ክርስቲያን ጀርመን ፍራንክፈርት

16.   ቅዱስ ገብርኤል ቤተ ክርስቲያን ኡምዮን ስዊደን።

ሃገረ ስብከት ማእከላይ ምብራቕ

1.  ቅድስት ማርያም ቤተ ክርስቲያን ተልኣቪቭ, እስራኤል።

እዚ ብስመይ እተሰምየ ህዝበይ ከኣ ትሕት እንተ በለ፡ እንተ ለመነ፡ ገጸይውን እንተ ደለየ፡ ካብ ክፉእ መገዱ ድማ እንተ ተመልሰ፡ ሽዑ ኣነ ኻብ ሰማይ ክሰምዕ እየ፡ ሓጢኣቶም ከኣ ይቕረ ኽብለሎም፡ ምድሮምውን ክፍውሰሎምእየ።”2 ዜና መዋዕል 7:14።

መደባት ጸሎተ ምህልላ፣

ኩላተን ኣብያተ ክርስቲያናት በዚ ዚስዕብ ኣገባብ ጸሎት ተኸቲለን ይጽልያ: ጸሎተ ነግህ ከም ዘወትር ይበጽሕ፣

1. መደብ ቅዳሴ

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ዲያቆን

ንፍቀ ዲያቆን

ንፍቀ ካህን

ወንጌል ማቴዎስ

ቅዳሴ

ዕብራውያን 11፡ 23 - ፍጻሜ

1 ጴጥሮስ 4፡ 12 - ፍጻሜ

14፡19 - ፍጻሜ

፯፡ ፳፬- ፍጻሜ(7፡24- ፍጻሜ)

ዮሓንስ ወልደ-ነጐድጓድ ቁጽሪ ፶ - ፸፱ (50- 79)

መዝሙር ዳዊት (ምስባክ)፡

ወሥጋሆሙኒ ለጻድቃኒከ ለኣራዊተ ገዳም፡ ወከዐዉ ደሞሙ ከመ ማይ ዓውዳ ለኢየሩሳሌም ወኃጥኡ ዘይቀብሮሙ (መዝ. 78፡ 2 - 3)።

"ሬሳ ባሮትካ ንምግቢ ኣዕዋፍ ሰማይ፡ ስጋ ጻድቃን ንኣራዊት መሮር ሃብዎም፡ ደሞም ኣብ ዙርያ የሩሳሌም ከም ማይ ኣፍሰስዎ፡ ቀባሪውን ኣይነበረን” (መዝ. 79፡ 2-3)።

ጸሎተ ፍትሓት:- እግዚኣ ሕያዋን።

ምህልላ ብነዊሕ።

ትምህርቲ: ትንቢት ዮኤል 1፣10-14

2. ኣብዚ ዕለት እዚ መደብ ቅዳሴ ዘይብለን ኣብያተ ክርስቲያናት፣

ጸሎተ ነግህ ድሕሪ ምብጻሕ፣ ሥርዓተ ቅዳሴ ምስ ምንባባቱን ወንጌሉን የብጽሑ።

ምህልላ ብነዊሕ።

ትምህርቲ: ትንቢት ዮኤል 1፣10-14

እግዚኣብሔር ጸሎትናን ሱባኤናን ይቀበል።

 

ኣህጉረ ስብከታት ሰሜን ኣሜሪካ፣ ኣውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን።

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኤርትራ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div