S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ተስፋ ኣቦ ተጸበዩ-- ጽንሑ ተስፋሁ ለኣብ

ነቶም ዚጽበይዎ ኸምቲ ንስኻ ዝገበርካሎም ዚገብር ካልእ ኣምላኽ ካብ ጥንቲ ኣይተሰምዐን፡

ኣብ እዝኒ ኣይተዘነየን፡ ዓይኒውን ከቶ ኣይረኣየቶን። ኢሳ 64:4

“ተጸበዩ” ዝብል ትእዛዝ ጐይታናን፡ እቲ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ግና ክፉእ ዘመን ከም ዚመጽእ፡ እዚ ፍለጥ፥ ሽዑ ሰባት ….. ህዉኻት ኪዀኑ እዮም” ዝበሎን (2ጢሞ3፡1-3) እናሓሰብኩ እየ ንርደተ መንፈስ ቅዱስ፡ ማለት ነቲ ጽባሕ ሰንበት ኣብ ኩለን ናይ ኦርቶዶክሳውያን ኣብያተ ክርስቲያን ዝኽበር በዓል ሓምሳ ወይ’ውን በዓለ ጴንጠቆስጤ ተባሂሉውን ዝጥቀስ ንኸብዕሎ ተዳልየ ዘለኹ።

ብሱፐር ሶኒክ ማለት ልዕሊ ፍጥነተ-ድምጺ ክውንጨፍ ብዝኽእል ምህዞ፡ ካብን ናብን ዝውንጨፍ መልእኽትታት ኣብ እነንብበሉ ዘለና እዋን፡ ካብ ቋሕ-ሰም ብዝፈጥን ዝንቀሳቐስ፡ ኩሉ “ፈጣን” ኣብ ዝኾነሉን ዝበሃለሉን ዘሎ ዘመን፡ ነዛ ናይ ዕለት እንጌራ እኳ እንተተኻኢሉ “ፋስት ፉድ” ክትኮነልና ኣብ እንህንደደሉ ዘለና ወቕቲ፡ እቲ ምህዞ ምዕባለ ከመይ ህዉኻት ከምእንኸውን ጌሩ ይጸልወና ከምዘሎ፡ ገና ሕጂ እዩ ዝስቈረኒ ዘሎ። ኣብዚ ህዉኽ እዋን እዚ፡ እቲ ንኹሉ ዝፈልጥ ጐይታ “ተጸበዩ” ዝብል ትእዛዝ እንተሃበ ደኣ፡ ሕጂ ካብ እንዳመን ኢና ዓቕሊ እንገዝኦ?! ብምባል ንኽሓትት ድማ ኩነታተይ ደሪኹኒ።

ክዛረብ እምበር ክሰምዕ ዓቕሊ ዘይብሉ፡ ክርኢ እምበር ከስተውዕል ዘይግዳዱ፡ ቅልጡፍ እግሪ ዝኾነ ወለዶ፡ ኣብ ሞንጐ እዚ ወለዶ እዚ ነንብር ምህላውና፡ ከምቲ ነቢይ ኢሳይያስ ዝበሎ “ወይለይ!” ምባል ጥራይ እዩ ዝተርፈና ዘሎ። ዓቕሊ፡ ትዕግስቲ፡ ህድኣት ወዘተ ማዕረ እቲ ርዝነቶም ወናኒኦም ምውሓዱ ድማ ዘየተሓሳስብ ኣይኮነን። ንምውራድ መንፈስ ቅዱስ ኣብ እንዝክረሉ ኣጋጣሚ፡ ነቲ ፍረ መንፈስ ቅዱስ ግና፡ ኢሉ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዘርዘሮ እንተነስተብህለሉ ክንደይ ኮን ምጠቐመና! ኣብኡ፡ “ዓቕሊ” ሓደ ካብቶም ናይ መንፈስ ቅዱስ ፍረታት ምዃኑ እዩ ተገሊጹ ዘሎ፡ “ህድኣት” እውን ሓደ ካብቲ ክቡር ፍረታት መንፈስ ቅዱስ እዩ፥ ስለዚ ንበዓለ መንፈስ ቅዱስ በዚ ኣርእስቲ’ዚ ብፍሉይ ኣድህቦ ክንዝክሮ ከምዝግብኣና ሕልናይ ይነግረኒ’ሎ። “መንፈስ ቅዱስ ናባኻትኩም ምስ ዝወርድ ግና ሓይሊ ክትቅበሉ ... ኢኹም” ዝብል ተስፋ፡ ሎሚውን ነቶም ብእምነት ዝጽበዩ ሓቅነቱ ከምኡ ኢሉ እዩ ዘሎ፡ ግብ1፡8።

