S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ጉዕዞ ክርስቶስ ኣብ ልዕሊ ማያት

ካብ ሰነ 26 ክሳብ መስከረም 25 ኣቆጻጽራ ግእዝ (July 9 to October 4) ዘሎ እዋን ቤተ ክርስትያን ዘመን ክረምቲ፣ ዘመን ኣፍላግ፣ ጥሉል ወርሓት፣ ወርሓት ደበና፣ ወርሓት ነጎዳን መብረቕን ... እናበለት ትጽውዖ።

ድሕሪ እቲ ናይ በረኸት ሕብስቲ፣ ማለት ክርስቶስ ብሓሙሽተ እንጌራን ክልተ ዓሳን ንሓሙሽተ ሽሕ ሰባት (ብዘይ ህጻናት) ምስ መገቦም፣ ዓሰርተ ክልተ መሶብ እንጌራ ከምዝተረፈ ኣብ (ማርቆስ 635-44) ተጠቒሱ ኣሎ። ድሕሪ' ናይ በረኸት መኣዲ፣ ክርስቶስ ነቲ ህዝቢ ክሳብ ዜሰናብቶ፣ ብኡብኡ ንደቀ መዛሙርቱ ናብቲ ቤተ ሳይዳ ዝበሃል ማዕዶ ብጃልባ ገይሮም ክሳገሩ ኣዚዝዎም። ድሕሪ እዚ ክርስቶስ ክጽሊ ናብ ከረን ደየበ። ምድሪ ምስ መሰየ፣ እታ ጃልባ ኣብ ማእከል ባሕሪ ነበረት፣ ንሱ ድማ በይኑ ኣብ ምድሪ ነበረ። ንፋስ ብቕድሚኦም ነበረ እሞ፣ ኪኸዱ ኸለዉ ብማዕበል ኪጭነቑ ረኣዮም። ብራብዓይ ምቃል ለይቲ ኣቢሉ፣ ባሕረ ባሕሪ እናኸደ ናባታቶም መጸ ኺሓልፎም'ውን ደለየ። ንሳቶም ግና ባሕሪ ባሕሪ ኪኸይድ ከሎ ምስ ረኣይዎ፣ ምትሃት መሲልዎም ጨርሑ። ኩሎም ረኣይዎ እሞ ሰምበዱ። ብኡብኡ ኸኣ፣ ኣጆኹም፣ ኣነ እየ፣ ኣይትፍርሑ፣ ኢሉ ተዛረቦም። ናባታቶም ከኣ ናብ ጃልባ ኣተወ። እቲ ንፋስ ድማ ሃድአ። ንሳቶምውን ብዙሕ ተገረሙ። ልቦም ተደፊኑ ነበረ እሞ፣ እቲ ናይ እንጌራ ነገር ኣየስተውዓልዎን  (ማር 6 45-52)

ክቡር ሰብ፣ ህድእ ኢልና እንተድኣ ኣስተውዒልና፣ ካብዚ ኣብ ላዕሊ ዘንበብናዮ ጽሑፍ ብዙሕ ክንረብሕ ንኽእል ኢና። ክርስቶስ ንሃዋርያት ነቲ ባሕሪ ክሰግርዎ ምስ ኣዘዞም፣ ክሰግሩ ከለዉ ብዙሕ እካ እንተ ተሸገሩ ነቲ ባሕሪ ግና ሰጊሮሞ እዮም። ንድኻም ኣሸኒፎሞ እዮም። ሰብ ብትእዛዝ ናይ ፈጣሪኡ እንተደኣ ተመላሊሱ፣ ካብ ፈተናን መከራን ነጻ እዩ ማለት ኣይኮነን። ፈተናን ሽግር ኣሎ። ከም ቃሉ እንተተመላሊሱ ግና ንፈተና ይስዕሮ እምበር ብፈተና ኣይሰዓርን እዩ። (ዮሃ ) ከም ቃሉ እንተተመላሊሱ ጎይታ ድማ ምስኡ ኣሎ።(ራእ ) ከም ቃሉ እንተተመላሊሱ፣ ጎይታ ይድግፎ እዩ። ነቲ ፈተናን ጸርፍን ዘስዓበሉ ኣገልግሎቱ ይባርኸሉ እዩ። በዚ ኣገልግሎት' ድማ ንርእሱን ንኻልኦትን ይረብሕ። ብመርከብ ክትሰግሮ ዘይከኣል ባሕሪ፣ ጎይታ ብኣጋር ክሰግሮ ምርኣይ ዝገርም ተኣምራት'ዩ።

ጎይታ ነቲ ባሕሪ ከም ብደረቕ መሬት ብእግሩ ሰጊርዎ። ንሕና ብብዙሕ ዕጥቂ ተደጊፍና ክንገብሮ ዘይንኽእል፣ ክርስቶስ መድሃኔ ዓለም ግና ብኸምኡ ክገብሮ ይኽእል እዩ። ጥበብ ሰብ፣ ምስትውዓል ሰብ፣ ሃብቲ ናይ ሰብ ክፍጽሞ ዘይከኣለ፣ ጎይታ ብዘይ ዝኾነ ደገፍ፣ ብዘይ ዝኾነ መሳርሒ ብኽእለቱ ይገብሮ እዩ። ሃዋርያት ብጃልባ ክሳገርዎ ዝኸበዶም ባሕሪ፣ ጎይታ ግና ብእግሩ ሰጊርዎ። ንጸበባና ዝረግጽ፣ ንዘጨንቐና ነገር ኩሉ፣ ብተስፋ ዝልውጥ፣ ኣብ ልዕሌና ኽፍኣት ንዝሓስቡ ዝረግጽ ጎይታ፣ መድሃኔ ዓለም ኣምላኽና ጥራይ እዩ።

ሃዋርያት ምትሃት መሲልዎም፣ ንሱ ግና ጎይታ እዩ።

ሃዋርያት ነፍሲ ዘጥፍእ መሲልዎም ሰምበዱ፣ ንሱ ግና ነፍሲ ዘድሕን ጎይታ እዩ።

ሃዋርያት ጎይታ ባሕሪ-ባሕሪ ኪኸይድ ርእዮም ኣይፈልጡን እዮም፣ ምስ ረኣይዎ ግና ተገረሙ።

ኣምላኽ በብመዓልቱ ንዓና ሓድሽ ነገር ይህበና እዩ። ነፍስና ድማ ንጎይታኣ ብምድናቕ ንጎይታ እተመስግነሉ ኩነት ካብኡ ትረክብ።

ነቲ ንባሕሪ ከም ብደረቕ መሬት ዝሰግሮ ጎይታ

ነቲ ብትምክሕቲ ክውሕጡና ንዝመጹ ከም ንፋስ ዝብትኖም ጎይታ

ነቲ ኣብ ጸበባ ፍጡን ረድኤት ዝኾነ ጎይታ

ነቲ ከም ቃሉ ንዝመላለስ ሰብ ዝባርኽ ጎይታ ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን። 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div