S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ልኡኽ ኤርትራዊት ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ምስ ዓቃቢ መንበር ቤክ ምስሪ ተራኺቡ

እቲ ኣብ ሕርያ መበል 118 ፓትርያርክ ቤተ ክርስቲያን ሃገረ ምስሪ ዝሳተፍ ዘሎ ልኡኽ ኤርትራዊት ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ብዘውጽኦ መንፈሳዊ ዲፕሎማሲ ውጥን፡ ብሓሙስ 1 ሕዳር 2012 ዓ.ም ምስ ዓቃቢ-መንበር ቤተ ክርስቲያን ምስሪ ብጹእ ኣቡነ ጳኹሚስ ተራኺቡ። እቲ መንፈሳዊ ርክብ ኣብቲ ክርስቶስ ዝሰረቱ ብቅዱስ ማርቆስ ዝተዘርገሐ ሃዋርያውን መንፈሳውን ክልቲአን ቤተ ክርስቲያናት ዘተኮረ ልዝብ እዩ ኔሩ። ልኡኽ ኤርትራዊት ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ፡ ብግብጻዊት ቤተ ክርስትያን ንዝተገብረሉ ዕድመ ብሓጎስ ከምዝተቐበሎ ድሕሪ ምግላጽ፡ ኤርትራዊት ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ብመከራ ኣብ ዝተረበጸትሉ እዋን፡ ቤተ ክርስትያን ግብጺ ንዘርኣየቶ ነቅ ዘይብል መርገጽ ኣሞጊሱ። ጸሎትን ደገፍን ቤተ ክርስትያን ግብጺ ስለዘሰነያ ድማ እንሆ ንጸገማ ኣምላኽን ዓለምን ፈሊጥዎ ይርከብ ክብል ገሊጹ።

ብጹእ ኣቡነ ጳኹሚስ ብወገኖም "ኣምላኽ ረድኢኩም ኣብቲ ሃዋርያዊ ሕጊ ደው ብምባልኩም ዘሕጉስ እዩ፡ ቤተ ክርስትያን ግብጺ ድማ ኣብ ጎድንኹም ኣላ" ክብሉ ደገፎም ገሊጾም። ብተወሳኺ፡ ብመሰረት እቲ ልኡኽ ኣውጽኢዎ ዘሎ መንፈሳዊ ዲፕሎማሲ ውጥን፡ ምስ ዝተፈላለያ ኣሓት ኣብያተ ክርስቲያን ንምዝዝርራብ መደባት ሰሪዑ ከምዘሎ'ውን ተፈሊጡ ኣሎ። ከምኡውን፡ ገዳማትን ታሪኻዊ ቦታታትን እናተዘዋወረ ይዕዘብ ኣሎ። እዚ 10 ሰባት ዝሓቖፈ ልኡኽ'ዚ፡ ካብ ኣህጉረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ፣ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን ዝተላእከ ወኪል እዩ። ተመሳሳሊ ዜና ንምርኣይ ኣብዚ ጠውቕ

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div