ነቲ ካባይ ዝሰማዕክምዎ ተስፋ ኣቦይ ተጸበዩ

ቅዱሳት ኣቦታትና ሃዋርያት እንታይ ይጽበዩ ከምዝነበሩ ርግጸኛታት እዮም ዝነበሩ። መዓስ ይፍጸም ንዝብል ሕቶ ግን “ነቲ ኣቦ ብስልጣኑ ዝመደቦ ግዜ ክፈልጡ ንዓዓቶም ከምዘይተዋህበ” ብንጹር ተነጊርዎም ነበረ፡ (ግብ1፡7)። እቲ ምውጻኡ ከም ወጋሕታ ርግጽ ዝኾነ ጐይታ፡ እወ እቲ ከም ወዲ ሰብ ቃሉ ክለዋውጥ ዘይከኣሎ ኣምላኽ ግና ኣብ ቃሉ እሙን ምዃኑ፡ እቶም ኣቦታት ኣረጋጊጾሞ ዝነበሩ ሓቂ እዩ። ስለዚ ድማ ነቲ “ድሕሪ ቁሩብ መዓልቲ ብመንፈስ ቅዱስ ክትጥመቑ ኢኹም” ዝብል ካብ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝሰምዕዎ ቃል ተስፋ፡ እቲ “ቁሩብ መዓልቲ” ብርግጽ ክንደይ መዓልቲ እዩ ክኸውን ብዘየገድስ፡ ብእምነት እዮም ተጸብዮም። ከም ቃሉ ኸኣ ካብ ትንሳኤ ድሕሪ 50 መዓልቲ፡ ካብ ዕርገት ድማ ድሕሪ 10 መዓልቲ ነቲ ብዘይሕሶ ቃሉ ዝሃቦም ተስፋ ፈጸመሎም።

“ተጸበዩ” ዝብል ትእዛዝ፡ ንእግዚኣብሄር ዘለና እምንቶን ተኣማንነትን ዘረጋግጽ መምዘኒ ከምዝኾነ ኸኣ ከነስተብህለሉ ሰናይ እዩ። “እግዚኣብሄር ድማ፡ እቲ ራእይ ንምዱብ ጊዜ እዩ፡ ናብ መወዳእታ ይቕልጥፍ ኣሎ፡ ኣይሕሱን ከኣ እዩ። ብርግጽ ኪመጽእ ኣይኪድንጒን ድማ እዩ እሞ፡ እንተ ደንጐየ እኳ ተጸበዮ። ስለዚ ብጒያ ኺንበብሲ፡ ነቲ ራእይ ጽሐፎ፡ ኣብ ሰሌዳታት’ውን ቅረጾ፡ ኢሉ መለሰለይ፡” ኢሉ ኪነግረና ከሎ ነቢይ ንባቆም፡ እንተድለየስ ነቲ ዘይሕሶ ተስፋ እግዚኣብሄር ብፍሩያት ፊደላት’ውን ቅረጾ፡ እዩ ዝብል ዘሎ፡ ን 2:2-3። ሎሚ ብቓል እግዚኣብሄር ኣብ ጽላት ልብና ዝተቐርጸ ተስፋ ሒዝና ዶኾን ንጽበ ንህሉ? ወይስ እንታይ ከምእንጽበ’ውን ዛጊት ኣርጊጽና ኣይንፈልጥን ኢና?!

ንበሩ ሃገረ ኢየሩሳሌም እስከ ትለብሱ ኃይለ እምአርያም (ካብ ላዕሊ ሓይሊ ክሳዕ እትለብሱ ኣብ ከተማ ኢየሩሳሌም ጽንሑ)

እቲ “ተጸበዩ” ኢሉ ትእዛዝ ዝሃበ ጐይታ፡ ካብ ኢየሩሳሌም ንኸይወጹ’ውን ኣጠንቂቕዎም ነበረ። እታ ካልአይቲ ኣገዳሲት ነጥቢ እምበኣር ንእግዚኣብሄር ኣብ ከመይ ዝበለ ቦታ ኴንና ኢና ክንጽበዮ ዝግባእ ዝብል እዩ። ብርግጽ እግዚኣብሄር መንፈስ ስለዝኾነ፡ ንሱ ዘይርከበሉ ቦታ ኣሎ ክበሃል ዝከኣል ኣይኮነን። ድምጺ እግዚኣብሄር ምስማዕ ኣብ ዝኽልክለና ከባብን ህሞትን እናነበርና ግን ከኣ፡ ንእግዚኣብሄር ንጽበ ኣለና ክንብል ድማ ዝከኣል ዘይምዃኑ ብንጹር ምዝራብ ግቡእ እዩ። “ሰብ ነቲ ዝዘርኦ ንእኡ ኸኣ ኪዐጽዶ እዩ እሞ፡ ኣይትጠበሩ፡ ኣምላኽ ኣይዕሾን እዩ፡” ገላ6:7 ከምዝበለ ቅዱስ መጽሓፍ እምበኣር ካብ ሓጢኣትን ዓለማውነትን ተፈሊና ብቕድስና ኢና ንእግዚኣብሄር ክንጽበዮ ዝግባእ። እቶም ነቲ ትእዛዝ ዝተቐበሉ ኣቦታት’ውን ካብ ደብረዘይት ናብ ኢየሩሳሌም ምስተመልሱ ከምኡ እዮም ዝገበሩ። “እዚኣቶም ኲሎም ምስ ሓያሎ ኣንስትን ምስ ማርያም ኣደ ኢየሱስን ምስ ኣሕዋቱን ኰይኖም ከየብኰሩ ሐቢሮም ይጽልዩ ነበሩ። ብምባል ድማ መጽሓፍ ግብረ ሃዋርያት ይምስክር፡ ግብ1፡14 ነቲ “ሓቢሮም”ን “ይጽልዩ ነበሩ” ን ዝብል ቃል ከይረሳዕና፡ ነታ “ከየብኰሩ” ትብል ሓሳብ እንተስመርናላ ድማ፡ ዓቢይ ቁም ነገር ክንመሃረላ ንኽእል ኢና። ምብኳር ስንፍና ድዩ ሓቀይ?!!

እግዚኣብሄር በቶም ዝጽበይዎ ይሕጐስ

ኣብ ቃል እግዚኣብሄር ክንምርምር ከለና፡ ንእግዚኣብሄር ከም ጽን ምባልን ንዕዑ ከም ምጽባይን ጌሩ ዘሐጉሶ ካልእ ነገር ኣይንረክብን ኢና። “ንሓይሊ ፈረስ ኣይብህጎን፡ በእጋር ሰብ ኣይሕጐስን፡ እግዚኣብሄር በቶም ዚፈርህዎ፡ ንጸጋኡውን ዚጽበዩ ይሕጐስ፥” ዝብል ቃል ኣብ መዝሙር ዳዊት እዩ ዝርከብ፡ መዝ 147፡ 10-11። “ንእግዚኣብሄር ሀዲእካ ተጸበዮ፡” (መዝ 37:7) እናበለ ዝምዕድ “ብእሲ ዘከመ ልብየ” ዝተባህለ፡ ዘማሪ ቅዱስ ዳዊት ፥ ደጊሙ’ውን “ንእግዚኣብሄር ተጸበዮ መገዱውን ሐሉ፡” መዝ 37:34፥ ሰሊሱ ኸኣ “ሳህሊ ኣብ እግዚኣብሄር፡ ብዙሕ ምድሓን ከኣ ኣብኡ እዩ እሞ፡ ዎ እስራኤል፡ ንእግዚኣብሄር ተጸበዮ፡” ብምባል እዩ ምዒዱ ዘሎ፡ መዝ 130:7። ነቢይ ኢሳይያስ ከኣ፡ “እግዚኣብሄር፡ ጸጋ ምእንቲ ኺህበኩም ኪጽበ፡ ስለዚ’ውን ምእንቲ ኺምሕረኩም ልዕል ኪብል እዩ። እግዚኣብሄርሲ ኣምላኽ ፍርዲ እዩ እሞ፡ እቶም ዚጽበይዎ ዘበሉ ዅላቶም ብጹኣን እዮም፡” ኢሳ 30:18 በለ፥ ነብዪ ኤርምያስ ድማ ኣብ ድጕ 3:25 “እግዚኣብሄር ነቶም ዚጽበይዎ፡ ነታ እትደልዮ ነፍሲ ሰናይ እዩ፡” ኢሉና ኣሎ’ሞ ኣብዚ ህዉኽ እዋን እዚ ህድእ ኢልናን ኣዘውቲርናን ገጽ ኣምላኽና ክንደሊ፡ ከምኡ ክንገብር ክንክእል ምእንቲ ድማ ኣዒንትና ናብኡ ጥራይ ክጥምታ፡ ኣእዛንና’ውን ናቱ ቃል ጥራይ ክሰምዓ ባዕሉ ይደግፈና! ኣሜን።

ስብኃት ለእግዚኣብሔር እስመ ለዓለም ምሕረቱ!

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል

ኡምዮ ስዊዲን

posted May 28, 2012

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div